Lessebo

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ለሰቡ ትነብር እንተኾንካ፡ ኣብ ሓንቲ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ዝቐረበትን ብዙሕ ተኽእሎታት ዘለዋን ንእሽቶ ቦታ ኢኻ እትነብር ዘሎኻ። ናብተን ጥቓኣ ዘለዋ ዓበይቲ ከተማታት ብኣውቶቡስ ወይ ብባቡር ክትመላለስ ቀሊል እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ለሰቡ ኮምዩን ኣርባዕተ ቀንዲ ከተማታት ኣለውኣ፤ ለሰቡ፡ ሁቭማንቶርፕ፡ ኮስታን ስክሩቭን። ኣብ ኵለን ከተማታት ሓልዮት ቈልዑ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ቤት ንባብን ሓልዮት ኣረጋውያንን ኣሎ። ናብታ ካልእ ገዲፍካ ናይ ዝተፈላለየ ትምህርትታት ዕድላት ትህብ ሊነኣዩኒቨርሲተተት ዝርከባ እታ ዓባይ ከተማ ቨክሸዮ ቀረባ እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብቲ ኮምዩን ኣፓርትማን ቪላታትን ይርከብ። እቲ ዝዓበየ ትካል ኣካራዪ ለሰቡሁስ ይብሃል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብኡ ከም ሶማሊን ዓረብን ዝመሰለ ቋንቋ ይዝረብ። ኣብቲ ቤትንባብ ብኻልእ ቋንቋንብሽወደንን እንታይ ሓበሬታ ከም ዘሎ ትፈልጥ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ለሰቡ ኮሙን ሃብታም ማሕበራዊ ናብራ ኣለዋ። ብዛዕባተን ማሕበራት ንምፍላጥ ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣሎካ ኣብቲ ናይቲ ኮሙን ወብሳይት ማሕበራዊ ህይወት ተመልከት።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ዓይነት መግቢ ዘለዎ ግሮሰሪታት ኣሎ፡ ከምኡውን ቤትንባብ፡ ካፈ፡ ቤትመግቢ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ መዘናግዒ ቦታ፡ ናይ ስፖርት ኣደራሽ፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ ባንክ፡ ፋርማሲ፡ እንዳ ክዳውንቲ፡ ሳእኒን ናይ ክሽነ ኣቕሑ፡ ሓያሎ ሓራጅን ሰከንድሃንድ ድኳናትን ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እቲ ኮምዩን ንደቂ 1-5 ህጻናት ቤትትምህርቲ የዳሉ። ነቶም ክሳዕ 12 ዓመት ዝዕደመኦም ቆልዑ ናይ መዘናግዒ ገዛ ኣሎ። ኣብ ቤትትምህርቲ ኣብ ዘየለዉሉ ግዜ ኣብኡ ኪኾኑ ይኽእሉ። ለሰቡ ኮምዩን ኣብዘን ዚስዕባ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ኣለዎ፤ ለሰቡ፡ ሁቭማንቶርፕ፡ ኮስታን ስክሩቭን። ናይ ናጻ ግዜ ገዛ ኣብ ኩሉ ኣብያተትምህርቲ ይርከብ። እቲ ኮምዩን ብዘይካ እቲ ብወለዲ ዝመሓደር ነተን ካልኦት ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ የመሓድረን። ኣብኡ ንኽትምዝገብ ቅሩብ ግዜ እዩ ዚወስድ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ለሰቡ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ፡ መባእታ ቤትትምህርቲ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲን ትምህርቲ ንዓበይትን ኣሎና። ኣብ ቨክሸ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ዩኒቨርሲቲን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ለሰቡ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት፡ ቋንቋ ሽወደንኛ ኣብ ምምሃር ነዊሕ ተመኩሮ ኣለዎ ካብኡ ዝተረፈ፡ ኣብ ለሰቡ ዕድላ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣሎ። ነቲ ትምህርትታት ንነፍስ ወከፍ ሰብ ከም ዝሰማማዕ ገይሮም የዳልውዎ።

ንሞያ ዚምልከት ወይ ዝለዓለ ትምህርቲ ምስ እትደሊ ኣብ ካልማርን ቨክሸ ክትረክብ ትኽእል።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብዚ ዞባ ግሩም ጌይሩ ዚተሃንጸ ናይ ጥዕናን ሕክምና ኣገልግሎት ኣሎ።ኣብ ለሰቡ፡ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣደታት፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ማእከል ስድራ ቤት፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ክንክን ጥዕናን ናይ ስኒ ሕክምንና ኣሎ። ኣብዚ ዞባ ኣገልግሎት ሕክምና ከመይ ከም ዚሰርሕን ከመይ ከም እተወደበን ንምፍላጥ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ናብ ናይ ክሮኖበርይ ዞባ መርበብ ሓበሬታ ብጻሕ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ቀልጢፍካ ምምላኽ ኣገዳሲ እዩ። ይኹንምበር ኣብቲ መቐበሊ ናይ ለሰቡ ኮምዩን ተርጓማይ ከድልየካ እዩ። ተለፎን፡ 0478-125 00

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ኮምዩን ግሩምን ቅልጡፍን ናይ ባቡር ኣገልግሎት ኣሎ። ብዛዕባ ሰዓታት ኣብ SJ ወይ ናይ ክሮንበርይ ናይወረዳ ትራፊክ ተመልከት።

SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራህ ለሰቡ ኮምዩ፡ ኮስታ ቡዳ ኣርት ሆቴል፡ ኮስታ ኣውትለት፡ ኦረፉሽ ኮስታ ቡዳን ለሰቡ ብሩክ እዩ። ብዙሓት ወሃብቲ ስራሕ ኣብተን በጺሕካ እትምለሰለን ከተማታት ይርከቡ።