Skellefteå

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ኸለፍተዮ ነቲ ኣብ ሽወደን እትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ኪኾነልካ ዘኽእል ኩነታት ኣሎ። እታ ከተማ ማእከላይ ስፍሓት ኣለዋ፡ ስለዚ ንኹሉ ኣገልግሎትን ተኽእሎታትን ብዘይ ጸገም ትረኽቦ ማለት እዩ። እቲ ስፍሓታ፡ ጣዕሚ እውን ኪህበካ ይኽእል።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ተቐማጦ ኸለፍተዮ ኪበዝሑ ይደልዩ፡ ኣብዚ መጺእካ መገድኻ ንኽትመርጽ ድማ ምውቕ ዕድመ ይገብሩልካ።

መንበሪ-ገዛ

ዝካረ ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ ከተማን ኣብ ወጻእን ይርከብ። እቲ ኮምዩን Skebo እተባህለ ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣለዎ። ንሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኮንዶሚንዩም ኣለዎ። ካብ ብሕታውያን ኣካረይቲ እውን ምክራይ ይከኣል እዩ። እንተ ደሊኻ ቪላ ወይ ሰርቪስ መሳሊ ቤት ክትዕድግ ትኽእል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኸለፍተዮ ልዕሊ 60 ቋንቋታት ይዝረብ። ሓድሓደ ንምጥቃስ፤ ፊንላንድ፡ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ኡርዱ፡ ፋርስ፡ ትግርኛ፡ ታይላንድ፡ ኖርቨጅያን፡ ስፓኛ፡ ጀርመን፡ ሂንዲ፡ ሩስያን ኣምሓርኛን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኸለፍተዮ ልዕሊ 850 ማሕበራት ኣለዋ፡ ካብ ኵዕሶ እግርን መዝሙርን ጀሚርካ ክሳዕ ምኽሻንን ሃይማኖታዊ ጉባኤን። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ናይተን ማሕበራት ደብተርን ሓበሬታን ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኸለፍተዮ ኮምዩን ኣድላዪ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስፖርትን ባህልን መዘናግዕን ምርጫታት ኣሎ። ኣብኡ ድኳናት፡ ኣብያተመግቢ፡ ናይ ስፖርት ኣደራሽ፡ ሲነማታትን ተያትራትን ኣሎ። ኩለን ካብ ኸለፍተዮ ሰንትሩም መገዲ እግሪ እየን። ኣብኡ ብዙሓት ክርስትያናዊ ማሕበራትን ኣብ ማእከል ከተማ መስጊድ ዘለዎ ናይ እስላም ባህላዊ ማእከልን ኣሎ። ከባቢ ኸለፍተዮ፡ ብግዜ ሓጋይ ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ንኽትዛወርን ንኽትዛናጋዕን ይዕድም።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኸለፍተዮ ኮምዩን ነቶም ኣብ 1-5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ቤትትምህርቲ ኣሎ። ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ናይ ሽወደን ፈላሚ ደረጃ ትምህርቲ እዩ። ወለዱ ኪመሃሩ ወይ ኪሰርሑ ከለዉ፡ እቲ ህጻን ኣብቲ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ኪጸንሕ ይኽእል። ኣብቲ ኮምዩን፡ ክፉት ቤትትምህርቲ ዚብሃልውን ኣሎ። ኣብኡ ንስኻ ምስ ደቅኻ ምስ ካልኦት ደቆም ሒዞም ዝመጹ ወለዲ ትራኸብ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ህዝባዊ ኮለጃት

ኣብ ኸለፍተዮ ሰለስተ እተፈላለየ ትምህርታዊ ትዅረት ዘለወን ህዝባውያን ኮለጃት ኣለዋ።

ዩኒቨርሲቲ

ኣብ ካምፓስ ኸለፍተዮ ክልተ ዩኒቭርሲቲ ኣለዋ፤ ሉለዮ ተክኒካል ዩኒቨርሲቲን ኡመዮ ዩኒቨርሲቲን። ኣብኡ ኖርዲስካ ሸኖግራፊስኩላንን ናይቲ ኮምዩን ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ (Vux) ከምኡውን kvalificerade yrkesutbildningarኣሎ።

እንተ ደሊኻ ብናይ ርሑቕ መገዲ ክትምሃር ትኽእል

ኣብተን ገለ ናይቲ ሃገር ኮለጃት ወይ ዩኒቨርሲቲ ብናይ ርሑቕ መገዲ ክትምሃር ምስ እትደሊ ካብ ለርሰንተሩም ካምፓስ ኸለፍተዮ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል።

ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi)

ከም በጽሒ መጠን መሰረት ቋንቋ ሽወደን ክትምሃር ምስ እትደሊ ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi) ክትወስድ ትኽእል። ንሱ በቲ ናይቲ ኮምዩን ትምህርቲ ንዓበይቲ (VUX) እዩ ዚካየድ። ናይ ሽወደን ቋንቋ ስልጠና ዚህቡ ካልኦትውን ኣለዉ፡ ካባታቶም ንምጥቃስ፡ ህዝባውያን ኮለጃት እዮም።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኸለፍተዮ ሆስፒታል

ኸለፍተዮ ሆስፒታል 1,300 ሰራሕተኛታትን ዘመናውን እተማልአ መሳርሕን ዘለዎ ሆስፒታል እዩ። ንሱ ናይ ደቀንስትዮ ክሊኒክ BB ከምኡውን መሕረስን ኤክስረይን መጥባሕትን ናይ ከቢድ ሕማም ክፍልን ናይ ዓበይቲ ስነኣእምሮኣዊ ክፍልን ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ናይ ስነኣእምሮ ክፍልን ናይ ዓይንን እዝንን ጎረሮን ክፍልን ዘለዎ እዩ።

ኣብቲ ሆስፒታል ናይ ህጹጽ ረድኤት ክፍሊ ኣሎ። ንሳቶም ምስ እትሓምም ወይ ሓደጋ ምስ ዘጋጥመካ ምሉእ መዓልትን ለይትን ምሉእ ዓመትን ኪቕበሉኻ ድሉዋት እዮም።

ማእከል ጥዕናኻ

ምስ እትሓምም ወይ ንእሽቶ ሓደጋ ምስ ዘጋጥመካ ብመሰረቱ ነቲ ናይ ከባቢኻ ማእከል ጥዕና ኣመልክት። ኣብ ኸለፍተዮ ሽድሽተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ።

ናይ ቀዪሕ መስቀል መሐከሚ ማእከል

ናይ ኸለፍተዮ ቀዪሕ መስቀል መሐከሚ ማእከል፡ ነቶም ኣብ ግዜ ውግእ ዝቖሰሉን ወይ ብግፍዒ እተሳቐዩን ይሕግዝ። ንሳቶም ነቲ ናይቲ ሕሙም ስምዒታት የበራትዑዎ፡ ነቲ ናይ ጭንቀት ምልክታቱ የጕድሉዎ ነቲ ደረጃ ህይወቱ ድማ የመሓይሹዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብ ወይ ዘይርድኣካ ምስ ዚኸውን፡ ምስ ሰበ ስልጣን ክትራኸብ ከሎኻ ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ይግበረልካ። ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ብኣካል ወይ ብተለፎን ይካየድ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ መንጎ ከተማታት ዘሎ ርሕቀት ነዊሕ ኪኸውን ይኽእል፡ ግን እቲ መገድታት ጽቡቕ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ኣውቶቡስ ጌርካ ክትንቀሳቐስ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኤውሮጳዊ መገዲ 4 በቲ ኮምዩን እዩ ዚሓልፍ። ኸለፍተዮ ናታ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎዋ። ካብቲ ከተማ 15 ኪ/መ እዩ። ካብኡ መዓልታዊ ናብ ስቶክሆልም በረራ ኣሎ። ሓደ ሰዓት ይወስድ። ናብ ካልእ ከተማታት ኤውሮጳ እውን በረራ ኣሎ።ባቡርውን ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ካብ ከተማ ገለ ኪሎመተራት ዝርሕቀተን ከተማ ዮርን ወይ ባስቱትረስክ ኢኻ እትብገስ። ካብን ናብን ባቡርን ወይ ነፋሪትን ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳት፡ ኣብቲ ናይ ኸለፍተዮ ሰንትሩም ኣለዋ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ኸለፍተዮ ኮምዩን ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ኮምዩን ውድብ ጥራይ 8,000 ሰባት ይሰርሑ፡ ልዕሊ 400 ሞያታት ድማ ኣሎ። እቲ ኮምዩን ናይ ስራሕ ዕድላት ንኺበዝሕን ዋኒናት ንምስሓብን ይጽዕር።

ኣብ ኸለፍተዮ ነቲ ንዓኻን ነቲ ኮምዩንን ከም ዚዓቢ ኪገብር ዚኽእል ግሩም ሓሳባት ነተባብዖ። ዋኒን ክትጅምር ሓሳብ ምስ ዚህልወካ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል። ከመይ ጌርካ ነቲ ሓገዝ ከም እትረኽቦ ንኸልፈተዮ ኮምዩን ተወከስ።