Karlskrona

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ካርልስክሮና ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይ ሽወደን ትርከብ። እዛ ከተማ ኣብ ልዕሊ ደሴታ ዝተሃንጸትን ኾይና ናብተን እኵባት ደሴታትን ናብቲ ገጠርን ድማ ቀረባ እዩ። ኣብዛ ኮሙን ሓያሎ ጽቡቕ ዝማዕበለ ኣገልግሎት ዘለውን ከተማታት ኣሎዋ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ኣብ ልዕሊ ካርልስክሮና ካብ ኣየር።

እዛ ከተማ ብዩነስኮ ከም ውርሻ ዓለም ዝተመርጸት እያ፡ ግን ማዕረ ማዕሪኡ ካርልስክሮና ሓደ እንዳ ዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበረ-ሰብ ንግድን ኢንዱስቱሪን ከምኡ'ውን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ዝኾኑ ሓያሎ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዘለውዋ ዘበናዊት ኮሙን እያ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ካርልስክሩና 130 ዜግነታት ይርከቡ። ዓረብ፡ ሶማል፡ ኣልባንያ፡ ሰርቦክሮሽያ ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት እዮም።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ካርልስክሩና 130 ዜግነታት ይርከቡ። ዓረብ፡ ሶማል፡ ኣልባንያ፡ ሰርቦክሮሽያ ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ካርልስክሩና፡ ከተማዊ ኣገልግሎት ከም ናይቲ ኮምዩን ሓበሬታ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ቤትጽሕፈት መድህን፡ ቤትንባብን ናይ ቀረጽ ቤትጽሕፈትን ይርከብ። ኣብ ሳንትሩም እተፈላለየ ድኳናትን ጋለርያታትን ኣብያተመግብን ኣሎ። ወጻኢ ካብ ከተማ ሱፐርማርከት ኣሎ። ክዳውንትን ኣቕሑ ገዛን ክሽነን ብሕሱር ዚግዘኣለን ሓያሎ ሰከንድሃንድ ቡቲካት ኣለዋ።

ዝሽምቱን ቡን ዝሰትዩን ሰባት ዘለዎ ውስጠ-ቤታዊ ዕዳጋ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ካርልስክሩና ኮምዩን ንደቂ 1-5 ዓመት፡ ብቑዕ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ንጥፈት ኣለዋ። ኮሙናውን ብሕታውን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ሓያሎ ናይ ወለዲ መውዓሊ ቦታውን ኣሎ።

ክልተ ናይ መውዓሊ ህጻናት ቈልዑ ማይን ሓመድን ገይሮም ኣብ ደገ ይጻወቱ ኣሎዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ናይ ካርልስክሩና ኮምዩን ኣስታት 7000 ተምሃሮ ዘለወን 38 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ሾሞንተ ካብአን ብሕታውያን እየን። ኣብኡ እተፈላለየ ናይ ትምህርቲ መደባት ኣሎ። ኮሙናውን ብሕታውን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ድማ ኣለዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ካርልስክሩና ኣብቲ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኮምቩክስን ኤስኤፍኢን ኣሎ። ኣብኡ ሰብ ብርሑቕ ይኹን ብክላስሩም ኣገባብ ብመዓልቲ ወይ ብምሸት ከከም ጠለቡ ትምህርቲ ይረክብ።

ኮለጅ ሊቶሪና ናይ ኦሰርሾን ገጽታ ዚገልጽ ትምህርቲ ይህብ፡ ማለት፡ እቲ ኣብኡ ዚመሃር ብዛዕባ መሬትን ህዝብን ኦስተርሾን ፍልጠት ይቐስም።

ብለኪንገ ተክኒካል ኮለጅ፡ BTH ናይ ሽወደን ህቡባት ኮለጃት እየን። ኣብኡ ብዛዕባ IT ከምኡውን ንቐጻሊ ምዕባለ ንዚጠቅም መሃዝነት ትዅረት ይወሃቦ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብቲ ቀንዲ ከተማ ሓያሎ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፡ ከምኡ'ውን ናይ ህጻናትን ኣደታትን ክሊኒክን ብለኪንገ ሆስፒታልን ኣሎ። ናይ ብለኪንገ ዞባ እዩ ንኣገልግሎት ሕክምና ዘመሓድሮ። ኣብ 1177 ቮርጋይደን ሕቶ ክትሓትትን ምኽሪ ክትረክብን፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ናይ ካርልስክሮና ሓለዋ ጥዕናን ኣገልግሎት ጥዕናን እኩብ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ናይ 1177 መርበብ ሓበሬታ ክትበጽሕ ወይ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ በዓልስልጣን ትካላት ምስ እትራኸብ ተርጓማይ ናይ ምህላው መሰል ኣሎካ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ካርልስክሩና ምስ እትጎዓዝ ናይ ማልመ/ሾፐንሃምን እትኸይድ ባቡር ውሰድ ወይ ከኣ ንሰሜን ገጽካ ናብ ስቶክሆልም ወይ ናብ የተቦሪ። ሰላሳ ኪሎመተር ካብ ካርልስክሩና ናይ ሮነቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎ፡ ካብኡ ናብ ብሩማንን ናብ ናይ ስቶክሆልም ኣርላንዳ መዓርፎ ነፈርትን ብነፋሪት ክትከይድ ትኽእል።

ኣብ ካርልስክሩና ብናይ ብለኪንገ መስመራት ኢኻ እትጎዓዝ። እቲ መስመር ብግሩም መገዲ እተሃንጸ እዩ። ናይ ሰዓታት ሰለዳን እትደልያ ኣውቶቡስን ብወብሳይት ክትረኽቦ ትኽእል።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ካርልስክሩና ካብ ሆስፒታል ጀሚሩ ክሳብ ኣህጉራውያን ዕዉታት ትካላት፡ እተፈላለየ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ። ኣበበ ሃይ ቮልተጅ ከብልስ፡ ዲናፓክ፡ ሮክስተክ፡ ካርልስክሩና ኮምዩን፡ ኤሪክሶን፡ ሳብ ኮኩምስ፡ ኦራላይትን ዞባ ብለኪንኘን ኣብ መንጎተን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። እተን መንግስታውያን ብዓል መዝታት፡ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ቡቨርከት እውን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እየን።

ኣብ ካልርልስክሮና ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ ዓማዊል ካብ ናእሽቱ ሰብ ትካል ይሽምቱ ኣሎዉ።

ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዋኒን ኪተክል ዝደሊ፡ ናይ ሓደሽ ዋኒን ማእከል ኣሎ፡ ኣብ ናይ Nyföretagarcentrum Karlskronas ወብሳይት ኣንብብ።