Älvdalen

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣልቭዳለን ኣብ ሽወደን ብስፍሓት ዝዓበየት ኮምዩን እያ። እታ ኮምዩን ብነኣሽቱ ቁሸታትን ከምታ ኣብ ሰሜን እትርከብ ኢድረ፡ ኣስታት 1000 ተቐማጦ፡ ሰርና፡ ኣስታት 1000 ተቐማጦ፡ ኣልቭዳለን ኣብ ደቡብ፡ ኣስታት 5000 ተቐማጦ ዘለዉዋ፡ ዓበይቲ ከተማታትን ዝቖመት እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ ህንጻታትን ዱኳናትን ናይ ሴርና ዘርኢ ካብ ነፋሪት ዝተላዕለ ስእሊ። ቤተ ክርስትያን ካብ ጸጋም ኣብ ማእከል፡ ከምኡ’ውን ሴርናሾን ርሒቑ ንጸጋም።

ኣብዚ ንደጋዊ ህይወት፡ ስፖርት፡ ሃድንን ምግፋፍ ዓሳን ዚደፋፍእ ኣዚዩ ግሩም ዝኾነ ተፈጥሮ ኣሎ። ኣርባዕተ ክፍላተዓመት ኣሎና፣ ውርጪ ዝመልኦ ክረምትን ግሩም ሓጋይን ዓመት ምሉእ ቱሪስት ይስሕበልና። ጽቡቕ ባህልታትን ሃብታም ሙዚቃዊ ህይወትን ከኣ ኣሎና።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኣልቭዳለን ኣፓርትማ ዘካርዩ ናይቲ ኮምዩንን ብሕታውያንን ኣካረይቲ ትካላት ኣለዉ። Norra Dalarnas Fastighetsbolag ኣብ ኩሉቲ ክፋላት ኮምዩን መንበሪ ኣባይቲ ዘለዋ ናይቲ ኮምዩን ትካል ክራይ ኣባይቲ እያ። ብዛዕባ ካልኦት ትካላት ክራይ ኣባይቲ ብመገዲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ክትረክብ ትኽእል። ኣብቲ ኮምዩን ገዛ ኪስራሖ ዚኽእል ዚሽየጥ መሬትውን ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኣልቭዳለን ኮምዩን ብዙሓት ዜጋታት ኣለዉ። ብዘይካ ሽወደንን እንግሊዝን፡ ጀርመን ዚመልኩ ብዙሓት እዮም። ካብተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት፤ ትግርኛ፡ ፋርስ፡ በርማን ታይላንድን እየን። ኣብቲ ኮምዩን ሲድሳሚስካ ዚዛረቡ ደቀባትውን ኣለዉ። እቲ ኮምዩን በቲ ናይ ከባቢ ናይ ኣልቭዳልስካ ላህጃኡውን ፍሉጥ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ናይ ኣልቭዳለን ባፕቲስት ሰበኻ ኣብ ኣልቭዳለንን ኣብ ኦሰንን ዓቢ ማሕበራዊ ንጥፈታት የካይድ። ቀዪሕ መስቀልውን ኣብቲ ኮምዩን ይነጥፍ እዩ። ናይ ኣልቭዳለን ሰበኻን ናይ ኢድረ-ሰርና ሰበኻን ሓባራዊ ንጥፈታት ኣለወን። ኣብ ኢድረ፡ ሰርናን ኣልቭዳለንን ንመንእሰያት ዝዓለመ ናይ ዕረፍቲ ኣጸደታትን መራኸቢ ቦታታትን ኣሎ።

ብጫ ወይ ቀይሕ ክዳውንቲ ኵዕሶ ዝወደዩ ናእሽቱ ቈልዑ ድሕሪ ሓደ ግጥም ነንሕድሕዶም ይመሳገኑ ኣለዉ።

ኣብ ኣልቭዳለን ኮምዩን ኣብ ባህልን ሙዚቃን ስፖርትን እተዋፈራ ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ። መብዛሕትአን ምስ ህጻናትን መንእሰያትን ይነጥፋ፡ እዚ ከኣ ዓቢ ሕውነት ይፈጥር። ብዛዕባ ንጡፋት ማሕበራት ኣብቲ i kommunens föreningsregister.ክትረክብ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ከተማ ኣልቭዳለን ብዙሕ ድኳናት ኣሎ፤ ግሮሰሪ፡ ቸርቻሪ፡ ፋርማሲ፡ ናይ ህንጻ ኣቕሑን ናይ ኣቕሑ ገዛን ክዳውትን መጸባበቕን ሰከንድሃንድ ድኳናትን። እቲ ኮምዩን ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ናይ ስደተኛታት መምርሕን ኣለዎ።

እቲ ኮምዩን ናይ ምድንፋዕ ንባብ መደብ ኣለዎ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ከኣ ቤትንባብ ኣለዎ።

ጊታራትን ፊዛርሞኒካን ዝሓዙ ኣርባዕተ ሰብኡትን ሓንቲ ሰበይትን።

ኣብቲ ኮምዩን ናይ በረድ ኣደራሽን 50 መትሮ ዝምንዋሑ መሐምበስን ኣለዎ። ኣብ ኣልቭዳለን 700 ተዓዘብቲ ዚሕዝ ዓቢ ናይ ሆኪ መጻውቲ ኣሎ። እቲ ናይ በረድ ኣደራሽ ብምሉእ ሓይሉ እዩ ዚሰርሕ። ኣብዚ ንዝያዳ ንጥፈታት ቦታ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ብሽግለታን ናይ ዱርን ኣኽራናትን ናይ እግሪ ዙረትን፡ መንሸራተትን ናይ በረድ ስኩተር ቅድድምን ከምኡውን ንስድራቤት ምስ ደቆም ዘዘናግዕ ኣብ ሽወደን ዝበለጸ ናይ ስላሎም ወይ ናይ ኣብ ጥውይዋይ መገዲ ምንሽርታት ኣሎ።

ስእሊ ብደገ ሸነኽ ናይቲ ጽቡቕ ናይ ቀደም ቤት ፍርዲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ። እዚ ገዛ ብጽርበት ዝተሸለመን ሓምላይን እዩ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኣልቭዳለን ኮምዩን ናይ ህጻናት ኣብያተትምርህቲ፡ መውዓል ስድራቤትን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን ምስ መጻወቲኡን ግሩም ኣከባቢኡን ኣሎ።

ናይ ሓጋይ ክዳውንቲ ዝተኸድኑን መከላኸሊ ቆቢዕን ዝገበሩ ሓንቲ ጓልን ሓደ ወድን ኣብ ጫፍ ናይ መንሸታትሒ ዓቐበት።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኣልቭዳለን ኮምዩን መባእታ ቤትትምህርቲ Åk F-9 ከምኡውን ኣብቲ ናይ ኣልቭዳለን ናይ ስልጠና ማእከል ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ከምኡውን ምስ ሞራ ኮምዩንን ምስ ዪምናስየት ሳንክት ሚካኤልስኩላንን ምትሕብባር ኣሎና።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣልቭዳለን ኮምዩን ኤስኤፍኢ፡ ንሓደስቲ መጻእቲ ምልላይ ምስ ሕብረተሰብን ኮምቩክስን የቕርብ። እቲ ናይ ኣልቭዳለን ማእከል ስልጠና ናይ YH- ስልጠናን ከምኡውን ናይ ተልእኾ ስልጠና ኣለዎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ናይ ኢድረን፡ ሰርናን ኣልቭዳለንን ማእከላት ጥዕና፡ ንኹሉ ስድራቤት ክንክን ይህብ። ኣብኡ ናይ ሓኪም መቐበሊ፡ ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክን ናይ መንእሰያትን መቐበልን ናይ ስደተኛታት ክንክን ጥዕናን ይርከብ። ኣብ ኢድረን፡ ሰርናን ኣልቭዳለንን ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ብመገዲ ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ ዚካየድ ብተለፎን ዚግበር ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

Dalatrafik ነቲ ኣብ ከባቢና ዚርከብ ናይ ሓባራዊ ጕዕዞ የመሓድሮ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኣልቭዳለን ኮምዩን ንስራሕ ግሩም ዕድላት ኣሎ። መብዛሕትኦም ኣብቲ ኮምዩን ዚሰርሑን ገለ ሰብ ዋኒንን ኣብ ናይ ጥሮታ ዕድመ እዮም ዘለዉ፡ ስለዚ ናይ ስራሕ ዕድላት ብዙሕ ኪኸውን እዩ። ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ቱሪዝምን ኣብ ናይ ምስናዕ ኢንዱስትሪን ናይ ሉሕ ፋብሪካን ህንጻን ይርከቡ። ብዘይካ ኣልቭዳለን ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብቲ ስራሕ እዞም ዚስዕቡ እዮም፤ Idre Fjäll, Pressmaster, Rindi, Byggmäster, Blybergssågen, Caverion, Hotell Älvdalen, Älvdalens besparingsskog, Älvdalsbygg ከምኡውን ናይ ኣልቭዳለን ናይ ስልጠና ማእከል።

ንዋኒን ብዚምልከት näringslivskontor ዚብሃል ትካል ኣሎ። ንሱ ነቶም ዋኒን ኪጅምሩ ዚደልዩ፡ ዋኒን ኪገዝኡ ዚደልዩ ወይ ድማ ንነዊሕ እዋን ባዕላቶም ሰብ ዋኒን ዝነበሩ ዘይክፈሎ ምኽሪ ይህብ።