ናብ ሽወደን ምምጻእ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ናብ ሽወደን ምስ መጻእካ ሽዑ ሽዑ ንዕቝባ ከተመልክት ኣሎካ።

ናብ ሽወደን ክትመጽእ ከለኻ ምስ ፖሊስ ዶብ እንተ ተራኺብካ

ናብ ሽወደን ክትጓዓዝ ከለኻ ምስ ፖሊስ ዶብ እንተ ተራኺብካ፡ ዕቝባ ክትሓትት ከም ትደሊ ንዕኦም ክትሕብሮም ኣሎካ። ፖሊስ ዶብ ኣብ መቈጻጸሪ ፓስፖርት ኣህጕራዊ መዕርፎ ነፈሪቲ፡ ኣብ መዓሸግ መራኽብን ኣብ ባቡር ምድርን ኣውቶቡሳትን ናብ ሽወደን ዝመጻሉ ቦታን ይርከቡ። እቶም ፖሊስ ዶብ ሓደ ሓደ ሕቶታት ክሓቱኻ እዮም። ድሕሪኡ ነቶም ሕቶ ዕቝባኻ ዝቕበሉካ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትረኽቦም ኢኻ።

ናብ ሽወደን ክትመጽእ ከለኻ ምስ ፖሊስ ዶብ እንተ ዘይተራኺብካ

ድሮ ኣብ ሽወደን እንተ ኣሊኻ ኾንካ ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ባዕልኻ ክትራኸቦም ኣሎካ። ናይ ግድን ናብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣሃዱ ምልክታ ክትከይድ ኣሎካ።

ኣሃዱ ምልክታ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ዮተቦርይ፡ ማልሞን ስቶኮልምን ኣለዉ። ብዘይ ወለዶም ናብ ሽወደን ዝመጹ ቈልዑ፡ ኣብ ቡደን፡ ኖርሾፒንግ፡ ሱንድስቫል፡ ኡመኦ፡ ኡፕሳላን ኦረብሩን ዕቝባ ክሓቱ እውን ይኽእሉ እዮም።