Svenljunga

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ስቨንዩንጋ እቲ ናይ ንእሽተይ ኮሙን ረብሓታት ከም ቅርበት ነንሕድሕድካን ብቐሊሉ እማመታት ምቕራብን ውሳነታት ምውሳንን ኣሎና። በቶም ናትና 300 ቀላያት ብምሕምባስን ዓሳ ምግፋፍን ተሓጐስ ወይ ኣብቲ ደስ ዘብል ተፈጥሮ ዙር።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ካብ ቀላይ ናብ ገዛን ጫካን ኣብ ስቨንዩንጋ።

ናብታ ኣዝያ ደቡባዊት ናይ ምዕራባዊ ዮታላንድ ዝኾነት ኮሙን እንቋዕ ብደሓን መጻእካ። ቀረባ ናብ ህድኣት ግን ናብ ናይ ዓቢ ከተማ ትርግታ ድማ። ስቨንዩንጋ ኮሙን - እቲ ጥዕሙ ሂወት ንጋብዝ!

መንበሪ-ገዛ

ኣብዚ ዞባ'ዚ ብብዝሒ ካብ ዝዝረበሎም ቋንቋታት ስደተኛታት፡ ሶማለኛ፡ ዓረበኛን ፋርሲ ወይ ኢራነኛን ይርከቦም።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ ዞባ'ዚ ብብዝሒ ካብ ዝዝረበሎም ቋንቋታት ስደተኛታት፡ ሶማለኛ፡ ዓረበኛን ፋርሲ ወይ ኢራነኛን ይርከቦም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ምምሕዳር ከባቢ ስቬንልዩንጋ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ንጥፈታት ዘለዎ ዞባ እዩ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ኣብ ስፖርት፡ ባህሊ፡ ሕብረተ-ሰብኣውን ካልእን መዳያት ይነጥፋ። ቤተ-ክርስትያን ሽወደንን ካልኦት ክርስትናዊ ምትእሳራትን ማሕበራት ኣብዚ ቦታ'ዚ ብንጥፈት ይዋስኣ። ቀቢላውን ናይ ካልኦት ሃይማኖታትን ማሕበራት ብዝያዳ ኣብ ዞባ ቡሮስ ይርከባ።

ዓበይትን ቈልዑን ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ጃልባ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ናይቲ ዞባ ዝኾነ ከተማ ስቬንልዩንጋ፡ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ቤት-ንባብ፡ ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲ (ኣስቤዛ)፡ ፍርማሲ፡ ማእከል-ጥዕና፡ ክሊኒክ-ስኒ፡ ድኳናት ክዳውንቲ፡ ድኳናት ሓጺነ-መጺን፡ ድኳናት ኣቍሑ ኑቍጣ-ፖሊስ ካልእን ይርከብ። ንኡሳን ከተማታት ወይ ዕእዲታት ምዮበክን ካልቭን ውን ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲ ወይ ኣስቤዛ ይርከበን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ብምምሕዳር ከተማ ዝመሓደራን ዝእለያን ኣብያተ-ትምርህቲ ወይ ውን መውዓሊ-ህጻናት ኣብ ስቬንልዩንጋ፡ ሂላሬድ፡ ሆልስልዩንጋ፡ ሆክስቪክ፡ ምዮቤክ፡ ሰክስድሬጋ፡ ሞርዳክሌቭ፡ ኦስትራ ፍሮሉንዳን ኦቨርሊዳን ይርከባ። ብዜካ'ዚ ኣብ ስቬንልዩንጋ ብማሕበር-ወልዲ እትእለ ቤት-ትምርህቲ ወይ መውዓሊ-ህጻናት ውን ኣላ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቬንልዩንጋ ዓሰርተ ናይ መባእታዊ ደረጃ ኣብያተ-ትምርህታት ይርከባ። እዘን ቤት-ትምህርታት እዚኣተን ክሳብ ናይ 9 ክፍሊ ደረጃ ትምህርቲ ኣለውን። ኣብ መብዛሕትአን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ኣብያተ-ትምርህታት፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ትምህርቲ የአንግዳ። ካብ 7ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ትምርህቲ ዝከታተሉ ተመሃሮ ናብታ ኣብ ማእከል ከተማ ናይቲ ምምሕዳር እትርከብ ቤት-ትምርህቲ ሞጋ ብምኻድ ይመሃሩ።

ምምሕዳር ከባቢ ስቬንልዩንጋ ባዕሉ ዘመሓድሮ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ቤት-ትምርህቲ የብሉን። እዚ ኾይኑ ግን፡ ኣብቲ ከተማ፡ ብምምሕዳር ኣውራጃ ዮተላንድ ዝእለ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ መሬት ዘትኮረ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ትምርህቲ ይርከብ። እቶብ መባእታዊ ደረጃ ትምርህቲ ዝውድኡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምርህቶም ኣብ ከተማታት ቦሮስ፡ ማርክ፡ ትራነሞ፡ ኣብ ካልእ ከተማ ወይ ውን ኣብቲ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከብ 6 ኣብያተ-ትምርህታት ኣጠቓቕማ መሬት፡ ብምኻድ ክመሃሩ ይኽእሉ። እቶም ኣብ ካልኣይ-ደረጃ ክመሃሩ ዘድሊ ነጥቢ ዘይብሎም ተመሃሮ፡ ኣብቲ ኣብ ስቬንልዩንጋ ዝርከብ መእተዊ-መእተዊ ትምህርቲ ዝተሰምየ መደብ ክሳተፉ ይኽእሉ።

እታ ኣብ ከተማ ስቬንልዩንጋ እትርከብ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ መሬት ዘትኮረ መደብ-ትምርህቲ ኣብ ምሃብ እትርከብ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ቤት-ትምርህቲ፡ ማእከል ትምርህቲ ናይቲ ዞባ እያ። እቲ ኣብዛ ቤት-ትምርህቲ ዝወሃብ መደብ፡ ንኣጠቓቕማ ኣግራብ፡ ኣተሓሕዛ-ኣፍራስ፡ ህድና፡ ክንክን እንስሳታት-ዘገዳምን ምምራሕ በጻሕትን ዝድህስስ ዕእውዲ-ትምርህቲ እዩ። ኣብተን ኣብ ዞባ ዮተላንድ ዝርከባ ተመሳሰልቲ ኣብያተ-ትምህርታ ብምኻድ ውን ንኣተሓሕዛ ኣፍራስ፡ ውድድር ብኣፍራስ ዝሰሓባ ካሮሳ፡ ኣተኣላላያ ኣኽላባት፡ ክንክን እንስሳታት ከምኡ ውን ኣብ መዳይ ሕርሻ ዘትኮረ ትምህርታት ክትመሃሩ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ከምኡ ውን ትምርህቲ ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ኣብ ስቬንልዩንጋ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ነቶም ኣብ መባእታዊ-ደረጃ ወይ ውን ኣብ ካልኣይ-ደረጃ ትምርህቲ ክትምሃሩ ትደልዩ ሰባት ውን ኣብ ክፍሊ ትምርህቲ ዓበይቲ ክትመሃሩ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ጥዕናዊ-ማእከላት ኣብ ስቬንልዩንጋን ኦስትራ-ፍሮሉንዳን ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ምምሕዳራዊ ትካላት መንግስቲ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት ወትሩ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል'ዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

መጎዓዝያ ካብን ናብን ናብቲ ዞባ ምኣገልግሎት መጎዓዝያ ምዕራብ ወይ ቨስትትራፊክ ይእለ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ውሽጢ እቲ ምምሕዳር ዞባ ይኹን ኣብ ከባቢታት ናይቲ ዞባ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ወይ ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ንኣብነት ንምጥቓስ፡ ኤሎ ሌዘር፡ ቮክስ ኣየር፡ ብሎክሌደር፡ ስታርትሬዲን፡ ምዮቤክስ ኢንተርፕረናድ፡ ቬስትኩስት-ስቱጋ፡ ቴክስሬፕ ሽወደን፡ በሬንድሴን ሴፍቲ ኦክ ቴክስቲ ሰርቪስ፡ ኣጃብ ስማይድን ኢካን ይርከቡዎም።