መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘሎ ተኽእሎታት ዝጸሉ እንታይ እዩ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ (alternativt skyddsbehövande) እንተ ኾንካ፡ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ነፍስ ወከፍ ምልክታ ዕቝባ ብውልቂ ክምርመር ኣሎዎ። እዚ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ናትካ ኣብ ሽወደን ዕቝባ መሕተቲኻ ምኽንያት ይምርምሮ ማለት እዩ።

ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንስኻ መን ምኳንካን ስለ ምንታይ ካብ ሃገርካ ከም ዝወጻእካን ናብ ሃገርካ ክትምለስ እንተ ተገዲድካ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢልካ ከም ትኣምን ናይ ግድን ክትነግር ኣሎካ። ዋላ'ውን ከቢድ ይኹን ብዝተኻእለ መጠን ኣስፊሕካ ብዛዕባኻን ብዛዕባ ኵነታትካን ንገር።

ሓቂ ክትዛረብን ነቲ ዝነገርካዮ ከይትልውጥን ኣገዳሲ እዩ። እዚ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ድዩ ከይወሃበካ ክጸሉ ይኽእል እዩ።

ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ስደተኛታት፡ ሓደ ሰብ ከም ስደተኛ ጌርካ ንክቝጸር እንታይ ከም ዘድሊ ተገሊጹ ኣሎ። ከም ስደተኛ ንሰለስተ ዓመት ዘገልግል ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ።

ንስኻ ከም ስደተኛ ትቝጸር፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብምኽንያት እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከይትሳደድ ክትፈርሕ ብቑዕ ምኽንያት ኣለካ ኢሉ ምስ ዝግምግም እዩ፡

  • ዓሌት
  • ዜግነት
  • ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ ርእይቶ
  • ጾታ
  • ጾታዊ ዝንባሌ
  • ኣባል ናይ ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጕጅለ

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ገና ዕቝባ የድልየካ እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ እቲ መንበሪ ፍቓድ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ዝተናወሓ መንበሪ ፍቓድ ንኽልተ ዓመት እዩ ዘገልግል። ከምኡ’ውን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ግድን እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ኣሎካ። እንተ ቐልጠፈ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እቲ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓደ ሰብ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ (alternativt skyddsbehövande) ንኽቝጸር እንታይ ከም ዘድሊ ሓባራዊ ሕግታት ኣሎዎ። ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ ናይ 13 ኣዋርሕ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ ንኽትቝጸር ብዓል መዚ ኢሚግረሽን፡ ንስኻ ነዚ ዝስዕብ ሓደጋ ክትቃላዕ ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ ምስ ዝግምግም እዩ፡

  • ብሞት ክትቅጻዕ።
  • ንኣካላዊ መቕጻዕቲ፡ ስቅያት፡ ካልእ ዘይሰብኣዊ ወይ ዜዋርድ ኣተሓሕዛ ወይ መቕጻዕቲ ክትቃላዕ።
  • ዋላ'ውን ወትሃደር ከይኮንካ ብምኽንያት ብረታዊ ግጭት ክትጕዳእ።

ድሕሪ 13 ኣዋርሕ ገና ዕቑባ የድልየካ እንተ’ሎ ኾይኑ፡ መንበሪ ፍቓድካ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

ናይ ግድን እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ኣሎካ። እንተ ቐልጠፈ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እቲ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ሓተትቲ ዕቝባ ዋላ'ውን ከም ስደተኛታት ወይ ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮም ሰባት ኣይቈጸሩ ኣብ ፍሉይ ኵነት ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ይኽእል እዩ።

እዚ ንኣብነት ከቢድ ሕማም እንተ'ለካ ኾይኑ፡ ኣብ ምስግጋር ሰብ እንተ ተቓሊዕካ ወይ ኣብ ሓደ ገበናዊ ምርመራ ክትሳተፍ እንተ ኾንካ ግብራዊ ክኸውን ይኽእል።

ነዚ ዝስዕብ ተማልእ እንተ ኾንካ ኣብ ሽወደን ዕቝባ ክወሃብካ ኣይክእልን እዩ፡

  • ገበን ውግእ እንተ ፈጺምካ።
  • ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበን ዝፈጸምካ እንተ ኾንካ።
  • ካልእ ከቢድ ገበን ዝፈጸምካ እንተ ኾንካ።
  • ንጸጥታ ሽወደን ኣብ ሓደጋ ተእቱ እንተ ኾንካ።

ዋላ'ኳ ገለ ካብዞም ዝተዘርዘሩ ተግባራት ፈጺምካ እንተ ኾንካ፡ ኣብ ሃገርካ ንኽትቅተል ወይ ክትሳደድ ዘስግእ እንተ ኾይኑ፡ ገደብ ግዜ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ቤት ትምህርቲ ራድዮ (UR) ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣምር ስደተኛኣማራጺ ዑቝባ ዘድልዮ ሰብን ዘሎ ፍልልይ ዝገልጽ ፊልም ገይሮም ኣሎዉ። እቲ ፊልም ብሽወደንኛ እዩ። እቲ ፊልም ብሽወደኛ፡ ዓረብኛ፡ ኩርደኛ፡ ፋርሰኛ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ተሕተ-ኣርእስቲ ኣሎዎ።