Vilhelmina

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ቪልሀልሚና፡ ኣብቲ ብላፕላንድ ዝፍለጥ ክፋል መሬት ኣውራጃ ቬስተርቡተን እትርከብ ከተማ’ያ። ኣብዛ ከተማ ኣስታት 7200 ተቐማጦ ኣለዉዋ። ፍሪቒ ናይዞም ዝተጠቕሱ ነባሮ ኣብታ ከተማ ዝቕመጡ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብተን ምስቲ ምምሕዳር ዝጥርነፋ ነኣሽቱ ዓድታት ይነብሩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ከተማ ኣብ ማእከል ብኽልተ ወገኑ ድማ ማይ ዘለዎ ስእሊ ካብ ነፋሪት ናይ ቪልሄልሚና።

ከተማ ቪልሀልሚና ካብ ስቶክሆልም 70 ማይል፡ ካብ ሉልዮ 38 ማይል፡ ካብ ዮተቦሪ 115 ማይል ካብ ማልሞ ከኣ፡ 130 ማይል ርሒቓ ትርከብ። ብዜካ'ቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ጎቦታትን፡ ሃብታም ከብብያዊ ተፈጥሮን፡ ኣብ ቪልሀልሚና ክርአ ዝግብኦ ብዙሕ ሰሓቢ ቦታታት ኣሎ። እቲ ኣብዛ ከተማ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታታት፡ ዓሌት ሳመን ካልእ ሓደስቲ ናብቲ ቦታ ዝመጽኡ ሕብረተ-ሰባት ብሓባር ብሰላም ከመይ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ዘዘኽኽር እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ቪልሀልሚና እታ ዝዓበየት ትካል ክራይ-ኣባይቲ፡ እታ ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ እትውነን ትካል ቪልሀልሚና-ቢስተደር እያ። እዛ ትካል እዚኣ፡ ኣስታት 700 ክራይ-ኣባይቲ ትውንንን ተመሓድርን። ገዛ ንምርካብ ተመዝጊብኩም ሪጋ ወይ መስርዕ ክትሕዙ ምስ እትደልዩ ወን ውን ካልእ ዝኾነ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይታ ትካል፡ ምእታው ከድልየኩም እዩ።

ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይ ስትራንድቬገን ጻዓዱ ናይ ብዙሓት ስድራ ቤታት መንበሪ ገዛውቲ ኣብ ቪልሄልሚና ዘርኢ ካብ ነፋሪት ስእሊ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ቪልሀልሚና ካን ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ ሶማለኛ፡ ትግርኛ፡ ታሚል፡ ቡርማ፡ ዳሪ፡ ዓረበኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ራሻ፡ ስጳኛ፡ ሰዋሂሊ፡ ኢራነኛን እንግሊዘኛን ይርከቦም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ቪልሀልሚና፡ ሽወደናዊ ቤት-ክርስትያን፡ ቤት-ክርስትያን ፒንግስ፡ ነጻ ሰበኻ ቪልሀልሚና፡ ቤት-ክርስትያን ምስዮናውያን፡ ቤት-ክርስትያን ሰራዊት ድሕነትን፡ ማሕበር ኣመንቲ ምስልምናን ይርከብ። ማሕበር ኣመንቲ-ምስልምና፡ ናይ ቁርኣን ማእከል ትምህርቲ ሃልይዋ፡ ኣብቲ ትሪሰን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ውን መስጊድ ኣለዎም። ከተማ ቪልሀልሚና ኣብ ባህላዊ መዳይ ንጡፍ ዝኾነ ድሕረ.ባይታን ታሪኽን ዘለዋ ከተማ እያ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ብርክት ዝበለ ናይ ትያትር፡ ሙዚቃን፡ ስነ-ጥበብን ካልእን ሃዋህው ዘዋደደት እያ። ነዚ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ዊልማ-ኩልቱር፡ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ። ኣብ መዳይ ስፖርት ውን እንተኾነ፡ ብተመሳሳሊ ውዕዉዕ ንጥፈታት ይርከብ። ኣብ ከተማ ቪልሀልሚና፡ ሜዳ-ኩዕሶ፡ ሜዳ ጸወታ-በረድ፡ ህንጻ ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ህንጻ ጸወታታት ምንሽርታት በረድ፡ መሐንበሲ-ማእከል፡ ቦውሊንግ፡ ህንጻ መጋለቢ ኣፍራስ፡ ማእከል ኣካላዊ ስፖርትን ካልእን ይርከብ። ብተመሳሳሊ ናይ ኣልፒን (ብረድ) ጸወታታት ዝካየደለን ብርክት ዝበላ ማእከላት ውን ኣብቲ ከተማ ይርከባ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ቪልሀልሚና፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት (ክልተ ዓበይቲ ድኳናት ኣስቤዛ)፡ ፋርማሲ ከምኡ ውን ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማን ይርከብ። ኣብታ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ህዝባዊ-ኣደራሽ (ፎልከትስ-ሁስ)፡ መሐንበሲ-ማእከል፡ መጻወት ቦውሊንግ፡ እንዳ-ሻሂን ቤት-መግቢ፡ ሲነማን ቤት-ንባብን፡ ይርከባ። ኣብዛ ቤት-ንባብ፡ መጻሕፍቲ፡ መጽሄታትን ኣገግሎት ኢንተርነትን ኣለኩም። ኣብ ከተማ ቪልሀልሚና፡ ክልተ ድኳናት ዘገልገለ-ንብረትን ክዳውንትን፡ ኣለዋ። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ በዓል-መዚ ቀረጽ (ስካተቨርከት) ከምኡ ውን ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሽውክሪንግስ-ካሳ) ኣብ ማእከል ከተማ ቪልሀልሚና ይርከቡ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ቪልሀልሚና፡ 10 መውዓሊ-ህጻናትን፡ ሓንቲ ብማሕበር-ወልዲ እትውነን ማእከል-ህጻናትን ካልእ ውን ናይ ግሊ መውዓሊ-ህጻናትን ይርከባ። ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘገልግላ 4 መዘናግዒ ማእከላት ውን ኣብቲ ከተማ ይርከባ። ብዜካ'ዚ፡ ብቤተ-ክርስትያን ሽወደናውያን እትመሓደር ፕሬስቲክራገን ዝተሰምየት ነጻ መዘናግዒ ማእከል ህጻናት ውን ኣላ። ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 13 ክሳብ 20 ዝርከቡ ነኣሽቱን መንእሰያትን ከኣ፡ ድሕሪ-ቐትሪ ከምኡ ውን ሰዓታት ምሸት ክፍቲ ዝኮነት መዘናግዒ ማእከል ኣላቶም።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብቲ ሰፊሕ ዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ቪልሀልሚና፡ ብርክት ዝበላ ኣብ ፋሕ ኢለን ዝርከባ ናይ መባኣታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። ሓንቲ ካብዘን ኣብዚ ቦታ ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርታት ግላዊት ክትከውን እንከላ፡ እተን ዝተረፋ ግን መንግስታውያን እየን። ኣብ ከተማ ቪልሀልሚና ዝርከባ ናይ 1ይ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ቤት-ትምህርቲ ቮልጅኾስኩላን ትበሃል። እታ ካብ 7ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዝመሃሩ ተመሃሮ እትአንግድ ከኣ፡ ሀምባሪስስኩላን ትበሃል። እታ ግላዊት ናይ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ከኣ፡ ስትራንድስኩላን፡ ትበሃል።

ናይ ካልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ቪልሀልሚና፡ መንግስታዊ እዩ። ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ-ደረጃ ናይቲ ከተማ ማልጉማይ-ስኩላን፡ ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብዛ ቤት-ትምህርቲ፡ 8 ዓይነታት ሃገራዊ መደብ-ትምህርትን ናይ መእተዊ-መደብ ትምህርትን ይወሃብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ማእከል-ትምርህቲ ቪልሀልሚና፡ ንኩሉ ኣብታ ከተማ ዝወሃብ ትምህርታዊ መደባት ዘመሓድር ትካል እዩ። እዚ ትካል እዚ፡ ንመደብ-ትምህርቲ ዓበይቲ፡ ንትካላት ዝምልከት ትምህርቲ፡ ምስ ኡምዮ ዪኒቨርስቲ ብምውህሃድ ዝውሰድ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ፡ የዳሉን የመሓድርን።

ብጸገም ወገን ትኽ ኢልካ ናብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝወስድ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ጽቡቓት ናይ ቀደም ናይ ዕንጨቲ ገዛውቲ ዘለዎ ናይ ጐደና ትርኢት

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ፡ ቪልህልሚና ማእከል-ጥዕና፡ ፍሉይ ክፍሊ ኣዴታት፡ ህጻናትን ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ ይርከብ። ብቐረባ ዝርከብ ዓቢ ሆስፒታል፡ ኣብታ 12 ማይል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሊክሰለ፡ ይርከብ። ኣብታ 24 ማይል ርሂቓ እትርከብ ከተማ ኡምዮ ውን፡ ዓቢ ናይ ዩኒቨርስቲ-ሕክምና ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝግበር ርኽክባት፡ ተርጓማይ ክቍጸረልኩም መሰል ኣለኩም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ቪልሀልሚና፡ ናብተን ኣብቶ ዞባ ዝርከባ ከተማታትን ዓዲታትን፡ ብኣውቶቡስ ክትጎዓዙ ትኽእሉ። ንሰዓታት ንቕሎን ካልእን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ናይቲ ዞባ ብምእታው ክትረእዩ ትኽእሉ። ኣብ እዋን ከረምቲ፡ ብርክት ዝበላ ባቡራት ብማእከል ከተማ ቪልሀልሚና ይሓልፋ። እዚ መስመር ባቡር'ዚ ካብ ከተማ ክሪስቲነሃምን ኣብ ደቡብ ናብ ጋሊቫረ ኣብ ሰሜን ይዝርጋሕ። ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ፡ ናብ ስቶክሆልም ዝኸዳ፡ ብላፕላንድስፒለን ዝፍለጣ ኣውቶቡሳት ኣለዋ።

ካብ ማእከል ከተማ ቪልሀልሚና፡ ኣብ ናይ 12 ማይል ርሕቐት፡ መዕርፎ-ነፈርቲ ቪልሀልሚና፡ ይርከብ። ካብዚ መዕርፎ-ነፈርቲ'ዚ ናብ መዕርፎ-ነፈርቲ ስቶክሆልም፡ ናይ ቀጥታ በረራ ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ቪልሀልሚና፡ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱ ትካላት ይርከባ። ጽላት ቱሪስም ውን እንተኾነ ኣብ ምስፍሕፋሕን ዕብየትን ይርከብ። ኣብ መዳይ ክንክንንን ምሕብሓብን ብፍላይ፡ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ከጋጥም ከም ዝኽእል ጸብጻባት ዕዳጋ-ጉልበት፡ ይሕብሩ። ስሉጥ ናይ መጎዓዝያ ኣገልግሎት ብምህላዉ፡ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ኬድካ ምስራሕ ውን ይከኣኣል እዩ።