ናትካ ትካል ምብጋስ ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 27 2 2024

ሓታት ዕቝባ ኣብ ዘሎኻሉ ግዜ ናትካ ትካል ከተበግስ ትኽእል ኢኻ።

ናትካ ትካል ንኸተበግስ ነዚ ዝስዕብ ከተማልእ ኣሎካ፡

  • ንናይ ትካል ግብሪ ፍቓድ ዘሎካ ክትከውን። እዚ ኤፍ-ስካት ይብሃል።
  • ሕኣደ መዛመዲ ቍጽሪ (samordningsnummer) ክህልወካ

ግብሪ ትካል

ግብሪ ትካል ኵሉ ግዜ ናብ ኤፍ-ስካት ይሓጽር። ኵልን ትካላት ንኤፍ-ስካት ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ፍቓድ ክህልወን ኣሎዎ። ናይ ኤፍ-ስካት ፍቓድ ንኽህልወካ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብዓል መዚ ግብሪ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

መዛመዲ ቍጽሪ (samordningsnummer)

ሓደ መዛመዲ ቍጽሪ ሓደ ዓይነት ግዝያዊ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት እዩ። ባዕልኻ ንሓደ መዛመዲ ቍጽሪ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ንኤፍ-ስካት እንተ ኣመልኪትካ፡ ብዓል መዚ ግብሪ ንዓኻ ሓደ መዛመዲ ቍጽሪ ከመልክቱልካ ይኽእሉ እዮም።

ሓተትቲ ዕቝባ ወነንቲ ትካል ንናይ ስራሕ ፍቓድ ከመልክቱ ኣይክእሉን እዮም

ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ሓደ ናይ ባዕልኻ ትካል እንተ ኣበጊስካ እሞ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ እንተ ተነጺጉ ንናይ ስራሕ ፍቓድ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ኣብ ሽወደን ስራሕ ተቘጺርካ እንተ ኔርካ፡ ዋላ'ውን እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ይነጸግ ንናይ ስራሕ ፍቓድ ከተመልክት ይኽእል ኢኻ።