Ale

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣሌ ሰሓቢ ምምሕዳር እዩ። ኣብ ሞንጎ የተቦርይን ትሮልሄታንን ዘሎ ኣሳሪ ትሕተ ቅርጽን ምቹእ ተፈጥራዊ ኣቀማምጣን ክትነብረሉ ክትሰርሓሉን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ክትሕጎሰሉን ይዕድም።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኣሌ ናይ ምምራጽ ተኽእሎታት ኣሎ። ባዕልኻ ክትሃንጽ፣ ክትካረ ወይ ክትገዝእ። ኣብ ማእከል ወይ ውን ካብ ከተማ ቁሩብ ርሕቕ ኢልካ ምንባር። ኩሉ ኣብ ኣዝዩ ተቐራራቢ ቦታ ይርከብ፣ ምስ ጽቡቕን ብግቡእ ኣገልግሎት ዝህብ መጓዓዝያን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ምምሕዳር ኣሌ ኣዝዮም ብዙሓት ቋንቋታት ይዝረቡ። ገለ ካብኦም እንግሊዘኛ፣ ዓረብኛ፣ ፋርሲ ከምኡ ውን ቋንቋ ራሻ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኣሌ ምንባር ምቹእ እዩ። ሃብታም ዝኾኑ ንጥፈታትን ምስ ሃብታም ባህላዊ ሂወት ክርኣዩ ዝግበኦም ነገራት ይርከቡ። ብሕጽር ዝበለ፣ ኣብዚ ንኹሉ ዝኸውን ነገር ኣሎ። ምስ ሓድሽ ቦታ ንምፍላጥን ሓደሽቲ የዕሩኽ ንምርካብን ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ምንጣፍ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። ከም ሓድሽ መጠን ሰባት ክትላለየሎም እትኽእል መአከቢ ቦታታትን መራኸቢ ማእከላትን እውን ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ምምሕዳርና ነበርቲ ብዛዕባ ምምሕዳር ሕቶ ምስ ዝህልዎም ክውከስሉ ዝኽእሉ ናይ ሓበሬታ ማእከላት ኣለዉ። ኣብ ኣደባብይ ኣሌ መራኸቢ ስራሕ፣ ብርክት ዝበሉ ድኳናት፣ ባንክታትን ትካል ኢንሹራንስን ይርከቡ። ህዝቢ ብብዝሒ ዝቕመጠሎም ከባብታት ሱርተ፣ ቡሁስ ከምኡ ውን ኤልቭኤንገን እውን ድኳናት፣ባንክታትን ወዘተ ይርከቡ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ምምሕዳር ኣሌ ካብ 1-12 ዝዕድመኦም ኣገልግሎት ክንክን ቆልዑ ይህብ። ኣብዚ መዋእለ ህጻናትን፣ ህጻናት ድሕሪ ትምህርቲ ወለዲ ክሳብ ዝመጽዎም ዝጸንሕሉን ይርከብ። ደቂ 6 ዓመት ናይ ኣዚለ (ሓደ ዓመት ቅድሚ ስሩዕ ትምህርቲ ምጅማሮም) ቦታ ይወሃቦም። ምምሕዳር ኣሌ ልዑል ጽፈት ዘለዎ ኣገልግሎት ክንክን ቆልዑ ክንህብ ቀጻሊ ጻዕርታት ነካይድ። ብዘይካ ምምሕዳራዊ መዋእለ ህጻናት ናይ ብሕቲ መዋእለ ህጻናት እውን ይርከቡ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፣ መዋእለ ህጻናትን ካብ 1-9 ክፍሊ መባእታን ፍሉይ ቤት ትምህርትን የጠቓልል። ኣብ ምምሕዳር ኣሌ 11 ምምሕዳራዊ ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ኣህላፎሽ ዝበሃል ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ይርከቡ።

ዕድላት ትምህርቲ

ተመሃራይ ምምሕዳራዊ ቤት ትምህርቲ ዓበይቲ ብምዃን ዘይተወደአ ናይ መባእታን፣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ናይ ምውዳእ ዕድላት ኣሎ። ብተወሳኺ ንናይ ሞያ ላዕለዋይ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲን ንምምልካት ዘልእል ፍልይ ዝበለ መቀራረቢ ፍልጠት/ብቕዓት ክትረክብ እውን ይከኣል እዩ።

ብተወሳኺ ናይ ሞያ፣ ናይ ስልጠና ትምህርትን ከምኡ ውን ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት ንህብ ኢና።

ኣገልጎት ጥዕና

ናይ ጥዕና ማእከላት ኣብ ህዝቢ ብብዝሒ ዝነብረሎም ከባቢታት ከም በዓል ቡሁስ፣ ነዲንገ፣ ኑል ከም ኡ ውን ኤልቭ ኤንገን ይርከቡ። ማእከል ክንክን ጥዕና ህጻናት ኣብ ኑል፣ቡሁስ ከምኡ ውን ኤልቭኤንገን ይርከብ። ኣብ ምምሕዳር ከተማና ብርክት ዝበሉ ሓኻይም ስኒ ውን ኣለዉ። ዝቐረበ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ኩንግኤልቭ ይርከብ ከም ኣማራጺ ውን አስትራ ሆስፒታል (östra shukhuset) የተቦርይ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ጥዕናን ኣገልግሎት ሕክምናን ምምሕዳር ከተማ ኣሌ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ተመልከት።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይርደኣካን ዘይትዛረብን ምስ እትኸውን ምስ ምምሕዳር ኣብ እትገብሮም ርክባት ብቋንቋኻ ቶርጓማይ ናይ ምርካብ መሰልካ ሕሉው እዩ። ሓገዝ ቶርጓማይ ብነጻ ኮይኑ ኣብ ምስላጡ ከኣ ምትሕብባር ናይ ምምሕዳር ከተማ እዩ።

ነቲ ክትረኽቦ እትዳሎ ዘለኻ ኣካል/ትካል ምስ ምምሕዳር ኣብ ዝግበር ርክባት ቶርጓማይ ከምዘድልየካ ብምሕባር ኣብ መዓልቲ ቆጸራ ቶርጓማይ ኣብ ምቕራብ ክተሓባበሩኻ እዮም። ምምሕዳር ከተማ ኣሌ ብመገዲ ትካል መራኸብቲ ቶርጎምቲ ቬስት ቶርጓማይ ይቖጽር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣሌ 5 መዕረፊ/ፌርማታ ባቡር ኣሎ። ኣብ ልዑል ዋሕዚ ትራፊክ ባቡራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርብዒ ሰዓት ካብ ኣሌ ናብ የተቦርይ ይመላለሳ። ባቡራት፣ ምስ ተወሳኺ ኣገልግሎት ኣውቶቡስን መጽንሒ/ፓርኪንግ መካይንን ብሽክለታን፣ ኣብ ኣሌ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀም እትደሊ ኩነታት ምቹእ ይገብርዎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ምምሕዳር ከተማ ኣሌ ኣብ 410 ዓውድታት ዝኽፈሉ 2330 ትካላት ኣለውዋ። እቶም ዝዓበዩ ኣብ ምምሕዳር ካብ ዝነጥፉ ዓውድታት ውዱእ/ስሩሕ ኣቕሑት ዘቕርቡ፣ ካብ ጥረ ነገራት ውዱእ ኣቕሑት ዘቕርቡ፣ ናይ ህንጻ ትካላት፣ ንግዲ፣ ንትካላት ኣገልግሎት ዝህቡን ናይ መጓዓዝያንን መኽዘናትን እዮም።

ከም ናይ ፋብሪካ ቱዶር (ኣፍራዪ ባተሪ) ርእሰ ከተማ ምዃን ኣብቲ ምምሕዳር ብዛዕባ ናይ ጸዓት ቴክኒክ ዘሎ ፍልጠት ኣዝዩ ልዑል እዩ። ኣብቲ ቦታ ብቕድሚት ዝስርዓ ትካላት: KraftPowercon, Eurocable, Swansons Telemekanik, BS Elcontrolን ካልኦትን እየን። ኣብቲ ምምሕዳር ካልኦት ጸለውቲ ትካላት AkzoNobel, Axel Christiernsson Abን Perstorp እየን።

ደላይ ስራሕ ንዝኾንካ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ኣደባባይ ኣሌ ኣብ ነዲንገ ይርከብ።