Hylte

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝፋለጥሉ ከባቢ፣ ኣብ ስራሕን ትርፊ ግዜኻን ትዋሳኣሉ ከባቢ ምንባር ዓቢ ውሕስነት እዩ። ምምሕዳር ሂልተ ርጉእ እዩ እቲ ከባቢ ክትፈትዎን ብጥዕና ክትነብረሉን ቀሊል እዩ። ንጡፍ ማሕበራዊ ሂወት ንኣገልግሎትን ተፈጥሮን ቅርበት ምስዝህልዎ ምቹእ ሃዋሁው ከምዝፈጥር እምነትና እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ከባቢ ብጫካታት፣ ማይን ነኣሽቱ ከተማታትን ሕብረተሰብን እዩ ዝልለ። ርእሰ ከተማ ሂልተብሩክ ኣብ ክሊ ፋብሪካ ወረቐት ኒሳን ስትራንድ ኣብ 1909 እያ ተመስሪታ። ኣብዚ ግዜዚ ምምሕዳር ሂልተ ኣስታት 900 ሰራሕተኛ ዘለውዋ ወሃቢት ስራሕ እያ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ምምሕዳር ሂልተ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ክትመርጾም እትኽእል ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣባይቲ ይርከቡ።

ምምሕዳር ዝዕድሎም ኣባይቲ የብሉን ኣብቲ ምምሕዳር ክራይ ኣባይቲ ዘቕርባ ብርክት ዝበላ ትካላት ኣባይቲ ይርከባ። እቲ ዝዓበየ ኣባይቲ ሂልተ ይበሃል፣ ዝያዳ ሓበሬታ ምስ እትደሊ፣ ዘይተኻረዩ ኣባይቲ ክትሪእን ኣብ ሪጋ ኣባይቲ ክትምዝገብን ምስ እትደሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣባይቲ ሂልተ ክትገብሩ ትኽእል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ምምሕዳር ዝተፈላለየ ዓሌታዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት ብሓባር ይነብሩ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት እውን ይዝረቡ።

ኣብ ገዝኦም ብጀካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡ ህጻናት/ነኣሽቱ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ በዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት፣ ፖላንድ፣ ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ቬትናም፣ ኣልባንያ፣ ሶማልኛን ዓረብኛን ይወሃብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ሂልተ ንኹሎም ኣባላት ስድራቤት ዓዳሚ ዝኾነ ሃብታም ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ኣሎ። ምሉእ ዓመት ግዱሳት ነበርቲ እቲ ምምሕዳር ንዝተፈላለዩ ንጥፈታት ነኣሽቱ፣ መንእሰያትን ዓበይትን ዝኸውን ኣብ ትርፊ ግዜኦም ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰዓታት ብነጻ የወፍዩ። ክብሪ ነዞም ግዱሳት ከኣ ምምሕዳርና ዝኾርዓሎም ልዕሊ 130 ማሕበራት ይርከቡ።

ብዙሓት ካብ ኣብ ምምሕዳር ዝርከቡ ማሕበራት ንጥፈታቶም ንኣብ ሽወደን ሓደስቲ ዝኾኑ ሰባት ዘተኮረ እዩ።

ኣብ ናይ ምምሕዳር መዝገብ ማሕበራት ዝተፈላለያ ማሕበራት ክትረክብ ይከኣል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሂልተብሩክ ናይቲ ምምሕዳር ዝዓበየት ከተማ ኮይና ዝተፈላለዩ ድኳናትን ትካላት ኣገልግሎትን ትውንን። ኣብዚ "ርሑው ልዳት" ዝበሃል ሓገዝ ትረኽበሉን ወከልቲ ትካላት ቤት ጽሕፈት ዕዮ፣ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት፣ ምምሕዳር ሂልተ፣ ፕሮጀክት ሕብረት ሂልተን ትረኽበሉን ንሕብረት ዝምልከት ኣብ ሞንጎ ትካላት ዝግበር ሓባራዊ ስራሕ ይርከብ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ብዛዕባ ባህልን ትርፊ ግዜን ዝያዳ ከተንብብን ቤት ንባብ፣ ኣዳራሻት ስፖርትን ዝተፈላለዩ ባህላውን ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታትን ኣበይ ከምዝርከቡ ክትፈልጥ ትኽእል።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ምምሕዳር ሂልተ 13 ናይ ምምሕዳር መዋእለ ህጻናትን፣ መዋእለ ህጻናት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ውልቀ ሰባትን ናይ ብሕቲ ማዋእለ ህጻናትን ኣለዉ። ንጥፈታት መዋእለ ህጻናት ዕድመኦም ካብ 1-5 ዝርከቡ ህጻናት የጠቓልል። ኣብ ናይ ምምሕዳር መዋእለ ህጻናት ቦታ ዝወሃብ ብመሰረት ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ዝተታሕዘ ሪጋ ይኸውን።

ክፉት መዋእለ ህጻናት ሂልተብሩክ ወለዲ ምስ ካብ 0-5 ዓመት ዝዕድመኦም ደቆም ተራኺቦም ዘዕልልሉ፣ ዝጻወትሉን ሓድሕድ ዝፋለጥሉን መራኸቢ ቦታ እዩ። ክፉት መዋእለ ህጻናት ወለድን ህጻናትን ዝግልገልሉ ቦታ እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ምምሕዳር ሂልተ ኣብ ሂልተብሩክ፣ ሺንናሬድ፣ ሪድአብሩክ፣ ቱሩፕ፣ ላንደሪድን ኡናሪድን መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣለዎ።

ኣብ መባእታዊ ትምህርቲ ዝጅምሩ ሓደስቲ መጻእቲ ነኣሽቱ (6-16 ዓመት) ድሕሪ ምምዝጋቦም ኣብ ናይ መሰናድኢ ክፍሊ ይምደቡ። ኣብኡ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ሓያል ጎድኑን ከማዕብሎም ዝግበኦ ከባብታትን ገምጋም ይግበር። ብተወሳኺ እቲ ተመሃራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ መቀራረቢ ስልጠና ይወሃቦ።

ንኣብ ሞንጎ 16-20 ዝዕድመኦም ተመሃሮ ናይ ሌላ መደብ ኣሎ። ንሱ ድማ ንካልእ ዓይነት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ከኣ ንናይ ሞያ ስልጠና መቀራረቢ ዝዓለመ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሃልምስታድን ዪስላቬድን ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ምምሕዳር ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ የዳሉ። ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ዝጎደለካ መመል ኢ ወይ ከኣ ሓደስቲ ዓይነት ትምህርቲ ከተንብብን ወይ ከኣ ዝተፈላለዩ ደረጃ ዘለዎም ኮርሳት ክትወድ ዝዓለመ እዩ።

SFI (ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት) ኣብ ናይ ዓበይቲ እቱው ኮይኑቋንቋ ሽወደን ክመሃሩ ንዝደልዩ ዘተኮረ እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ክንክን ሕክምና ብሓላፍነት ኣውራጃ ሃላንድ ይመሓደር። ኣብ ሂልተብሩክን ቱሩፕን ማእከላት ጥዕና ይርከባ።

ኣብ ሂልተብሩክ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ። ኣብቲ ምምሕዳር ናይ ብሕቲ ሓካይም ስኒ እውን ኣለዉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኩሉ ምስ መንግስታውያን ትካላት ዝግበሩ ርክባት ቶርጓማይ ናይ ምርካብ ተኽእሎታት ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ምምሕዳር ሂልተ ኩሎም ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብሃላንድስትራፊከን ይመሓደሩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እዚ ብዙሓት ትካላት ዝርከብኦ ምቹእ ቦታ ንትካላት እዩ። ነዞም ትካላት ኣብ ናይ ምምሕዳር መዝገብ ወነንቲ ትካላት ክትረኽቦም ትኽእል። ኣብ ምምሕዳር ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ወነንቲ ትካላት ደገፍን ምኽርን ክትረክብ ይከኣል።