Köping

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እታ ልዕሊ 25 000 ተቐማጦ ዘለዋ ሾፒንግ ኮምዩን ኣብ ዞባ ምዕራባዊ መላርዳለን ተፈጥሮኣዊ ማእከል እያ። ምስናዕ እቲ ኣገዳሲ ብዚነሳዊ ክፋል እዩ፡ ኣብኡ ድማ እቲ ናይ ኢንዱስትሪ ባህሊ ይቕጽልን ይዓብን። እቲ ናይ ሽወደን ዝዓበየ ወደብ ኣብኡ ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ዞባ ቬስትማንላንድ ብመንገዲ እቲ ሆስፒታል ዓብይ ወሃብ ስራሕ እዩ፡ እዚ ኮሙን እውን ልክዕ ከምኡ። ሳላ ናይ ባቡርን ማኪናን መገዲታት፡ ካብን ናብን ምምልላስ ቀሊል እዩ። ኣብ ከባቢ ሾፒንግ ብዙሕ ናይ ተፈጥሮ ቦታታት ኣሎ። እቲ ወደብን ድኳናትን መናፈሻ መገድን ኣብቲ ኣደባባይ ከተማ ዚርከብ ናይ 19 ክፍለዘመን ህንጻታትን ነታ ከተማ ፍሉይ ባህርይ የልብሳ።

መንበሪ-ገዛ

ናብ ሾፒንግ ክትግዕዝ እንተ ደሊኻ ክትረኽቦም እትኽእል ብዙሓት ኣካረይቲ ኣባይቲ ኣለዉ። እቲ ዝዓበየ ኣካራዪ እቲ KBAB እተባህለ ናይቲ ኮምዩን ትካል ክራይ ኣባይቲ እዩ። ግን ከኣ ኣባይቲ ዘካርዩ ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣለዉ። ናይቶም ኣብ ሾፒንግ ዚርከቡ ዝርዝር ኣካረይቲ ገዛ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሾፒንግ ኮምዩን ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝመጹ ተቐማጦ ኣለዉ። ብዘይካ ቋንቋ ሽወደንን ፊንላንድን እቲ ብብዝሒ ዚዝረብ ቋንቋ፡ ዓረብን ሶማልኛን እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት፡ ብዛዕባ መብዛሕትአን ኣብ ሾፒንግ ኮምዩን ዘለዋ ማሕበራት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ናይ ወጻእተኛታት ውድባትውን ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ብእተፈላለየ መገዲ ነቶም ስደተኛታት ኣብቲ ሕብረተሰብ ንኺሕወሱን ንኺዋስኡን ንምሕጋዝ ይሰርሓ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሾፒንግ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ ቤትጽሕፈት መድህንን ጥሮታን ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ቨስትራ ሎንግጋታን 6 ይርከባ። ኣብኡ ብእተፈላለየ ቋንቋ እተዳለወ መጻሕፍትን መጽሔታትን ክትልቅሓሉ እትኽእል ቤትንባብ ኣሎ። ኣብኡውን ብዛዕባ ናይ ሆምዎርክ ሓገዝ ክትረክብ ተኽእሎ ኣሎ። ሾፒንግ ብዘይካ ኣብቲ ሳንትሩም ዘሎ ድኳናት፡ ኣብቲ ምስ ዓበይቲ ናይ ማኪና ጎደናታት ዘራኽብ ቦታ፡ ንእስ ዝበለ ናይ ዕዳጋ ማእከል ኣሎዋ። ዓበይቲ ዕዳጋታት ኣብ ቨስተሮስ፡ ኤስኪልስቱናን ኦረብሩን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሾፒንግ ናይቲ ኮምዩንን ናጻን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ዝበዝሓ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ፍሉይ መደባት ኣለወን፡ ከም ደጋዊ ህይወት፡ ናብ ሙዚቃን ኣከባብን ዝቐንዐ መደባትን። ኣብ ሾፒንግ ኮምዩን ውላድካ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ኣብ ቤትትምህርቲ ቦታ ከም ዚረክብ ውሕስነት ኣሎካ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሾፒንግ ኮምዩን ኮምዩናዊ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። መብዛሕትአን ናይ ዕረፍቲ ገዛ ኣለወን ካልኦትውን ናይ ስፖርት ወይ ሙዚቃ መደባት ኣለወን።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ሾፒንግ እቲ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ኣብ ኮምፐተንስሰንተር Kompetenscenter ተኣኪቡ ይርከብ። ኣብኡ መምርሕን ሓበሬታን፡ ብናይ መባእታውን ካልኣይ ደረጃን ጽፍሒ ዚወሃብ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ፡ ኮምቩክስ፡ ለርቩክስ፡ ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi) ከምኡውን ብርሑቅ ዚካየድ ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ይወሃብ።

ምስ ህዝባዊ ኮለጅ ብምትሕብባር ኮርታ ቨገን ኤስኤፍኢ ( Korta Vägen-SFI) ይውሃብ። ኣብ 2015 ሾፒንግ ኤስኤፍኤ ከምኡውን ንኣኻ ናይ ኣካደምያዊ ናይ ሕክምና ዲግሪ ዘሎካ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ኪጅምር እዩ። ኤስኤፍኤ መዲሲን SFA-medicin ንኣኻ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ናይ ሕክምና ዲግሪ ዘሎካ ዚውሃብ ዓሚቝን ናብ ሞያ ዘተኮረን ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ መደብዚ ቋንቋ ሽወደን ምስ ናብ ስራሕን ክንክንን ዘተኮረ ኮርሳት ተጻሚዱ ይውሃብ።

ሽዑ ከይደንጎኻ ብናትካ ቋንቋ ወይ ድማ ብእትርዳኦ ቋንቋ ብዛዕባ ሕብረተሰብ መእተዊ ይውሃበካ። እቶም ኣብ ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ዘይተመዝገቡ ብናይዚ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ገይሮም ኣብቲ መደብ ኪምዝገቡ ይኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብቲ ቦታ ኣርባዕተ ናይ ክንክን ክፋላት ዘለዎ ንእሽቶ ሆስፒታል ኣሎ። እቲ ቀንዲ ስርሑ ናይ ህጹጽ ናይ ውሽጣዊ ሕክምና ረድኤት እዩ። ከምኡውን ኣብ ሾፒንግ ሰለስተ ማእከላት ጥዕና ኣብ ኮልስቫ ድማ ሓንቲ ማእከል ጥዕና ኣለዋ። ሆስፒታል መሕረሲ ኣብ ቮስተሮስ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ዚሕተት እቲ ኮምዩን ብናትካ ቋንቋ ዚትርጉም ካብ ናይ ቨስትማንላንድ ኣገልግሎት ትርጉም ሓገዝ ኪረክብ ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብቲ ናይ ቨስትማንላንድ ሎካል ትራፊክ ( Västmanlands lokaltrafik) ከምኡውን ኣብ SJ ብዛዕባ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ሓበሬታ ትረክብ። ብዙሓት ካብን ናብን ሾፒንግን ቀረባ ከተማታትን ይመላለሱ።

  • ሾፒንግ - ቨስተሮስ፤ ብኣውቶቡስ 57 ደቓይቕ ብባቡር ድማ 17 ደቓይቕ ይወስድ።
  • ሾፒንግ - ኤስኪልስቱና፤ ብኣውቶቡስ 53 ደቓይቕ ብባቡርን ኣውቶቡስን ድማ 46 ደቓይቕ ይወስድ።
  • ሾፒንግ - ኦረብሩ፤ ብኣውቶቡስ 2 ሰዓታትን 12 ደቓይቕን ብባቡር ድማ 36 ደቓይቕን ይወስድ።
  • ሾፒንግ - ስቶክሆልም፤ ብኣውቶቡስ 2 ሰዓታትን 22 ደቓይቕን ብባቡር ድማ 1 ሰዓትን 11 ደቓይቕን ይወስድ።
SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ሾፒንግ ልዕሊ 1300 ዋኒናት ዝጠርነፈ ንጡፍ ቢዚነሳዊ ህይወት ኣለዋ። ዝበዝሓ ዋኒናት ሓደ ሰብ ጥራይ ዘስርሓ እየን ግን ከኣ ኣብቲ ኮምዩን ሓያል ናይ ኢንዱስትሪን ዋኒን ባህሊ ኣሎ ከም GKN Driveline, Volvo Powertrain, Sandvik, Yara, Tibnor, Leaxgroup och Hästens sängar.

ሾፒንግ ኣብ መላርዳለን ማእከላዊ ቦታ ምህላዋ ነቲ ካብን ናብን ቨስተሮስ ኤስኪልስቱናን ኦረብሩን ዚግበር በጺሕካ ናይ ምምላስ ጕዕዞ የቃልሎ። እቶም ናይ ብሕቶም ዋኒን ከካይዱ ዚደልዩ ካብ näringslivsenheten i kommunen ደገፍ ኪረኽቡ ይኽእሉ።