Östra Göinge

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦስትራ ዮይንገ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ስኮነ ኣብቲ ታሪኻዊ ዶብ ሽወደንን ደንማርክን ትርከብ። ኣብዚ እቲ ቅርጺ መሬት ካብ ስፍራ ኣታኽልትን ዱርን ለሰን ኣብ ደቡብ ክሳዕ ናይ ዓጋም ጫካን ነኣሽቱ ሕርሻን ቀላያትን ኣብ ሰሜን ይልወጥ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይ ኮሙን ህንጻ ኣብ ኦስትራ ዮይንገ። ክነጀው ሸነኽ ማንጎልያ ይዕምብብ ኣሎ።

እቶም ዝዓበዩን ኣዚዮም እተፈልጡን ቀላያት ኢመልንን ቲዲንየስሸን ኢዮም። ብምብራቕ ዮንየ፡ ሀልየ እተባህለ ወሓዚ ኣሎ። ቀደም ዘመን ኣገዳሲ ናይ መጎዓዝያ ወሓዚ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ናይ ምብራቕ ዮንየ ገጠራት ድማ ኣብቲ ገማግሙ ተደኲነን ኣለዋ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ወሓዚ ሀልየ ናይ ሃይድሮፓወር ምንጪ እዩ። ኣብዚ፡ ሓምሽተ ከባቢታት ኣለዋ፣ ብሮቢ፡ ግሊሞክራ፡ ሃናስኩግ፡ ክኒስሊንገን ሲብሁልትን። እቲ ምምሕዳር ኮምዩን ኣብ ብሮቢ እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብቲ ኮምዩን መብዛሕትኡ እዋን ዝካረ ኣፓርትማ ይርከብ፡ ግን ሓያሎ ዝካረዩ ኮምዶሚንዩም ወይ ቪላታት ኣለዉ።

ሓደ ብሕጡብ ዝተሰርሓ ናይ ኣፓርትማታት ህንጻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

እንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ፋርስኛ፡ ትግርኛ፡ ሶማልኛ፡ ጀርመንኛ፡ ዳሪ፡ ቋንቋ ፖላንድ፡ ኣምሓርኛ፡ ቋንቋ ታይላንድ፡ ደንማርክኛ፡ ሊትወንይና፡ ቋንቋ ሌትላንድ፡ ሮማንኛ፡ እስጳንኛ፡ ቭየትናምንኛ፡ ቋንቋ ሃንጋሪ፡ ሓድሽ ኖርወይኛን ፊንላንድኛን እቶም ዝዓበዩ ቋንቋታት እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብዚ ኮሙን 72 ዝተፈላለያ ማሕበራትን ወለንታውያን ውድባትን ኣለዋ።

ሰለስተ ሰባት ኣብ ጥቓ ሓደ ባሕሪ ኮፍ ኢሎም ዓሳ ይገፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ብሮብይ፡ ክኒስሊንገ፡ ግሊምኦክራ፡ ሲብሁልትን ሃናስኩግን ቤት መሸጣ ምግብን ቤት ንባብን ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ ካልኣይ ኢድ ዝጠዓመ (ሰከንድ ሃንድ) ድኳናት ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ናይ 35 ደቓይቕ ጕዕዞ ብመኪና ኢከያ ኤልምሁልት ይርከብ። ኣብኡ ኣቁሑ ገዛን ካልእን ክትዕድግ ትኽእል። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ክሪስትያንስታድ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣለዎ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል፡

ሓንቲ ክፍሊ ኣብ ሓደ ቤት ንባብ። ኣብ ማእከል እታ ክፍሊ ኣርባዕተ ወይናይ ሕብሩ መደገፊ ዘለዎ መናብር ኣሎ።

ናይ ኦስትራ ዮይንገ ኮሙን ንነበርቲ ናይዛ ኮሙን ስራሕ ኣብ ምንዳይ ደገፍ ዝኾኖም፡ ንኣብነት ኣብ ምግጥጣም ስራሕን ሓገዝ ኣብ ናይ ስራሕ ምልክታ ሰነዳትን ዝሕግዝ ናይ ባዕሉ ሓደ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣሃዱ ኣለዎ።

ናይ ኦስትራ ዮይንገ ኮሙን፡ ንዅሎም ሓደሽቲ ገዓዝቲ ኣብዚ ሕብረተሰብ ንኽጽንበሩ፡ ብቝጠባ ነብሶም ንኽኽእሉን ናይዚ ኮሙን ንጥፈታትን ኣገልግሎትን ንኽካፈሉን ማዕረ ዕድል ንኽህቦም እዩ ዝጽዕር።

ነቶም ናብ ኦስትራ ዮይንገ ዝመጹ ሰባት ሓደ ክፋል ናይዚ ሕብረተሰብ ንኽኾኑ ኢና ንደሊ። ዓርኪ ቋንቋ (Språkvän) ንሓደሽቲ መጻእቲ ንቋንቋ ሽወደንኛን ንናይ ሽወደን ሕብረተሰብን ብውልቂ ርክብ ንኽገብሩ እዩ።

ህንጻ ባህሊ ቪታ ስኩላን ኣብ ብሮብይ። ሓደ ዓበይቲ መስኮት ዘለዎ ጻዕዳ ህንጻ እዩ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ሓልዮት ቈልዑ (ከም መውዓሊ ህጻናት) ኣብ ኵለን ገጠራት ኣሎ። ብሩብይ፡ ክኒስሊንኘ፡ ሃናስኩግ፡ ሲብሁልት፡ ግሊምኦክራ፡ የርሶስን ኦስታንኦን።

ኣብ መሕኮሪ ዝጻወቱ ቈልዑ ዘለውዎ ሓደ ናይ መጻወቲ ቦታ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ብሮብይ፡ ክኒስሊንገ፡ ግሊምኦክራ፡ ሲብሁልትን ሃናስኩግን ኣሎ። ኣብ ሲብሁልት ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ሲብሁልት ዮንየ ማእከል ትምህርቲ ወይ (GUC) ይርከብ። ኣብ ግሊሞክራ ድማ ህዝባዊ ኮለጅ ኣሎ።

ሓሙሽተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ ክፍሊ ናይ ቤት ትምህርቲ ኮፍ ኢለን የጽንዓ ኣለዋ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ብሮቢን ሓንቲ፡ ኣብ ክኒስሊንገ ድማ ሓንቲ ፋርማሲ ኣለዋ። ኣባታተን ማእከል ጥዕናውን ኣሎ። ኣብ ክልቲኡ ክሊኒክ ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብ ክኒስሊንገ ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን እተፈላለየ ናይ ስኒ ሕክምና ኣሎ። ዝቐረበ ናይ ቀዳማይ ርድኤት መቐበሊ ኣብ ክሪስትያንስታድ እዩ። ኣብኡ ናይ ደቀንስትዮ ክሊኒክ ኣሎ። ብዛዕባ ናይ ክንክን ጥዕና ሓበሬታ 1177 ደውል፡ ንህጹጽ ጻውዒት ድማ 112 ደውል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብቲ ኮምዩን ግሩም ናይ ኣውቶቡሳት ኣገልግሎት ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ናይ 30 ደቓይቕ ናይ ኣውቶቡስ ጕዕዞ ናብቲ ናይ ሃስለሆልም፡ ክሪስቲያንስታድን ኦስቢን መዓርፎ ባቡራት ክትበጽሕ ትኽእል።

ስኮነትራፊከን ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ (ባቡርን ኣውቶቡስን) ሓላፍነት ኣለዎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኢክያ ኤልምሁልት (IKEA i Älmhult)፡ ናይ ኦስትራ ዮይንገ ኮሙን፡ ናይ ሄስለሆልም ኮሙንን ናይ ንግዲ ከተማ ክሪስትያንስታድን ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዮም። ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ጕዕዞ ናብ ማልመ፡ ሉንድ፡ ሀልሲንቦርይን ቬክሽዮን፡ ከምኡ'ውን ናብ ሸውዓተ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ሓንቲ ካብኣን ኣህጉራዊት ክትበጽሕ ትኽእል።

ኣብ ኦስትራ ዮይንገ ዋኒን ንኽትጅምርን ከተካይድን፡ እቲ ኵነት ኣዚዩ ጽቡቕ እዩ። ኣብ ብሮብይ ትካልካ ኣብ ምጅማር ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ናይ ዕብየትን ዋኒንተኛነትን ኣሃዱን ንይፎረታጋርሰንትሩምን ኣሎ።

ክልተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ ቤት ንባብ ኮፍ ኢለን ብሓባር ሓደ መንሹር የንብባ ኣለዋ።