Vänersborg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ቫነሽቦሪ ኮምዩን ናይ ቨስትራ ዮታላንድ ቀንዲ ዞባ እዩ፡ ኣብ ጫፍ ናይ ቀላይ ቨነርን ድማ ይርከብ። እቶም ሓደስቲ መጻእቲ ጥቓ ተፈጥሮን ማይን ኪኾኑ ይደልዩ። ኣብ ቫነሽቦሪ ሙዚቃን ባህልን ስፖርትን ዓቢ ተራ ኣለዎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ፈልፋሊ ዘለዎ መትረብ ብቕድሚት ገጹ ሃምንጋታን ድማ ብድሕሪኡ።

እቲ ኮምዩን ኣርባዕተ ከተማታት ኣለዎ፤ ቫነሽቦሪ፡ ብሮላንዳ፡ ፍረንደፉሽን ቫርይአንን። ናይ ቫነሽቦሪ ኮምዩን ራኢ - መሳጥን ቀጻልነትን ኣብ ኩሉ ክፍልታት፡ ንሓዋሩ።

መንበሪ-ገዛ

AB Vänersborgsbostäder ናይ ቫነሽቦሪ ዝዓበየ ትካል ክራይ ኣባይቲ እዩ። ብቫነሽቦሪ ኮምዩን ድማ ይውነን።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛን ሮማኒን እየን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ቫነሽቦሪ ከም ሓንቲ ብዙሓት ማሕበራት ዘለዋ ኮምዩን እያ እትፍለጥ። ኣብቲ ናትና ደብተር ማሕበራት ንኣኻ እትሰማማዕ ማሕበር ክትረክብ ትኽእል ትኸውን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ቫነሽቦሪ ንቤትጽሕፈት መድህንን ቀረጽን ንክፍሊ ጥሮታን ዝሓዘ ናይ ኣገልግሎት ቤትጽሕፈት ኣሎ። ኣብኡ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮውን ኣሎ። እቲ ናይ ኮምዩን ኣሃዱ ስደተኛታት ኣብ Individ- och familjeomsorgen ይርከብ። ኣብ ቫነሽቦሪ ብዙሓት ዓበይቲ ሰከንድሃንድ ቡቲካት ኣለዋ። ኣብቲ ሰንትሩም፡ ግሮሰሪን፡ ቤትንባብን ፋርማሲን ባንክን ኣብያተመግብን እንዳ ፒሳን ካፈታትን ይርከብ።

ብዙሓት ሰባትን ናእሽቱ ዱኳናትን ዘለዎ መዓልቲ ዕዳጋ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ቫነሽቦሪ 27 ኮሙናውያንን 5 ብሕታውያንን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። እተን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ናይ ዕረፍቲ ቤት ኣለወን። ኣብ På familjecentralen Sirius ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ።

"ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ሓልዮት ቈልዑን መውዓሊ ህጻናትን ብዝያዳ ኣንብብ። "

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

እተን 17 መባእታ ኣብያተትምርህቲ 3,500 ተመሃሮ ኣለዉወን። ኣብኡ ክልተ ብሕታውያን ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፣ Fridaskolan ን ቨነርስነስ ሞንተሶሪ ቤትትምህርትን። ነቶም ጽሙማን ወይ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ተመሃሮ ናይ መንግስቲ ቨነርስኩላን ኣሎ።

Birger Sjöberggymnasiet ክፋል ናይ Kunskapsförbundet Väst እዩ። ንሱ ነቲ ናይ ቫነሽቦሪን ትሮልሃታንን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ናይ ዓበይቲ ትምህርትን ይቆጻጸሮ።

ዕድላት ትምህርቲ

ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ንማሕበራዊ ምልላይ ብዚምልከት ትምህርቲ ይቐርብ። Kunskapsförbundet Väst ን sfi ይቆጻጸሮ። ኣብታ ጎረቤት ከተማ ትሮልሃታን ናይ ቨስት ኮለጅ ኣሎ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ቫነሽቦሪ ኮምዩን 5 ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። ነኣየነይቲ ከም እትደሊ ክትመርጽ ትኽእል። ብዛዕባዚ ኣብቲ ምርጫ ሕክምና ዚብል ኣንብብ። ኩሉ ግዜ ምኽሪ ክትደሊ ከሎኻ ናብ 1177 ደውል።

ሆስፒታል ነል ኣብ ትሮልሃታን ካብ ቨነሽቦሪ 10 ኪ/መ ርሒቓ ትርከብ። ክሳዕ ናይ ኡደቫላ ሆስፒታል 30 ኪ/መ እዩ። እቲ ሆስፒታል ምስ NU-sjukvården ብምትሕብባርን ናቱ ክፋል ብምዃንን ይሰርሕ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣናት ወይ ትካላት ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ። እቲ ትካል እዩ ተርጓማይ ዚእዝዝን ወጻኢታት ከኣ ዚኸፍልን። እቶም ተርጎምቲ ናይ ምስጢር ምሕላው ግዴታ ኣለዎም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ትሮልሃታን-ቫነሽቦሪ ትኽ ኢልካ ናብ ናይ ስቶክሆልም ብሩማ ትበርር። Riksväg 42, 44 ከምኡውን europaväg 45 በቲ ኮምዩን ይሓልፍ። ክሳብ ዮተቦሪ ብባቡር 50 ደቓይቕ ይወስድ። ብዛዕባ ናይ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ሰሌዳ ሰዓታት Västtrafik ኣብ ትረኽቦ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እተን ዝዓበያ ብሕታውያን ወሃብቲ ስራሕ VBG Group AB, Tranter ከምኡውን Norautron AB እየን። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ስራሕንን ዋኒንን ሓበሬት ክትረክብ ትኽእል።

ስእሊ ካብ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ናእሽቱ መራኽብ ወደብን እቲ ናይ ፈስቲቫል ቦታን።