Essunga

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እቲ ኮምዩን 5 670 ተቐማጦ ኣለዉዎ። 2000 ኣብ ኖሰብሩ ይነብሩ፡ ንሱ ከኣ ናይቲ ኮምዩን ዝዓበየ ከተማ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ኮምዩን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ኪራኸቡን ነንሓድሕዶም ኪፋለጡን ይገብር። እቲ ኮምዩንና በይንነት ኪስመዓካ ኣይደልን። ኣብ ኖሰብሩ ካብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ዝመጹ ሰባት ኣለዉ። ኣብኡ፡ ፋርስ፡ ዳሪ፡ ዓረብ፡ ሩስያ፡ ታይላንድ ወዘተ ዚዛረቡ ሰባት ትረክብ። ምስ ወድዓድኻ ክትራኸብ ምስ እትደሊ ወይ ናብዚ ክትመጽእ ወይ ክትበጽሓና ምስ እትደሊ ክንሕብረካ ርኸበና።

መንበሪ-ገዛ

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ማእከል ዝኾነ ኖሰብሩ ኣብ ውሽጢ ከተማ መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። ንድኳናትን ንቤትትምህርትን ብእግሪ ዝኽየዶ ቀረባ እዩ። ዝካረ ገዝ ንምርካብ ኣብ ኤሱንጋ ቡስታደር ኤ.ቢ ተወከስ።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ኣብ ጕሉሕ ቦታ ዝርከብ ህዝባዊ ቦታ ኣታኽልቲ ዘለዎ መንበሪ ህንጻ ብዙሓት ስድራ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኮምዩንና ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ኣለዉና። ኣብዚ ነዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ዚዛረቡ ሰባት ኣለዉ፤ ሆላንድ፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ዳሪ፡ ፋርስ፡ ታይላንድ፡ ሩስያ፡ ቸቸንያ፡ ፖላንድን ካልእን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኮምዩንና ብዙሓት እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ።

ብደጋዊ ሸነኽ ናይ ሓጹር ኴንካ ዝርኣ ጥርሑ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኖሰብሩ ዚርከቡ ድኳናት፤ ግሮሰሪታት (ሀምሾፕ፡ ኢካ፡ ኤሪክሶንስ ቻርክ)፡ እንዳባንን ካፈታትን፡ ኣብያተመግቢ፡ እንዳ ክዳውንቲ፡ እንዳ ሳእኒ፡ ናይ መጻወትን ካራሜለን ድኳን፡ ኪዮስክ፡ ናይ ክዳውንትን ክዳንን ሰከንድሃንድ ድኳን፡ ናይ ኤለትሪክ ድኳን፡ ቲቪ ሰርቪስ፡ እንዳ በንዚና ምስ ኣገልግሎቱ፡ እንዳ ዕምባባ፡ እንዳ ከሚካል፡ ናይ ህጻናት ክዳውንቲ፡ እንዳ ቀመቃማይ፡ ባንካ፡ ውሱን መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ፡ ኖሰብሩ ጸዓት (ኤለክትሪክ)ን ፋርማሲን።

እኩብ ሰብ ዘለዎ ዕዳጋ ኖሰብሩ።

ናይ ቤትጽሕፈት ዕዮን መድህን ድርጅትን ወኪላት ነቶም ኣብ ናይ AF ምደባ ፕሮግራም ዚሳተፉ ስደተኛታት ንምርካብ ኣብቲ ኣቐዲሞም እተቛጸሩዎ ግዜ ናብ ኖሰብሩ ይመጹ።

ጥቓቲ1-9 ቤትትምህርቲ ህዝባዊ ቤትንባብ ይርከብ። ኣብዚ ብእተፈላለየ ቋንቋታ መጽሓፍ ምልቃሕ ይከኣል።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ንደቂ1-5 ዝኾኑ ኣቦታቶም ወይ ኣደታቶም ትሑዛት ዝኾኑን ህጻናት ቅድሚ ትምህርትን ድሕሪ ትምህርትን ዚእለዩሉ ቤትትምህርቲ ህጻናትን መውዓልን መዘናግዕን ኣሎ።

ሰለል መበልን ሰለል ዝብል ሓደ ቈልዓን ዘለዎ መጻወቲ ቦታ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኖሰብሩ ካብ 1-9 ክፍሊ ንዘለዉ ህጻናት ዘገልግል ቤትትምህርቲ ኣለዋ። እቲ ኮምዩን በቲ ዕዉት ቤትትምህርቱ ኣድህቦ ረኺቡ ኣሎ። ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ናብ ትሮልሃታን፡ ቫራወይ ቮርጎዳ ይኸዱ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኖሰብሩ እቶም ዓበይቲ፡ ኣብ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት ፣ መሰረታዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ወይ ምምሕዳራዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኪመሃሩ ይኽእሉ። ኣብዚ፡ እቲ ተመሃራይ ኣብ ግዜ ክላስ፡ ላፕቶፕ ወይ ተመሳሳሊ መሳርሒ ኪጥቀም ይኽእል። ኣብዚ ናይ ኮምፕዩተር ኮርሳት እትወስደሉ ክፍሊ ኣሎ። ወይ ድማ ብርሑቕ ኮርሳት ክትወስድ ትኽእል።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኖሰብሩ፡ ማእከል ጥዕና፡ ፋርማሲ፡ ናይ ኣደታት ክሊኒክ፡ ሕክምና ስኒ፡ ሓከምቲ፡ ነርሳት፡ መሕረሲት ወዘተ. ኣለዉ። ጥቓቲ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣረጋውያን መንበሪ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብቲ ናይ መእተዊ ማእከል ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ምስቲ ከባቢኦም ዘላልዩዎም ናይ ስደተኛታት ተሓባበርቲ ኣለዉ። ኣብኡ ሰባት ከከም ኣድላይነቱ ምኽርን ደገፍን ንምርካብ ይመጹ። ሓድሽ ዝገዓዝካ ምስ እትኸውን ክንሕግዘካ ንኽእል። ተለፎን ቍ. 0512-571 66

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ዋኒናት ኣለዋ። ካብተን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዚኣተን ይርከባአን፤ ዳረንትሮድ ኣብ ዮንስሉንድ፡ ናይ ፍራመስታድ ኮምፖነንታን ናይ ፎግሉም ዪንዛን።