Östersund

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ኦስተርሱንድ ምሉእ ዓመት ኢና ንህይወት እነስተማቕራ፡ ግን ከኣ ክረምቲ ዝያዳ፡ ከመይሲ መብዛሕትኦም ደቂ ኦስተርሱንድ ንክረምቲ ከም ብልጽቲ ግዜ ገይሮም እዮም ዚወስዱዋ። ኩሉ ነቲ ናይ ህይወት መኣዛ እዩ ዘበርክተሉ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እታ ከተማ መጠነኛን ደስ እተብልን እያ። ናብ ኩሉ ቦታ ቀረባ እዩ፡ ማለት ንስራሕ፡ ንቤትትምህርቲ፡ ንኣገልግሎት ወይ ንዕረፍቲ ቦታታት። ደስ ኢሉካ ንኽትነብር ግዜ ኣሎ። ምስዚ ኩሉ ድማ ብርሃን ዝመልኦ ሓጋይን ናይ ሓቂ ክረምትን።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኦስተርሱንድ እትፈላለየ መንበሪ ኣባይትን ናይ ኣካረይቲ ትካላትን ኣሎ። ብዛዕባዚ ኣብ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ኣንብብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኦስተርሱንድ ብዙሕ ቋንቋ ይዝረብ እቲ መብዛሕትኡ ሰብ ዚዛረቦ ግን ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ታይላንድ፡ ፋርስ፡ ስዋሂሊ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ስፓኛ፡ ደቡብ ኩርድ፡ ቻይናን በርማን እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣስታት እተፈላለያ 500 ማሕበራት ኣለዋ፡ ከም ንኣብነት፡ ናይ ስፖርት፡ ናይ ዙረት፡ ናይ ብእግሪ ጕዕዞ፡ ናይ ባህሊ፡ ናይ ሓገዝ፡ ናይ ጥሮተኛታት ወዘተ። ብዙሓት ሃይማኖታውያን ማሕበራት ኣለዋ፡ ከምኡውን መስጊድ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ብዛዕባትን እተመዝገባ ማሕበራት ክትረክብ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኦስተርሱንድ ዳርጋ ኩሉ ዝደለኻዮ ትረክብ። ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ ናይ ምጽምባር ኣገልግሎት፡ ቤትንባብ፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ ድኳናት ኣብ ከተማ፡ ዕዳጋ ድማ ኣብ ወጻኢ ከተማ። ዘገልገለ ኣቕሑ ዝሸጣ ድኳናት ብዙሓት እየን።

ብዙሕ ተዓዛቢን ሓደ ዓቢ ስእሊ ዘርኢ ዓለባ ምርኢት ዘለዎ መድረኽን ኣብ ከተማ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ መላእ ኮምዩን ናይ ህጻናት ክንክን ኣሎ፡ ንሱ ድማ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ኣጸደ ህጻናት፡ መዘናግዒ ገዛ፡ ክፉት መዘናግዒ ንጥፈታትን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን ይጥርንፍ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኦስተርሱንድ 26 ናይ ኮምዩን ኣብያተቤትትምህርቲ ኣለዋ ከምኡውን ሓያሎ ብሕታውያን ኣብያተትምህርቲ። ንሳተን ኩሉ ዓይነት ስልጠን ኣለወን፡ ንኣብነት ስፖርት፡ ስነጽባቐ፡ ወዘተ..። እቲ ናይቲ ኮምዩን እተፈላለየ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ምስቲ ናይ የምትላንድ ዪምናስዩን እተጠርነፈ እዩ። ሰለስተ ብሕታውያን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ከኣ ኣለዋ። ነቶም ሙዚቃ ኪጻወቱ ወይ ኣብ ትያትር ኪዓዩ ወይ ድማ ፈጠራነት ዚደልዩ ድማ ኮሙናውን ብሕታውን ናይ ባህሊ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኦስተርሱንድ ንዓበይቲ ናይ ምምሃር ተኽእሎታት ኣሎ። ለርሰንትሩም ብዛዕባ ኩሉ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ዚምልከት መልሲ ኣለዋ። ብዙሓት ትካላት ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ የቕርባ እየን። ኣብዚ ኮምዩንዚ ሚትኡኒቨሲቲ ኣሎ፡ ካብ ኦስተርሱንድ ውጽእ ኢልካ ድማ ቢልካ ህዝባዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኦስተርሱንድ ሓያሎ ማእከላት ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ክሊኒክ፡ ናይ ህጻናት ክሊኒክን ናይ ስኒ ሕክምናን ኣለዋ። ሓንቲ ሆስፒታልን ብዙሓት ብሕታውያን ናይ ጥዕና ትካላትን ኣለዋ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ እተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ፡ ምስ ኮምዩንን እዚ ዞባን ምርኻብ እንተ ኣድልዩካን ናይ ተርጓማይ ኣድላይነት ኣለካ ኾይኑን፡ ክግበረልካ ይኽእል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ኦስተርሱንድ ብኣውቶቡስ ወይ ባቡር ወይ ብነፋሪት ክትንቀሳቐስ ትኽእል። ግሩም ዝኾነ ናይቲ ኮምዩን ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ። ኦስተርሱንድ ጽቡቕ ናይ ብሺግለታን ናይ ኣጋርን መገድታት ንኺህልዋ ትጽዕር እያ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኦስተርሱንድ ንጥፈታትን መሃዝነትን ብሩህ ተስፋን ይሰፍን፡ እቲ ኮምዩን ድማ ነቲ ቁጠባዊ ህይወት ንኸማዕብል ብዙሕ ይጽዕር። ኣብቲ ኮምዩን እተፈላለያ ዋኒናት ኣለዋ። ካብ ናይ ምህርቲ ኢንዱስትሪ ክሳዕ ናይ ጥበብን ኣገልግሎትን ቱሪዝምን ንጥፈታት።

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ቤትጽሕፈት ብዛዕባ ባዕላዊ ዋኒን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።

ከምኡውን ነቲ ናይ ኦስተርሱንድ ቤትጽሕፈት ዕዮ ክትበጽሖ ትኽእል ወይ ድማ ኣብቲ ናቶም ወብሳይት ኣቲኻ ስራሕ ክትሓትት ትኽእል።