Sundsvall

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሱንድስቫል ኣብ ሞንጎ ክልተ ጎቦታትን፣ ወሓይዝ ኢንዳልን ዩንጋን እትርከብ ጽቡቕ ኣቀማምጣ ዘለዋ ኣብ ማእከላይ ቦታ ሽወደን ትርከብ። ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ሱንድስቫል ብባህላዊ ዝኽሪ ዝልለ ጽቡቓት ብእምኒ ዝተሰርሑ ህንጻታትን ብርክት ዝበለ ትሕዝቶ ኣብያተ መግብን ድኳናትን ይርከቡ። ብተወሳኺ ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዝርከቡ ትምህርትን ኣለዉዋ። ንዝለዓለ ትምህርቲ ዝምልከት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱንድስቫል እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎን ብዙሕ ዓይነት ትምህርቲ ዘአንግድን ሚት ኡኒቨርሲተት ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ኣብ ልዕሊ ሱንድስቫል። ብድሕሪት ናይ ሱንዱስቫል ድልድል ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰማያዊ ባሕሪ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ሱንድስቫል ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም ባህላዊ ንጥፈታትን ምድላዋትን ተአንግድ። ዓመታዊ ኣብ ብዙሓት ዓውድታት ብርክት ዝበሉ ፌስቲቫላት ይዳለዉ። ኣብ ስፖርትን ባህልን ክነጥፍ ንዝደሊ ብርክት ዝበሉ ማሕበራት እውን ይርከቡ። ሰሜን ካብ ሱንድስቫል ቢርስታ ዝበሃል ካብ ሽወደን ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ንግዲ ከባብታት ይርከብ።

መንበሪ-ገዛ

ብዙሓት ዓይነት ኣባይቲ ኣለዉ፣ ከም ኣብነት ናይ ባዕልኻ ቪላ፣ ራድሁስ ወይከኣ ህንጻ ኣባይቲ። ራድሁስን ናይ ህንጻ ኣባይትን ባዕልኻ ትውንኖም ወይ ከኣ ናይ ክራይ ኣባይቲ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ሱንድስቫል ሚትሄም ዝበሃል ኣብ ማእከል ሱንድስቫልን ካብ ከተማ ፍንትት ዝበሉ ከባብታትን ኣባይቲ ዘለውዎ ናይ ምምሕዳር ትካል ኣባይቲ ኣሎ። ነኣሽቱን ቁሩብ ዕብይ ዝበሉን ኣባይቲ ዘካርዩ ናይ ብሕቲ ትካላት እውን ኣለዉ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ሱንድስቫል መዝገብ ኣብ ሱንድስቫል ዝርከቡ ትካላት ኣባይትን ደላሎን ምስ ሓበሬትኦም ይርከብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ምምሕዳር ሱንድስቫል ብሀይካ ቋንቋ ሽወደን ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ይዝረቡ። ገለ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ቋንቋ ግጅለታት፣ ቋንቋታት ፊንላንድ፣ ታይ፣ ዓረብኛ፣ ትግርኛ፣ ሶማልኛ፣ ዳሪ/ፋርሲ፣ ሩስያ፣ ፈረንሳይ፣ ስዋሂሊ፣ እንግሊዘኛ፣ ስፐይንን ሰርቦክሮኣት እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ሱንድስቫልል ብዙሓት ማሕበር ኣለዋ፣ ብዙሓት ካብኣተን ኣብ ስፖርት ወይ ከኣ ባህሊ ይነጥፋ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘለዋ ማሕበራት ንምልላይ ዝሕግዝ መዝገብ ማሕበራት ኣብ ሱንድስቫል ኣሎ። ምምሕዳር ሱንድስቫል ምስ ናይ ወለንታ ማሕበራት ናይ ቀረባ ምትሕብባር ኣለዋ።

ቤት ንባብ ኣብ ማእከል ሱንድስቫልን ካብ ከተማ ፍንትት ኢሎም ዝርከቡ ከባብታት ኣልንአ፣ ዩስታዳለን፣ ቡስቬድያን፣ ግራንሉሆልም፣ ሸንስባርይ፣ ናክስታ፣ ሸንስሙን፣ ኢንዳል፣ ክቪስለቢ፣ ማትፎሽን ስተደን ይርከብ። ብተወሳኺ ብኣውቶቡስ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምምሕዳር ዝንቀሳቐስ ቤት ንባብ እውን ኣሎ። ኣብ ቤት ንባብ ዝተወሰነ ኢንተርኔት ናይ ምጥቃም ዕድላት እውን ኣሎ።

ክፍሊ ውህደት/ሕብረት ናት ምምሕዳር ኣብ ናይታ ከተማ ሴንትሩም ይርከብ። ኣብዚ ብምምጻእ ሓገዝን ምኽርን ክትረክብ ይከኣል እዩ።

ሰሜን ካብ ሱንድስቫል ቢርስታ ዝበሃል ሓደ ኣብ ሽወደን ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ንግዲ ማእከል ይርከብ። ኣብ ዝበዝሑ ካብ ከተማ ፍንትት ኢሎም ዝርከቡ ከባቢታት ሱንድስቫል ህዝባዊ ኣገልግሎትን ድኳናትን ኣለዉ። ኣብ ኣብ ማእከል ከተማ ሱንድስቫልን ዝተወሰኑ ካብ ከተማ ፍንትት ኢሎም ዝርከቡ ከባቢታትን ዓበይትን ንእስ ዝበሉን ድኳናት ሓራጅ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ ሱንድስቫል ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለወን ኣብያተ መግብን ድኳናትን ኣለዋ። ኣብዚ ዝተፈላለዩ መንግስታውያን ትካላት ከም በዓል ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፣ ቤት ጽሕፈት ዕዮን ካሳ ውሕስነትን ይርከቡ። ብዙሓት መንግስታውያን ትካላት ማእከላይ ቤት ጽሕፈተን ኣብ ሱንድስቫል ይርከብ ንኣብነት CSN ናይ ትምህርቲ ልቓሕ ንላዕለዋይን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርትን ዘማሓድር።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

"ኣብ ሱንድስቫል ኩሎም ኣብ ሞንጎ ሓደን ሓሙሽተን ዝዕድመኦም ህጻናት ኣብ መዋእለ ህጻናት፣ ኣብ ናይ ግለሰባት መንበሪ ዝወሃብ መዋእለ ህጻናትን ክፉት መዋእለ ህጻናትን ቦታ ይወሃቦም። ክፉት መዋእለ ህጻናት ምስ ደቆም ኣብ ገዛ ዝውዕሉ ወለዲ ዝዓለመ ኮይኑ ቦታ ምሕታት ግን ኣየድልን እዩ። መዋእለ ህጻናት ኣብ ኩሉ ከባብታት ምምሕዳር ኣለዉ። ፍልይ ዝበለ ዝምባለ ዘለዎም መዋእለ ህጻናት ኣለዉ ኣብ ምምሕዳር ኣስታት 100 ዝኾኑ መዋእለ ህጻናት ኣለዉ።
"

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ክፍሊ ቅድሚ ስሩዕ ትምህርቲ

ህጻን 6 ዓመት ምስ መልአ ናይ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ንውላድካ ኣብ ክፍሊ ቅድሚ ስሩዕ ትምህርቲ ቦታ የዳልወሉ። ኣብ ክፍሊ ቅድሚ ስሩዕ ትምህርቲ ምኻድ ብወለንታን መሰል ኩሎም ደቂ 6 ዓመት ህጻናትን እዩ። ቅድሚ ስሩዕ ትምህርትን ድሕሪኡን ውላድካ ክጸንሓሉ ዝኽእል ቦታ እውን ኣሎ።

መባእታ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ሞንጎ 7ን 16ን ዓመት ተማሃሮ ኣብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ን9 ዓመት ይኸዱ። ኩሎም ተመሃሮ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ኣለዎም። ኣብ ሱንድስቫል ኣስታት 35 ናይ ምምሕዳር ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣለዉ ገለ ካብኣቶም ፍልይ ዝበለ ዝምባለታት ኣለዎም። ገለ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ን ኣሽቱ ክኾኑ ከለዉ ገለ ከኣ ዓበይቲ ኮይኖም ኣብ ገለ እዋናት 9 ናይ ትምህርቲ ዓመታት ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ። ካብ ምምሕዳር ወጻኢ ዝመሓደሩ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ኣለዉ።

ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ

ካብ 16 ዓመት ንዝቕጽሉ 3 ዓመታት ተመሃሮ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ። ኣብ ሱንድስቫል ብዙሓት መደባት ትምህርቲ ኣለዉ። ብመገዲ ዝተወሰኑ መደባት ትምህርቲ ተመሃሮ ንሞያ ቅሩባት ይኾኑ። ኩሎም መደባት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምቕጻል ላዕለዋይን ናይ ዩኒቨርሲቲን ትምህርትን ዕድላት ይህቡ። ብምምሕዳር ሱንድስቫል ዝመሓደሩ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ካብ ምምሕዳር ወጻኢ ዝመሓደሩ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ኣለዉ።

ማዕረ ማዕረ ስሩዕ/መደበኛ ትምህርቲ ተመሃሮ ኣብ ብምምሕዳር ዝዳሎ ብወለንታ ዝግበር ንጥፈታት ባህላዊ ቤት ትምህርቲ ክሳተፉ እውን ይኽእሉ እዮም። ተመሃሮ ኣብ ትርፊ ግዜኦም ኣብ ስነጥበብን ናይ ፈጠራ ንጥፈታትን ክሳተፉ ይኽእሎ እዮም።

 

ኣብ ሓደ ክፍሊ ሓደ መምህር ኣብ ናይ ዋይትቦርድ ሰሌዳ ይጽሕፍ ኣሎ። ተምሃሮ ኣብ መንበሮም ኮፍ ኢሎም ናብቲ ሰሌዳ ገጾም ይጥምቱ ኣለዉ።

ዕድላት ትምህርቲ

Sfi

ኣብ ሱንድስቫል ምዝጉብ እንተደኣ ኮንካን፣ ሽወደን ቋንቋ ኣደኻ እንተዘይኮይኑ፣ መሰረታዊ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። sfi ክትመሃር ከለኻ መሰረታት ቋንቋ ሽወደንን ምስ ደረጃኻ ዝኸይድ ህርመት ስልጠና/ልምምድ ትረክብ ኢኻ።

ትምህርቲ ንዓበይቲ

ኣብ ሱንድስቫል ንዓበይቲ ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ኣለዉ።

ዩኒቨርሲቲ

ኣብ ሱንድስቫል ሰፊሕ ትሕዝቶ ኮርሳትን መደባትን ዘለዎ ሚትኡኒቨርሲተት ዝበሃል ኣሎ።

ስእሊ ካብ ነፋሪት ናይ ሚትዩኒቨርሲትየት ካምፓስ ኣብ ሱንድስቫል።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሱንድስቫል ንህጹጽን ምዕቡል ክንክን ጥዕናን ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ዞባ ቬስተርኖርላንድ ሆስፒታል ኣሎ።

ኣብ ማእከል ሱንድስቫልን ካብ ከተማ ፍንትት ኢሎም ዝርከቡ ከባቢታት: ሸንስባርይ፣ ግራንሉ፣ ሊደን፣ ማትፎሽ፣ ናክስታ፣ ዩስታዳለን፣ ስተድአ፣ St ኡሎፍ፣ ሸንስሙን፣ ኣልንአ፣ ንዩርኡንዳን ሲድሸንን ናይ ጥዕናን ክንክንን ማእከላት ኣለዋ። እተን ናይ ሕክምናን ናይ ክንክን ማእከላትን ብዞባ ቬስተርኖርላንድ ወይ ከኣ ናይ ብሕቲ ናይ ሕክምና ትካላትን እየን ዝመሓደራ።

ሓኪም ስንን ሕክምና ስንን ኣብ ብዙሓት ቦታታት ማእከላይ ክፍሊ ከተማን ካብ ከተማ ፍንትት ኢሎም ዝርከቡ ከባቢታትን ኣለዉ። ሕክምና ስኒ ናይዚ ዞባ ህዝባዊ ሕክምና ስንን ናይ ብሕቲ ትካላት ሕክምና ስንን ኣለዉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ምምሕዳር፣ ሕክምና ወይ ከኣ ካልእ ትካል ኣብ እትገብሮም ርክባት ናይ ቶርጓማይ ደገፍ ምስ ዘድልየካ ቶርጓማይ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ናይተን ትካላት እዩ። ኣብ ሱንድስቫል ምስ ቶርጎምቲ ዝግበር ቆጸራ ምስ ናይ ምምሕዳር ኣገልግሎት ተርጎምቲ ይግበር ዝቑጸሩ ቶርጎምቲ ትምህርቲ ዘለዎም፣ ዝተፈተኑን ብቑዓት ዝኾኑን እዮም። ቅድሚ ቆጸራኻ ሃገዝ ቶርጓማይ ከምዘድልየካ ኣቐዲምካ ክትሕብር ከምዘለካ ዘክር። ኩሎም ቶርጎምቲ ሚስጢር ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት/ግድነት ኣለዎም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ሱንድስቫል ጽቡቕ ኣገልግሎት ዝህብ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ሱንድስቫልን ካብን ናብን ጥቓ ሱንድስቫል ዝርከባ ምምሕዳራትን ኣሎ። እተን ኣውቶቡሳት ካብ ሕምብርቲ መዕረፊ ኣውቶቡሳት ማእከላይ ቦታ ሱንድስቫል ይብገሳ።

ሱንድስቫል ሓንቲ ምችእቲ ናብ ብሽክለታ ከተማ ንምግባር ቅድሚ ዓመታት ዝጀመረ ናይ ምዕባለ ስራሓት ይካየድ ኣሎ ኣብዚ ምምሕዳር ምዕቡል ዝኾነ ናይ ብሽክለታ ትሕተ ቅርጺ ይርከብ።

ንርሕቕ ዝበለ መገሻ ብዘይካ ኣውቶቡሳት ብባቡርን ብነፈርትን ናይ ምጋሽ ተኽእሎታት እውን ኣሎ።

መዕርፎ ነፈርቲ ሱንድስቫል ቲምሮ ኤየርፖርት ኣስታት 15 ኪሎመተር ንሴሜን ኣብ ምምሕዳር ቲምሮ ይርከብ። ናይ ውሽጢ ሃገር በረራ ናብ ስቶክሆልምን የተቦርይን ኣብ ገለ እዋናት ውን ናይ ቻርተር ትራፊክ ካብኡ ይብገስ።

ብመገዲ ባቡር ንሰሜን፣ ደቡብን ምዕራብን ካብ መዕረፊ ባቡራት ሱንድስቫል ክትገይሽ ትኽእል።

መገዲታት ኤውሮፓ E4ን E14ን ንሰሜን፣ ደቡብ ከምኡ ውን ምዕራብ ንመኪናን መጓዓዝያ ኣውቶቡስን የገልግሉ። ንመጓዓዝያ መኪናን ኣውቶቡሳትን ዘገልግሉን ናብ ጎረባብቲ ከተማታት ዝወስዱን ካልኦት ዓበይትን ንእስ ዝበሉ ጽርግያታትን እውን ኣለዉ።

ሓንቲ ብሩራዊት ባቡር ኣብ ሐደ መደበር ደው ትብል ኣላ። እኩባት ሰባት ኣብቲ መድረኽ ኮይኖም ይጽበዩ ኣለዉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ከተማ ይኹን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ንምርኣይ ኣብ ማእተዊ ናይ'ዚ ሓበሬታ ''ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትረኽብዎ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።