ታሪኽ ሃገረ ሽወደን ካብ ዘመነ በረድ ክሳዕ እዚ ምዕቡል እዋን፡

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

    ዘመነ ቪኪንግ

    ካብ ታሽዓይ ክሳዕ መፋርቕ 11 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ግዜ፡ "ዘመነ ቪኪንግ" ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ። ቪኪንጋውያን፡ ኣብ ምስራሕ መራኽብን ናይ ባሕሪ ጒዕዞን ንፉዓት እዮም ነይሮም። ምስ ብዙሓት ሃገራት ተዋጊኦምን ነጊዶምን። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ድማ፡ ስልጣን ሒዞም ነይሮም።

    ማእከላይ ዘመን

    ኣብ ታሪኽ ሽወደን፡ ማእከላይ ዘመን ዝብሃል፡ ካብ ኣስታት 1000-1520ታት ዝነበረ ግዜ እዩ።

    ክርስትና ናብ ሽወደን ቅድሚ ምምጽኡ፡ ህዝቢ ሽወደን፡ ኣብ ጣኦታት እዩ ዘምልኽ ወይ ዝኣምን ነይሩ። ካብ'ዚኣቶም ገለ ንምጥቃስ፡ ኦደን፡ ቱር፡ከምኡ'ውን ፍረያ ዝብሃሉ ይርከቡዎም። እዚ ድማ፡ ኣሳትሮ እምነት ይብሃል።

    ክርስትና ናብ ሃገረ ሽወደን ምስ መጸ፡ እቲ ሕብረተሰብ ተለዊጡ። ሽወደን፡ ኣብ ከባቢ 1000 ዓ.ም፡ ኦሎፍ ሾትኮኑንግ ዝብሃል ናይ መጀመርታ ክርስትያን ንጉስ ገዚኡዋ። ኣብ 13 ክፍለ ዘመን፡ ብዙሕ ነገራት ተፈጺሙ። ሕርሻን ንግድን ኣዚዩ ተወዳዲቡ። ሓደስቲ ከተማታት ተሃኒጸን። ሽወደን፡ ኣብ ዞናታት ተመቓቒላ። ነፍስ ወከፍ ዞና፡ ናቱ ሕጊ ነይሩዎ። ቅድም ኣፋዊ ሕጊ ጥራሕ እዩ ነይሩ። ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ግን፡ እቲ ሕጊ ብጽሑፍ ሰፊሩ።

    ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ሕጊ ሃገር ዘውጽእ ናይ ሽወደን ባይቶ ተመስሪቱ። ንሱ፡ ኣብ ኣርባዕተ ጽፍሕታት ተመቒሉ ነይሩ። ንሳቶም ድማ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ካህናት፡ ነጋዶን ሓረስቶትን'ዮም። ዓበይቲ ዓዲ፡ ብውርሻ ዝረኸቡዎ ስልጣንን መሰላትን ነይሩዎም።

    ካህናት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ልዑል ስልጣን ነይሩዎም። 20% ናይ ብሉጽን ልሙዕን መሬት ሽወደን ድማ ይውንኑ ነይሮም። እቶም ነጋዶ፡ ኣብ ከተማታት ንንግድን ሰንዓን የመሓድሩ ነይሮም። ዓበይቲ ሓረስቶት፡ ንመነባብሮ ገጠራት የመሓድሩ ነይሮም። ሓረስቶት ከኣ፡ ኣብቲ ዝሰርሑሉ ቦታ፡ ኣዝርእቲ እናዘርኡን እንስሳታት እናርብሑን ይነብሩ ነይሮም።

    ኖርዲካዊ ሕብረት

    ማእከላይ ዘመን ኣብ ምውድኡ፡ ደንማርክ፡ ኖርወይን ሽወደንን 'ኣብ ሃገራት ኖርዲክ መን ሓይሊ ይሃሉዋ?' ብዝብል ሰበብ ተዋጊአን። ብ1397 ዓ/ም "ሕብረት ካልማር" ንዝብል ውዕል ፈሪመናሉ። ኲላተን እዘን ሃገራት'ዚኣተን ድማ፡ ሓንቲ ሃገር ኮይነን።

    ዓቢ ሓይሊ

    ኣብ 16 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ዓለም ዓቢ ነገር ተኸሲቱ። ኮሎምቦስ፡ ንኣመሪካ ዳህሲሱዋ። ጉተንበርግ ድማ፡ ናይ ሕትመት ማሺን ምሂዙ። ናይ ሮማ ናይ ካቶሊክ ጳጳስ ከኣ፡ ሓደ ዓቢ ክፋል ናይቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝነበሮ ቤተክርስትያናዊ ስልጣን ኣጥፊኡዎ።

    ብዙሓት ሽወደናውያን፡ ኣመራርሓ መራሒ ናይ'ተን ዝሓበራ ሃገራት፡ ደንማርካዊ ንጉስ ደስ ኣይበሎምን። ንሱ፡ ኣብቲ "ህልቂት ስቶክሆልም" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተግባር፡ 100ዓበይቲ ዓዲ ሽወደን፡ ብግፍዒ ቀቲሉዎም። ብድሕሪ'ዚ፡ ሽወደናውያን ኣዲሞም። ጉስታቭ ቮሳ ድማ፡ ወታሃደራት ኣኽቲቱ ካብቲ ደንማርካዊ ንጉስ፡ ስልጣን መንዚዑ። ንጉስ ቮሳ፡ ሰነ 6 1523 ዓ/ም ኣኽሊል ደፊኡ። ሽዑ፡ ኣብ ሽወደን ሰላም ኮይኑ፡ ነታ ሃገር ድማ ከም ሓንቲ ገይሩ ኣመሓዲሩዋ። ስለዚ ድማ፡ ሰነ 6ሃገራዊ በዓል ሽወደን እዩ።

    ጉስታቭ ቮሳ ምስ ነገሰ፡ እቲ ቤተክህነት ተለዊጡ። ጀርመናዊ ካህን ማርቲን ሉተር፡ ነቲ ናይ ሽወደን ቤተ ክህነት ጸልዩዎ። ማርቲን ሉተር፡ ብዛዕባ ኣመራርሓ ቤተ ክርስትያን፡ ብዙሕ ሓደስቲ ሓሳባት ነይሩዎ። እታ ካቶሊክ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን፡ ፕሮተስታንት ኮይና። ብዙሕ መሬት ድማ ኣረኪባ። ነቲ ብዓል ሓያል ስልጣን ዝኾነ መንግስቲ'ውን ግብሪ ክትከፍል ግድን እዩ ነይሩ። ብእኡ መጠን ድማ፡ ባይቶ ዝያዳ ስልጣን ረኺቡ።

    ካብ መፋርቕ16 ክፍለ ዘመን ክሳዕ መጀመርታ ናይ 18 ክፍለ ዘመን፡ ሽወደን፡ ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ባሕሪ ወይ ኦስተርሾን፡ ኣብ ዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ ውግኣት ተጸሚዳ ነይራ። ኦስተርሾን፡ ኣብ መዳይ ንግዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባሕሪ እዩ ነይሩ። ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ውግእ ድማ፡ ንኦስተርሾን መን ተቖጻጸረ እዩ ነይሩ። ብዘይካ'ዚ፡ ሽወደን፡ ኣብቲ 30 ዓመታት ዝወስደ ካብ 1618-1648 ዓ/ም ዝነበረ ሃይማኖታዊ ውግኣት'ውን ተጸሚዳ ነይራ እያ። ሽወደን፡ ኣንጻር ዴንማርክ፡ ራሻ፡ ፖላንድን ጀርመንን'ውን ውግኣት ድሕሪ ምክያድ፡ ዝዓበየ ክፋል ምብራቓዊ ባሕሪ ክትቆጻጸር ክኢላ። ኣብ መፋርቕ 17 ክፍለ-ዘመን፡ ሽወደን ዓቢ ክፋላት ሰሜን ጀርመንን ፖላንድን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽራ የእትያቶ ነበረት። ድሕሪ እዚ ኸኣ፡ ሽወደን፡ ርእሰ ሓያል ሃገር ኮነት።

    ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሕጂ ዘሎዋ ስፍሓት፡ ንፊንላንድ፡ ኤስትላንድ፡ ለትላንድ፡ ክፋል ሩስያን ጀርመንን ወኒና ነይራ። ብድሕሪ'ዚ፡ ንጉስ ሽወደን ካርል ሻብዓይ፡ ኣብ ብዙሕ ኲናት ስለ ዝተሳዕረ፡ ብዘይካ እዚ ሕጂ ሽወደን ኮይኑ ዘሎ መሬት፡ ነቲ ኹሉ መሬት ኣጥፊኡዎ። ብ 1721 ዓ/ምኣብ ሽወደን ከም ብሓድሽ ሰላም መጺኡ። እቲ ሽወደን ኣብ ኦስተርሾን ዝነበራ ዕብለላ ግን ጠፊኡ።

    ናጽነት፡ ናይ ፍልጠት ብርሃንን ሰውራን

    ድሕሪ ውድቀት ዓለማዊ ስልጣናትን ሞት እቲ ንጉስን ከኣ፡ ኣብ ሽወደን ሓዲሽ መንግስታዊ ምምሕዳር ተኣታትዩ። ስልጣን ናብቲ ሕብረተሰብ ወሪዱ። ህዝባዊ ናጽነት ድማ፡ እናወሰኸ ከይዱ። እዚ ድማ፡ "ዘመነ ናጽነት" ተባሂሉ ይፍለጥ። እቲ ዝለዓለ ስልጣን፡ ነቲ ብዓበይቲ ዓዲ፡ ካህናት፡ ነጋዶን ሓረስቶትን ዝቖመ ባይቶ ተዋሂቡዎ ነይሩ። ነፍስወከፍ ጒጅለ ብዛዕባ ጒዳይ ሕግታትን ቀረጽን ድምጹ ከስምዕ መሰል ነይሩዎ። እቲ ባይቶ ብደሞክራስያዊ መገዲ ዝተመርጸ ኣይነበረን፡ ኣብ ግዜኡ ግን ፍሉይ ህዝባዊ ውክልና ነይሩዎ።

    ሽወደን ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ብመገዲ ምርምርን ሳይንስን ገይራ ቊጠባኣ ኣመሓይሻቶ ነይራ። በዚ መገዲ'ዚ፡ ነብሳ ክኢላ ካብ ደገ ንኸይትዕድግ ክእለት ኣጥሪያ ነይራ። ብ 1740 ዓ/ም፡ ሓደ ሳይንሳዊ ኣካዳሚ ተኸፊቱ።

    ኣብ18 ክፍለ ዘመን፡ "ዘመነ ሓበሬታን መረዳእታ ግዜን" ዝብሃል ዘመን ተኸሲቱ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ግሩም ዝኾነ ቊጠባ ነይሩወን። ኣብ 18 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ዓበይቲ ለውጥታት ይርአ ነይሩ። ሰባት ከንብቡ ጀሚሮም። ነቲ ናይ ቤተ ክህነትን ናይ ዓበይቲ ዓድን ስልጣን ድማ ክምክቱዎ ጀሚሮም። "ቁጠባውን ማሕበራውን ምምሕያሽ ምስ ብሩህ ሓሳባት"፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ለውጢ ኣለዓዒሉ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ብ 1789 ዓ/ም፡ውሩይ ናይ ፈረንሳ ሰውራ ተኸሲቱ።

    ብ 1771 ዓ/ም ናይ ሽወደን ንጉስ ጉስታቭ ሳልሳይ፡ ኣኽሊል ንግስነት ደፊኡ። ብዙሓት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ነንሓድሕደን ክባኣሳ ጀሚረን። ብ 1772 ዓ/ም ድማ፡ እቲ ንጉስ፡ ናይ መንግስቲ ምብታን መስርሕ ኣካዪዱ። ስልጣን ብምግባት ድማ፡ በይናዊ ሓይሊ ክውንን ፈቲኑ። "ዘመነ ናጽነት" ድማ ተወዲኡ። እዚ ሓይልን ስልጣንን እዚ ግን፡ ምዕዝምዛም ኣኸቲሉ፡ እቲ ንጉስ ከኣ፡ ብ1792 ዓ/ም ኣብ ሓደ ፌስታ ተቐንጺሉ።

    ሽወደን፡ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን

    ጉስታቭ ኣዶልፍ ራብዓይ፡ ኣብ መንጎ 1796-1809 ዓ/ም ንጉስ ሽወደን ነይሩ። ኣብ ዘመኑ፡ ሽወደን ምስ ሩስያ ተዋጊኣ። ኣብቲ ውግእ'ቲ ምስ ተሳዕረ፡ ሽወደን ንፊንላንድ ናብ ሩስያ ኣረኪባታ። ካብ 1815 ዓ/ም ንደሓር፡ ኣብ ሽወደን፡ ሰላም ሰፊኑ። ይኹን እምበር ናይ ንጉስ ጉስታቭ ኣዶልፍ ራብዓይ ኣመራርሓን ኣብ ኲናት ምስዓሩን፡ ብ 1809 ዓ፣/ም፡ ካብ ዝፋኑ ከም ዝወርድን ንግስነት ንሓወቡኡ ካርል ሻምናይ ክገድፈሉን ኣገዲዱዎ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ እቲ ባይቶ፡ ኣርባዕተ መሰረታውያን ሕግታት ኣጽዲቑ። ሓደ ካብ'ቶም ሕግታት ድማ፡ ነቲ ናይ ንግስነት ስልጣን ዘጒድል ሕጊ እዩ ነይሩ። እተን ኣብ 1809 ዓ/ም ዝጸደቓ ኣርባዕተ መሰረታውያን ሕግታት፡ እዘን ዝስዕባ እየን፡-

    • መንግስቲ ሽወደንን ሕግታቱን ብኸመይ መንገዲ ክቖሙ ከም ዘለዎም፡
    • ናይ ንግስነት ውርሻ ብኸመይ ከም ዝመሓላለፍ ወይ ከም ዝወራረስ።
    • ናይ ሕትመት ናጽነትን ብኸመይ ከም ዝዕቀብን።
    • እቲ ባይቶ፡ ኣርባዕተ ጒጅለታት፡ ማለት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ካህናት፡ ነጋዶን ሓረስቶትን ክልዉዎ።

    ካርል ሻምናይ፡ ንግስነቱ ዝወርስ ውላድ ኣይነበሮን። ስለዚ ን ፈረንሳዊ ዤን ባፕቲስተ በርናዶተ፡ ከም ናይ ሽወደን ንጉስ ክኸውን ሓጽዩዎ። ዤን ባፕቲስተ በርናዶተ፡ ናይ ሽወደንን ኖርወይን ሕብረት መስሪቱ። እዚ ድማ፡ ዳርጋ ን100 ዓመታት ጸኒሑ። ብ 1865 ዓ/ም፡ እተን ኣርባዕተ ጒጅለታት ናይ ባይቶ ተደምሲሰን። እዘን ጒጅለታት እዚኣተን "ካማረ" ብ ዝተባህለ ክልተ ክፍልታት ተተኪአን።

    ኣብ 19 ክፍለ ዘመን፡ ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን፡ ወሲኹ። ኣብ መጀመርታ19 ክፍለ ዘመን፡ ሽወደን፡ 2.4 ሚልዮን ህዝቢ ነይሩዋ። ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ናብ 5.1 ሚልዮን ደዪቡ። ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ድማ፡ ሰብ፡ ካብቲ ዝነብረሉ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ከይዱ ክሰርሕ ኣገዲዱዎ። ብዙሓት፡ ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት ኣትዮም። ብዙሓት ድማ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም። ኣብ መንጎ 1865-1914 ዓ/ም፡ ኣስታት 1,000,000 (ሓደ ሚልዮን) ሽወደናውያን ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም።

    ምስፋሕ ኢንዱስትሪ

    ምንቅስቓስ ኢንዱስትሪ፡ ድሕሪ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ እዩ ናብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ኣትዩ። ኣብ መፋርቕ19 ክፍለ ዘመን፡ መብዛሕትኦም ሽወደናውያን፡ ብሕርሻ'ዮም ዝመሓደሩ ነይሮም። ኣብ 1860ታት፡ ኣብ ሽወደን መገዲ ባቡር ክስራሕ ጀሚሩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሽወደናውያን፡ ሉሕን ሓጺንን ንወጻኢ ክሸጡ ጀሚሮም። ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ተመስሪተን። ሳላ ሓድሽ ማሺነሪ ድማ፡ ስራሕ ክቀላጠፍ ጀሚሩ።