Tingsryd

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ሓደ ሂወት ዘለዎ፡ ሰሓቢ ገጠራዊ ግን ከኣ ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ዚርከብ ኮምዩን ክትቅመጥ ትደሊዶ? ከምኡ ካብ ኮነ ቲንግስሪይድ ኮምዩን ንዓኻ ዝኸውን ቦታ እዩ። ቲንግስሪድ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ርክባት ነተባብዓሉ ብዙሕ ባህልታት ዘለዎ ቦታ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኩርንዓቱ፡መሳኹቱን ማዕጽኡን ብጻዕዳ ሕብሪ ዝተለኽየ ሰለስተ ተር ዝበለ ገዛውቲ። ክልተ ቀስተ-ደመና ኣብ ሰማይ ተዘርጊሔን ኣለዎ።

ኣብዚ፡ ውላድካ ኣብ ምሉእ ውሕስነት ክዓቢ ይኽእል፡ ንስኻ ድማ ከም ወላዲ መጠን ኣብ ሓደ ሃብታም ዝኾነ ማሕበራዊ ህይወትን ንጡፍ ኢንዱስትሪን ንግድን ክትሳተፍ ትኽእል። ኣብ ናይ ብእግሪ ዚኽየዶ ርሕቀት ግሩም ኣብያተ ትምህርቲ፡ ማእከላት ጥዕና፡ ቤት መድሃኒት፡ ባንክታት፡ ሓላል ስጋ ዘለወን ናይ መግቢ ድኳናት፡ ቤት ንባብ፡ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕን ድኳናትን ኣሎ። ብሕልፊ ንዓኻ መዘዋሪ ፍቓድ ዘይብልካ፡ እዚ ኣዚዩ ጠቓሚ እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ቲንግስሪድ ኮምዩን ዳርጋ ኩሉ ሰብ ይፋለጥ እዩ፡ እዚ ድማ ሓደ ዓይነት ውሕስነት ይፈጥር። ዝካረ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ምስ ቲንግስርይድቡስቴደር (Tingsrydsbostäder) ምርኻብ ጥራይ እዩ ዘድልየካ። ንሶም ኣብ ምሉእ እዚ ኮሙን ኣማኢት ገዛውቲ ይውንኑ እዮም። ናይ ቤተሰብካ ብዝሒ ብዘየገድስ ሕሱር ዝካረ ገዛውቲ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ቲንግስሪይድ ብሕታውያን ወነንቲ ኣባይቲ ክትርኢ እውን ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ብዓል ኣርባዕተ ደርቢ ብዅሉ ሸነኹ መስኮት ዘለዎ ጻዕዳ ህንጻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ቲንግስሪድ ብዙሕ ባህላታትን ብሔራትን ዘለዎ ኮምዩን እዩ። ኣብኡ ብዘይካ ሽወደናውያን፡ ሲርያንን ሶማልን ጀርመንን ኣፋኒስታንን ኢራቕያውያንን ሆላንዳውያንን ኢራናውያንን ኣልባናውያንን ሩስያውያንን ሮርቨጃውያንን ደንማካውያንን ሰርብያውያንን ኤሪትራውያንን ታይላንዳውያንን ብሪጣንያውያንን በልጃውያንን ወዘተ. ኣለዉ። እቲ ኮምዩን ካብ ጥንቲ ናይ ጀርመናውያንን ሆላንዳውያንን ደንማርካውያንን ፍቱው ቦታ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ማሕበራት ምስታፍ ማለት ርክባት ምፍጣርን ብጾት ምጥራይን ማለት እዩ። ናብ ስፖርት፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ሙዚቃ ትግደስ እንተ ኾንካ፡ ወይ ካልኦት ሰባት ንምርካብ ድሌት እንተ ኣሎካ፡ ኣብ ማሕበራት ምስታፍ ግሩም እዩ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ቤትክርስትያን ምኻድ ትደሊ እንተ ኾንካ፡ ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ሶደርፖርትሺርካን ኣሎካ። ኣብ ቨክሾ መስጊድ ኣሎ፡ ናብኡ ንምኻድ ብኣውቶቡስ ልዕሊ 30 ደቓይቕ ይወስደልካ።

ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ ዝተቐረበሉ ሓደ ነዊሕ ጣውላ። ብርጭቕ፡ ሳላጣን ብዘይቲ ዝተጠብሰ ደርሆን ኣብቲ ጣውላ ተቐሪቡ ኣሎ። ክልተ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣንስቲ ነቲ ተቐርቡ ዘሎ መግቢ ተገዲሰን ይርእየኦ ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ቤትጽሕፈት ዜጋታት

ብዛዕባ ቤትትምህርቲ ወይ ክንክን ጥዕና ሕቶታት ኣሎካዶ፡ ወይ ፎርም ንኽትመልእ ሓገዝ ትደሊዶ? ክንሕግዘካ ኢና! ኣብቲ ኣብ ቲንግስሪድ ኮምዩን ዚርከብ ቤትጽሕፈት ዜጋታት ወይ Medborgarkontoret ነቲ ሕቶታትካ ኪምልሽ ዚኽእል ብቑዕ ሰብ ኣሎ። ኣብኡ ነቲ ካብ ምምዝጋብ ኤስኤፍኢ ጀሚሩ ክሳዕ ምስ ቤትጽሕፈት መድህንን ሚግራሹንቨርከትን ንኽትራኸብ ዚሕግዘካ ናይ መእትዊ ወይ መላላዪ ኣተሓባባሪ ክትረኽቦ ትኽእል።

መራኸቢ ቦታታት

ኣብ ቲንግስሪድ ኮምዩን እተፈላለየ መራኸቢ ቦታታት ኣሎ፤ Torgträffen i Ryd, Träffpunkt Urshult, Träffpunkt Tingsryd ከምኡውንTräffpunkt Konga። ኣብኡ ንህጻናትን ዓበይትን ናይ ቋንቋ ሽወደን ሓገዝ ንገብረሎም። ናብ ኩሉ ጉጅለታትን ዕድመታትን ዝቐንዐ እተፈላለየ ንጥፈታት ኣሎና።

ንግዲ

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ድኳናት፡ መግቢ፡ ክዳውንትን ኣቕሑ ገዛን ክትገዝእ ትኽእል። ኣብ ገሊኡ ድኳናት ከኣ ናይ ሓላል መግቢ ኣሎ። ኣብቲ ከም ናይ ቀዪሕ መስቀል ኩፓን፡ ሶደርፖርትሺርካን ካፈ ሚጎሪ ወይ ላየንስ ሓራጅ ዝመሰለ ድኳናት፡ ሕሱርን ግሩምን ኣቕሑ ገዛን ክዳውንትን ኣቕሑ ክሽነን ክትዕድግ ትኽእል።

ቤት ንባብ

ኣብ ቲንግስሪድን ኡሽሁልትን ሪድን ኣልመቡዳን ሊነሪድን ቨከልሶንግን ኮንጋን ቤትንባብ ኣሎ። ኣብቲ ቦታ ኴንካ ወይ ብናጻ ተለቂሕካ መጻሕፍቲ ወይ ጋዜጣታት ከተንብብ ትኽእል። ኣብቲ ቦታ ዘየልቦ መጻሕፍቲ ክትእዝዝ ትኽእል። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን ቤትንባብ ተወሳኺ ኣንብብ።

ኣብ ሓደ ቤት ንባብ ካብ መሬት ክሳብ ናሕሲ ናይ መጻሕፍቲ ከብሒ ዘለፎ ክፍሊ።  ኣብቲ ክፍሊ ሓደ ዓቢ ቀይሕ ሶፋን ሓንቲ ብሰድያታት ዝተኸበት ንእሽተይ ጣውላን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ቲንግስሪድ ኮምዩን መታን ንኣኻን ንደቅኻን ደስ ኪብሎም መደበኛን ናይ ህጻናትን ኣብያትትምህርቲ ኣብ ጥቓኻ ኣሎ። ናይ ቲንግስሪድ ኮምዩን ዕላማ መደበኛን ናይ ህጻናትን ኣብያትትምህርቲ ኣብ ሾውዓተ ክፍልታት ናይቲ ኮምዩን ከም ዚህሉን ኩሉ ደቂ ዘለዎ ወላዲ ድማ ዕጉብን ተሳታፍን ከም ዚኸውን ንምግባር እዩ። መጠየቕታ ምስ ምቕረብካ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብቲ ቤትትምህርቲ ህጻናትን/ናይ ዕረፍቲ ቤትን ንውላድካ ቦታ ከም ዚርከቦ ውሕስነት ኣሎካ። ትምህርቲ ናጻ እዩ ውላድካ ድማ መግብን መጎዓዓዝን ብናጻ ይረክብ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ቲንግስሪድ ኡሽሁልትን ሪድን ረቨሞላን ሊነሪድን ቨከልሶንግን ኮንጋን ቫከልሶንግን ሸውዓተ ኮሙናዊ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ኣብኡ እቲ ውላድካ ሽወደንን ካልእ ዓይነት ትምህርትን ኪወስድ ይኽእል፡ ከምኡውን ናይ ኣደኡ ቋንቋ።

ብዘይካ ሸውዓተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ፡ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ተምሃሮ ዚኸውን ኣህጉራዊ ክላስ ዘለዎ ሓደ ኮሙናዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ፡ ዋሳስኩላንን ኣሎ። ናይ ምህሮ ጸገም ዘለዎም ተምሃሮ ዚኸውን ከኣ ፍሉይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ቲንግስሪድ ኮምዩን ሓንቲ ካብተን ዝበለጻን ዝማዕበላን ናይቲ ሃገር ናይ ሙዚቃ ኣብያተትምህርቲ AMB (Academy of Music and Business)​ ኣለዋ። ኣብዚ፡ ነቶም ናይ ሙዚቃ ብርቱዕ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ኣብ ምሹእን ሰላማውን ኣከባቢ ኮይኖም ኪምሃሩ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ ጥቓ ተር ኢሎም ኣእዳዎም ዘወዛውዙ ዘለዉ ሸሞንተ ቈልዑ ዘለውዎ ሓደ ናይ ቤት ትምህርቲ መጻወቲ ቦታ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ናይ ትንግስርይድ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ከም ሓድሽ መጻኢ መጠን ኣብ ሓደ ምቹእ ሃዋሁው ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት(sfi​) ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ) ኣብ ነፍስ ወከፍ ክፍሊ ውሱን ቍጽሪ ተምሃሮ እዩ ዘሎ። እዚ ነታ መምህር ንተምሃሮኣ ዝያዳ ግዜ ትረኽበሎም ማለት እዩ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኵሉ ባህልታት ንምርኣይ ዝዓለመ ኣህጉራዊ መዓልቲ ይብዓል እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ እንግሊዝኛ፡ ቍጽሪ፡ ፊዚክስ፡ ከሚስትሪ ወይ መደብ ትምህርቲ ክንክን ጥዕናን ሓልዮትን ክትምሃር እውን ትኽእል ኢኻ።

ናብ ኮለጅ ክትቅጽል ምስ እትደሊ ኣብቲ ናይ ቨክሾ/ካልማር ሊነ ዩኒቨርሲቲ ወይ ናይ ብለኪንገ ተክኒካል ኮለጅ ክትምሃር ትኽእል።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ቲንግስሪድ ኮምዩን ክልተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፡ ሓንቲ ኣብ ቲንግስሪድ ሓንቲ ከኣ ኣብ ሪድ። ኣብ ቲንግስሪድ ሓዳስ ማእከል ጥዕና ኣላ፡ ኣብኡ መደበኛ ሓኪምን ሓኪም ስንን መሕረሲት ወይ ነርስ ክትረክብ ትኽእል። ናብ ናይ ቲንግስሪድ ወይ ናይ ሪድ ማእከል ጥዕና ንምኻድ ኣየናይ ከም ዝሕሸካ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል። ብሕማም ምኽንያት ናብቲ ክሊኒክ ክትከይድ ምስ ዘይትኽእል፡ ሓኪም፡ ነርስ ወይ መሕረሲት ኣብ ገዛ ክትመጽእ ትኽእል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ተርጎምቲ ብዙሕ ኢና እንሰርሕ፡ መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ብተለፎን እዩ። ኣብኡ ምስጢርካ ኣይወጽእን እዩ። እቲ እትብሎ ኩሉ ኣብቶም ዚምልከቶም ኣካላት እዩ ዚተርፍ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ Länstrafiken Kronoberg ኩሉ ካብን ናብን ቲንግስሪድ ኮምዩን ዚንቀሳቐስ ጕዕዞታት ትረክብ። ናብ ሮነቢን ካርልስሃምንን ዚኸዳ ኣውቶቡሳትውን ኣለዋ። ናብ ካልማር፡ ማልመ ወይ ስቶክሆልም ብባቡር ንምኻድ ኣብ SJ ተመልከት።

SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ቲንግስሪድ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብ ናይ ምስናዕ ፋብሪካውን ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ፡ ይኹንምበር ኣብ ናይ ክንክንን ጥዕናን ማሕበራዊ ጉዳያትንውን ስራሕ ኣሎ። ኣብዚ፡ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዚፍለጣ ዋኒናት ኣለዋ፤ Nelson Garden, Hammarplast​, Börjes, Ryds Båt ከምኡውንLinders aluminiumbåtar​። ንክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ተመልከት።

ናይ ቢዚነስ ሰብ ዲኻ፡ ናይ ውልቅኻ ዋኒን ክትጅምርከ ትደሊዶ? እምበኣር ንሕና ንሕልምኻ ንምግሃድ ክንሕግዘካ ኢና።

ሓደ መከላኸሊ ድምጺ ዝገበረ ሰብኣይ ኣብ ናይ ኢንዱስትሪ ከባቢ ይሰርሕ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ሰብኣይ ሓንቲ ዓባይ ማሽን ኣላ።