Täby

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ታቢ ሓንቲ ካብ ናይ ሽወደን ኮምዩናት ዝጸበቐት እያ። ንሳ ናብ ናይ ስራሕ ቦታትትን፡ ልሙዕ ቦታታትን ደሴታትን ቀረባ እያ። ኣብ ቅድሜና ብርሃን ስለ እንርእይ ቀጻሊ መንበሪ ኣባይቲ ንሰርሕ፡ ቀጻሊ ዋኒናት ንቕበል፡ ንዝተመሓየሸን ናጻ ምርጫ ዘለዎን ኣገልግሎት ድማ ንጽዕር።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። ታቢ ናይ በይና ቤትጽሕፈት ኪራይ ኣባይቲ የብላን፡ ስለዚ ኣብቲ ኮምዩን መስርዕ ንገዛ ኪራይ የልቦን። እቲ ወይ ንመሸጣ ወይ ንኪራይ ዘሎ ገዛውቲ ብውልቃውያን ኣካረይቲ ወይ ደላሎ እዩ ዚካየድ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ታቢ ብዙሓት ወጻእተኛ ዜጋታትን ቋንቋታትን ኣለዉ፡ ከም ፋርስ/ዳሪ፡ ዓረብ፡ ኩርድ፡ ሶማሊ፡ ስፓኛ። ቋንቋ ኣደኦም ሽወደን ዘይኮነ ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ መባእታ ቤትትምህርቲ፡ ኣብ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ኣብ ፍሉይ ቤትትምህርቲ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ኣብ ፍሉይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ብቛንቋኦም ረድኤት ትምህርቲ ኪረኽቡ ይኽእሉ። እቲ ናይ ታቢ ኣብያተትምህርቲ ነቶም ቋንቋ ኣደኦም ሽወደን ዘይኮነ ተመሃሮ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ብልዕሊ 30 ቋንቋታት ይህብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ታቢ ዓቢ ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ልዕሊ 400 ማሕበራት ኣብ ስፖርትን ባህልን ናይ በረኻ ዙረትን ኣብ ናይቲ ቦታን ተቐማጢኡን ምክንኻንን ይነጥፋ።

ኣብ ታቢ ሓያሎ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ኣለዋ፡ ከም፤
ናይ ፊላደልፍያ ማሕበር፡ ናይ ኢራን ባህላዊ ማሕበር፡ ቤትክርስትያን የሱስ ክርስቶስን ቅዱሳን ዳሕረዎት መዓልትን፡ እስላማዊ ማሕበር፡ ሽወደናዊ ቤትክርስትያን፡ ታቢ ኣፍሪካግሩፕ፡ ናይ ታቢ ባፕቲስት ማሕበር፡ ናይ ታቢ ማሕበር ናይ ጀሆቫ መሰኻኽር፡ ቮር ፍሩስ ካቶሊካዊ ማሕበር።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ናይ ህዝቢ ኣገልግልቶ ከም ቤትጽሕፈት ዕዮን ማሕበራዊ ኣብያተጽሕፈትን ኣሎ፡ ግን ቤትጽሕፈት ቀረጽን ትካል መድህንን ኣብ ታቢ ቤትጽሕፈት የብልንን። ኣብ ስቶክሆልም እዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ከተማ ታቢ እተፈላለየ ድኳናትን ኣብያተመግብን ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ኣብያተንባብ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ቤተክርስትያን ሰከንድሃንድ፡ ዘገልገለ ኣቕሑ ገዛ፡ ናይ ተክኒክን ስፖርትን መሳርሒታት፡ ኣጫርቕ፡ ክዳውንቲ፡ ፈናጅልን መጻሕፍትን ይርከብ።

ኣብቲ ፕሮታ ስቨንስካ ካፈ፡ ቋንቋ ሽወደንትለማመድ፡ ትመሃር፡ ብዛዕባ ሃገር ሽወደንን ባህላን ሓበሬታ ትረክብ፡ ቅድሚ ሰበስልጣን ምርካብካ እንታይ ክትገብር ከም ዚግበኣካ ምኽሪ ትቐስም።

ታቢ ጥቓቲ ዓጊ ቫርታን ስለ ዚርከብ፡ ናብቲ ኣዚዩ ጽቡቕን ግሩምን እኩብ ደሴታት ቀረባ እዩ። በዚ ምኽንያት ናይ ዓሳ ምግፋፍን ምሕምባስን ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ታቢ ብዙሕ ናይ መሐምበሲ ቦታታትን ናይ ስፖርት ኣደራሻትን ሜዳታትን ኣሎ። ታቢ ናይ ንምንቅስቓስን ምዝንጋዕን ዚጠቕም ናይ ጎልፍ ሜዳን ናይ ውሽጥን ደገን መወሳወሲ ኣካላትን፡ ናይ መንሸራተትን መጋለብን ኣገልግሎት ኣለዋ። መብራህቲ ዘለዎ ናይ ምንቅስቓስ መገዲውን ኣለዋ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ታቢ ንደቂ 1-5 ዝኸውን ቤትትምህርቲ ህጻናትን ካልእ ናይ ህጻናት መደባት ከም ንደቂ 1-9 ዝኸውን ናይ ስድራቤት ናይ ህጻናት መውዕሊ ኣሎ። ኣብ ታቢ መብዛሕትኡ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ናጻ እዩ። ክልተ በቲ ኮምይን ይምራሕ። ባዕልኻ ኣብ መንጎ ቤትትምህርቲ ህጻናትን ካልእ ናይ ህጻናትንጥፈታትን ምረጽ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ታቢ ብዙሕ መባእታን ካልኣይደረጃን ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ኣብዚሓደስቲ መጻእቲ ተመሃሮ ምስቶም ካልኦት ኣብ ሓደ ምሹእ ክፍሊቤት ይተሓዋወሱ።

ናይ ታቢ ካልኣይ ደረጃቤትትምህርቲ ተዮሪያውን ሞያውን ከምኡውን ብፍላይ እተቐየሰ መደባት ኣለዎ።

ናይ ቀረባ ስእሊ ናይ ብሓብር ዘንብቡ ዘለዉ ኣብ ክሊ ሸውዓተ ዓመት ዝርከቡ ሰለስተ ተምሃሮ።

ዕድላት ትምህርቲ

ታቢ ብመገዲ ኩንስካፕስሰንትሩም ኖርዶስት ገይሩ ናይዓበይቲ ትምህርቲ የቕርብ። ኤስኤፍኢ (ሽወደን ንስደተኛታት) ብዘይ ክፍሊት ክትመሃር መሰላካ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዘይተመሃርካ እንተ ነበርካ ድማ ኣብ መባእታ ቤትትምርቲ ክትመሃር ትኽእል። ምሉእ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ንዘይብሎም ዓበይቲ፡ ኺመሃሩ ይኽእሉ። ድሕሪ ካልኣይ ደረጃውን ንፍሉይ ክእለት ዘድልዩ ኮርሳት ክትወስድ ትኽእል።

ምልላይ ምስ ሕብረተሰብ ዚብል ኮርስ ነቶም ሓደስቲ መጽእቲ እዩ። ንሱ 60 ሰዓታት ይወስድ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብቛንቋ ኣደ ይወሃብ። እቲ ኮርስ ነቲ ሕብረተሰብ ክትፈልጦን ኣብቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ቀልጢፍካ ንኽትኣቱን ዝዓለመ እዩ። ነዚ ኮርስ እትወስዶ ኣብ ሽወደን ከም ስደተኛ ኴንካ እንተ መጺእካ ወይ ድማ ብቤትጽሕፈት ዕዮ ናይ መተሓዳደሪ መደብ እንተተዋሂቡካ እዩ። ብዘይ ከምዚ ምኽንያትውን ነቲ ኮርስ ክትወስዶ ትኽእል። ነቲ ሓጋዚኻ ተወከሶ።

ለርቩክስ ኮርሳት ምስቲ ግዴታዊ ፍሉይ ትምህርትን ሃገራዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ፍሉይ ትምህርትን ይመሳሰል ወይ ይወዳደር።

ኣገልጎት ጥዕና

ታቢ ኮምዩን ክትውከሶ እትኽእል ብዙሕ ናይ ገዛሓኪምን ናይ ህጻናትማእከል ጥዕናን ናይ መሕረስን መንእሰያትን ክሊኒክ ኣለዎ።

ኣብ ታቢ ህዝባውን ብሕታውን ሓኪም ስኒ ኣሎ። ዝቐረበናይ ቀዳማይ ወይህጹጽ ረድኤት ድማ ኣብዳንደሪድ ይርከብ፡ ካብ ታቢ ኣስታት 10 ኪሎመትር ርሕቕ ኢሉ።

ኣብ ናይ ታቢ ከባብያዊ ሆስፒታል፡ ሕጂ ኣለሪስ ፍሉይክንክን ታቢ ዚብሃል፡ ብሓደእተኣከቡ ክኢላታት ሓከምቲ ኣለዉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሽወደን ክትዛረብን ክትርዳእን ምስ ዘይትኽእል፡ ተርጓማይ ክትገብር መሰል ኣሎካ። ናይ ምስማዕን ምዝራብን ጸገም እንተ ኣሎካውን ተርጓማይ ክትገብር መሰል ኣሎካ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣውቶቡስ

ካብ ታቢ ሰንትሩም ዚለዓላ እተፈላለያ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ ታቢን ካብኡ ወጻእን ክሳዕ ስቶክሆልም ኣውቶቡስ ክትወስድ ትኽእል።

ሮስላግስባናን

ሮስላግስባናን ቅርጺ ናይ ሰሜናዊ ክፍሊ ትራፊክ እዩ። ብኣኡ ቀልጢፍካ ናብ ታቢ ትበጽሕ። እቲ ጕዕዞ ካብ ኦስትራ ስተሽን ክሳዕ ታቢ ኣስታት 20 ደቓይቕ ይወስድ።

ኣብ ኦስትራ ስተሽንን ሞርቢ ስተሽንን ካብ ባቡር ናብ ቱነልባና ይስገር፡ ካብኡ ድማ ብቐሊሉ ናብ ስቶክሆልም ይብጻሕ።

ብዛዕባ ናይ ሰዓታትን መደባትን ሰሌዳ ኣብቲ ናይ ስቶክሆልም ሎካል ትራፊክ ኣንብብ (SL)።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ኮምዩን ዓቢ ወሃብ ስራሕ እዩ። ብዘይካኡ ኣብ ታቢ ኣስታት 7000 ዋኒናት ኣለዋ፡ ግን ንዝይዳውን ቦታ ኣሎ። መብዛሕትአን ነኣሽቱን ኣገልግሎት ኣቕረብትን፡ ናይ ንግድን ኤለትሮኒክን/ኣይ ቲ ሰክቶር እየን። ብዙሓት ከኣ ኣብ ንግድን ህንጻን መሬትን ገዛን ቤትትምህርቲ ህጻናትን ሕክምናን ክንክንን ዚነጥፋ እየን። ከምዚ ዝምብዘሐን ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ክንክንን ዋኒናት ኣብቲ ቁጠባዊ ህይወት ምእታወን ኣብ ናይ ሽወደን ኮምዩን ብርቂ እዩ።