ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጻእካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 17 7 2023

ዕቝባ ንምሕታት ናይ ግድን ኣብ ሽወደን ወይ ኣብ ናይ ሽወደን ዶብ ክትህሉ ኣሎካ። ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጻእካ ወይ ኣብ ሓደ ናይ ሽወደን ኤምባሲ ዕቝባ ክትሓትት ኣይከኣልን እዩ።

ኣብ ሽወደን መሰል ዕቝባ ዘሎካ እንተ ኾይኑ ዝምርምር፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ሽወደን እዩ። ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዕቝባ ምሕታት ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ።

ከምኡ'ውን ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጻእካ ምእንቲ ኽትቀራረብ ኣብዚ ገጽ ዘሎ ሓበሬታ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጻእካ ኣብ ካልእ ሃገር ዕቝባ ሓቲትካ እንተ ኾንካ

ካብ ሓንቲ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ትርከብ ሃገር እንተ ኾንካ ሃዲምካ፡ ናብታ መጀመርታ ኣብ ኤውሮጳ ዝኣተኻላ ሃገር ዕቝባ ክትሓትት ኣሎካ። እዚ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU)፡ ኖርወይ፡ ኣይስላንድ፡ ስዊዘርላንድን ሊኽትንሽታይንን ዝተገብረ ስምምዕ ስርዓት ዳብሊን ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ዕቝባ እንተ ሓቲትካ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነዚ ዝስዕብ ምምርማር ይጅምር፡

  • ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብ ካልእ ሃገር ቪዛ ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑ።
  • ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ካልእ ሃገር ሓደ ሓደ ዓይነታት መንበሪ ፍቓድ እንተ ኣለካ ኾይኑ።
  • ናብ ሽወደን ኣብ ትመጻሉ ዝነበርካ ኣብ መንገድኻ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሃገር ዕቝባ ሓቲትካ እንተ ዄንካ።

ዝኾነት ካብዘን ነጥብታት ልክዕ እንተ ኾይና፡ ንናይ ዕቝባ ሕቶካ ሓላፍነት ትወስድ ሽወደን ኣይኮነትን። ደጊም ናይ ግድን ናብታ ቪዛ ዝሃበትካ ወይ መንበሪ ፍቓድ ወይ ዕቝባ ዝሓተትካላ ሃገር ተመሊስካ ክትከይድ ኣሎካ።

ይኹን'ምበር ኣብ ሽወደን ናይ ቐረባ ኣዝማድ እንተ ኣሎዉኻ ኾይኖም ፡ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ኣብ ሽወደን ክምርመር ይኽእል እዩ።