ባንክን ናይ ባንክ ሕሳብን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 19 1 2023

ባንክ

ባንክ ምስዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ነገራት ዝሰርሕ ትካል እዩ፣ ክፍሊት፣ ውህለላን፣ ልቃሕ ገንዘብን። ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ ገንዘብ ክትልቓሕ ኣይትኽልን ኢኻ ግና ዋሕስካ እንተኣፍቒዱ ከተዋህልልን ክትከፍልን ትኽእል ኢኻ። ዝበዝሕ ግዜ ዋሕስ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ስድርኡ እዮም ። ንክተዋህልልን ክትከፍልን ባንክታት ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ይእንግዳ ንኣብነት ባንክ ሕሳብ፣ ናይ ኢንተርነት ባንክን ቴለፎን ባንክን።

ሕሳብ ባንክ

ንውልቓዊ ቑጠባኻ ንምእላይ ናይ ባንክ ሕሳብ ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ንስኻ ትደልዮ ሕሳብ ዝተፈላለየ ስም ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ናይ ልቓሕ ሕሳብ፣ ናይ ምትሕልላፍ ሕሳብ፣ ውልቓዊ ሕሳብ፣ ወይ ክፍሊታዊ ሕሳብ። ሕሳብ እንታይ ስሙ ኣሎዎ ኣየገድስን እዩ። እቲ ዘገድስ ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ክትረክብ እዩ፣

  • ከም ደሞዝን ቍጠባዊ ሓገዝን ኣብ ሕሳብ ምእታው
  • ክፍሊታት ብምትሕልላፍ ባንክ፣ ባንክጂሮ(brevgiro)፣ ኣውቶጂሮ(autogiro)
  • ምውጻእ ጥረ ገንዘብ

ንስኻ ከም ሓታቲ ዑቕባ ባንክ ሕሳብ ከመይ ጌርካ ተውጽእ

ንስኻ ሕድገት ፍቓድ ስራሕ(AT-UND) ዘሎካ ሓታቲ ዑቕባ፡ ናይ ባንክ ሕሳብን ባንክ ካርድን ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ሕድገት ፍቓድ ስራሕ ኣብ ሽወደን ንክትሰርሕ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምዘየድልየካ ዘረጋግጽ ጭብጢ እዩ።

ኣብ ባንክ ዓሚል ቕድሚ ምኻንካን ከም ብዓል ባንክ ሕሳብን ባንክ ካርድን ዝኣመሰሉ ናይ ባንክ ኣገልግሎታት ቕድሚ ምጅማርካን እቲ ባንክ መንነትካ ክፈልጥ የድልዮ። ባንክ ገንዘብካ ካበይ ይመጽእ ከም ዘሎን ብኸመይ ኣገልግሎታት ባንክ ክትጥቐም ምኻንካን ክፈልጥ እውን የድልዮ እዩ። ስለዚ ኢኻ ቕድሚ ኣገልግሎታት ባንክ ምጅማርካ ገለ ገለ ሕቶታት እትሕተት። ንስኻ ከም ሓታቲ ዑቕባ ባንክ ንገለ ኣገልግሎታት ባንክ ጥራይ ክሓጽረካ ይኽእል እዩ።

ንሓታቲ ዕቕባ ብቐሊሉ ንምልላዮም፡ ብዓል መዚ ሚግራሽንን (Migrationsverket) ናይ ባንክ ማሕበርን (Bankföreningen) ፍሉይ ኣገባብ ኣቑሞም ኣሎዉ።

እዚ ኣገባብ እዚ ንስኻ ከም ሓታቲ ዑቕባ ባንክ ሕሳብ ንምኽፋት ኣልኤምአይ ካርድ (LMA-kort) ከተርኢ ኣለካ ማለት እዩ። ሕጋዊ ቕዳሕ ናይቲ ንብዓል መዚ ኢምግሬሽን ዝገደፍካሎም መረጋገጺ መንነት እውን ከተርኢ ከድልየካ እዩ። ሕጋዊ ቕዳሕ ማለት ምስ መበቖል (ተቐዳሒ) ሓደ ምኻኑ ዘርኢ ማሕተም ዘለዎ ማለት እዩ። ቐጺሉ ባንክ ነዚ ቕዳሕ ምስ መረጋገጺ መንነት ይሰማማዕ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ንክፍሊ ሚግራሽን ይውከስ።