መሰላት ቆልዑ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ዳርጋ ኣብ ኲላተን ሃገራት፡ ንህጻናትን መንእሰያትን ዝከላኸሉ ሕጋጋትን መምርሒታትን ኣለዉ። ኣብ ሽወደን፡ ቆልዑን መንእሰያትን፡ ብኣህጉራውን ብሃገራውን ሕጋጋት መሰረት፡ ውሕስነት ይረኽቡ። ሽወደን፡ ነቲ ኣንጻር "ምፍርራህን ዓመጽን ንህጻናት" ዝቃለስ ሕጊ፡ ብዕቱብ መገዲ እያ ትርእዮ። ቆልዑን መንእሰያትን ብጽቡቕ ምእንቲ ክዓብዩ፡ መንግስትን ኮምዩናትን ዓቢ ጻዕሪ ይገብሩ።

    ካብ'ቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ነጥብታት ንምጥቃስ፡-

    • ቆልዑ ካብ ኣድልዎ ክሕለዉ ኣለዎም። ካብ ካልኦት ብዝሓመቐ ኣገባብ ክተሓዙ የብሎምን።
    • ፖለቲከኛታት፡ ትካላት መንግስትን ኣብያተ ፍርድን፡ ኣብ ኩሉ ውሳነታቶም፡ ኩሉ ሳዕ፡ ንረብሓ ቆልዑ ክሓስቡ ኣለዎም።
    • ወለዲ ንደቆም፡ ምስ ዕድመኦምን ብስለቶምን ብዝሰማማዕ ኣገባብ ከዕብዩዎም ኣለዎም።
    • ቆልዑ፡ ብህይወት ክነብሩን ክምዕብሉን መሰል ኣሎዎም። እዚ ማለት ክኣ፡ እታ ሃገር፡ ቆልዑ ብሰንኪ ህውከት(ውግእ) ወይ ሕማም ንኸይሞቱ ክትሕሉዎም ኣለዋ ማለት'ዩ። 'መሰል ምዕባለ' ማለት፡ ቆልዑ ጽቡቕ ቁልዕነት ከሕልፉ መሰል ኣሎዎም ማለት እዩ።
    • ቆልዑ፡ ዝመሰሎም ክዛረቡን ክሰምዑን መሰል ኣሎዎም። መንግስታውያን ትካላትን ኣብያተ ፍርድን፡ ቆልዑ እንታይ ከም ዝደልዩ ክሓትኦም ኣለወን።
    • ቆልዑ፡ መሰል ብሕታዊ ህይወት ኣሎዎም። ንኣብነት ቆልዑ ኣብ ዲያሪ ወይ ኣጀንዳ(መዓልታዊ ንጥፈታትካ እትምዝግበሉ ደብተር) ወይ ኣብ ደብዳበ ዝጽሕፉዎ ዘበለ፡ ወለዶም ክነቡዎ የብሎምን።
    • ቆልዑ፡ ኣብ ገዛ፡ ካብ ዓመጽ ክሕለዉ ኣለዎም። ንደቆም ካብ ዝዕምጹ፡ ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ካብ ዝሕዙን ዘይከናኸኑን ወለዲ ወይ ኣባጽሕ ክሕለዉ ይግባእ።

    ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ነቲ ናይ 'ውዕል ቆልዑ' መምርሒታት መሰረት ብምግባር፡ ብዙሕ'የን ዝሰርሓ።

    መሰል ቆልዑ ኣብ ሕብረተሰብ

    ብሪስ (Bris-barnets rätt i samhället)(መሰል ቆልዑ ኣብ ሕብረተሰብ)፡ ጸገም ንዘሎዎም ወይ ኣብ ናይ ጭንቂ ኲነታት ንዘለዉ ቆልዑን መናእሰያትን ዝሕግዝ ውድብ ወይ ማሕበር እዩ። ናብቲ ናይ ብሪስ ናይ ኣገልግሎት መስመር ተሌፎን 116 111 ንምድዋል፡ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። ኲላቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ናብ ብሪስ ደዊሎም ምስ ሓደ በጽሒ ዝኾነ ሰብ፡ ብዛዕባ ዝደለዩዎ ጒዳይ ክዘራረቡ ይኽእሉ'ዮም።

    ብሪስ፡ ጻውዒት ተሌፎን ካበይ ይመጽእ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ። ምኽንያቱ ናብ ብሪስ ከም ዝተደወለ፡ እቲ ቊጽሪ ስልኪ ኣብ መኽፈሊ ሕሳብ ተሌፎን ስለዘይረአ።

    ብሪስ፡ ነቶም ብዛዕባ ቆልዑኦም ዝሻቐሉ ኣባጽሕ'ውን ይሕግዝ'ዩ። ናብ ብሪስ ስልኪ-ኣባጽሕ (vuxentelefon): ቁ. ስ. 077-150 50 50 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።