ቤት ትምህርቲ፡ ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 19 9 2023

ኵሎም ቈልዑ ንኽምሃሩ መሰል ኣሎዎም። እቲ ኮሙን ንደቅኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦታ ክቕርበሎም ግዴታ ኣሎዎ። ኣብዚ ብዛዕባ ኣየኖት ሕግታት ከም ዘገልግሉን ብዛዕባ ደቅኻ ኣብ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ምእንቲ ክኽእሉ ኣየናይ ሓገዝ ከም ዝወሃቦምን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መሰል ንትምህርቲ

ውላድካ ብማዕረ ኵነት ከም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ቈልዑ መሰል ንመውዓሊ ህጻናት ኣሎዎ። ውላድካ ካብታ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኣላ ወቕተ-ትምህርቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ መሰል ኣሎዎ። መሰል ናይ ትምህርቲ ነዞም ዝስዕቡ ዓይነት ትምህርቲ ይምልከት፡

  • መውዓሊ ህጻናት
  • ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ
  • መባእታ ቤት ትምህርቲ
  • ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ (anpassad grundskola)
  • ፍሉይ ቤት ትምህርትን ናይ ናጻ ግዜ ቤትን

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ንዝምልከት፡ ውላድካ ቅድሚ 18 ዓመት ምምልኦም ትምህርቶም ጀሚሮሞ እንተ ነይሮም ኮይኖም ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎም።

ምስቲ ናትካ ኮሙን ርክብ ግበር

እቲ ትነብረሉ ኮሙን ንደቅኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦታ ክቕርበሎም ግዴታ ኣለዎ። ኣብ መውዓሊ ህጻናት፡ ኣብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ኣብ መባእታዊ ወይ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቦታ ዘድልዮም ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቈልዑ እንተ ሃልዮምኻ ኮይኖም ምስ ኮሙንካ ክትራኸብ ኣለካ። ከመይ ከም ትገብር እቲ ትነብረሉ ኮሙን ተወሳኺ ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ውላድካ ካብታ ምስቲ ኮሙን ርክብ ዝገበርካላን ውላድ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ቦታ ከም ዘድልዮ ዘመልከትካላን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ቦታ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ክቕረበሉ እዩ።

ውላድካ ብዝተኻእለ መጠን ብኡንብኡ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ክጅምር ወይ ቦታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክቕረበሉ ኣሎዎ። እንተ ደንጎየ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብ ሽወደን ምምጻእኩም ክፍጸም ይግብኦ።

ግምገማ

ግምገማ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ

ውላድካ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ክጅምር ከሎ ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ቈልዓ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክእለቱ ክግምግሙ የድልዮም እዩ። ኣብቲ ግምገማ ዕድመ፡ ዝቐደመ ፍልጠትን ውልቃዊ ኵነታትን ኣብ ግምት ይኣቱ እዩ። ውላድካ ትምህርቲ ካብ ዝጀመረላ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ እቲ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ውላድካ ኣበየናይ ደረጃን ክፍልን ከም ዝጅምር ክውስን ኣሎዎ። እቲ ግምገማ ንናይ ውላድካ ናይ ቀጻሊ ትምህርቲ መደብ ምውጻእ እውን የገልግል እዩ። እቲ ግምገማ ክግበር ከሎ ሓደ ኣስተርጓሚ ክግበር እዩ ወይ ናይቲ ቈልዓ ቋንቋ ኣደ ዝዛረብ መምህር ክገብሮ እዩ።

ውሉድካ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ክመሃር ዘድልዮ እንተ ዀይኑ

ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መባእታዊ ቤት ትምህርትን ፍሉይ ቤት ትምህርትን፡ ስንክልና ንዘለዎም ቈልዑ ብፍሉይ ዝተዳለዉ ክልተ ኣማራጺታት ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ እዮም።

እቲ ቈልዓ ቅድሚ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ምጅማሩ፡ ኣየናይ ዓይነት ቤት ትምህርቲ ብዝበለጸ ከም ዝሰማምዖ ንምፍላጥ መርመራ ይግበር።

እቲ ቈልዓ ቅድሚ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ክጅምር ምኽኣሉ፡ ወለዱ ወይ ናቱ ሞጕዚ ፍቓዶም ክህቡ ኣለዎም።

ግምገማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እቶም መምህራን ቀጻሊ ግምገማ ናይ ውላድካ ፍልጠት ክገብሩ እዮም። እቲ ግምገማ ንቐጻሊ ትምህርቲ ናይ እቲ ቈልዓ መሰረት እዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምምሃር ብወለንታ እዩ ዝግበር። ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ወይ መላለዪ መደብ ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብዞም ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ፡ ሞያዊ መደብን ንዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንምእታው መቀራረቢ መደብን ኣለዉ።

ኣብ ሞያዊ መደብ ትምህርቲ ክትምሃር ንኽትክእል ናይ ሽወደኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ፡ ሕሳብን ተወሰኽቲ ካልኦት ሓሙሽተ ዓይነት ትምህርትታትን ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድልየካ እዩ። እዚ ብጠቕላላ ናይ ሸሞንተ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድሊ ማለት እዩ።

ውላድካ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ መቀራረቢ መደብ ክምሃር ንኽኽእል፡ ናይ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ፡ ሕሳብን ካልኦት ተወሰኽቲ ትሽዓተ ዓይነት ትምህርቲን ዝሓለፈሉ ወረቐት ምስክር የድሊ። እዚ ብጠቕላላ ናይ ትሽዓተ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓለፈሉ ወረቐት ምስክር የድሊ ማለት እዩ።

ናብዞም ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ዘእቱ ነጥቢ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ መላለዪ መደብ ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ መላለዪ መደባት ትምህርቲ ዝምልከት ፍጥነት ትምህርቲ፡ መጠንን ትሕዝቶን ተዓጻጸፍቲ እዮም። እዞም መደባት ኣቐዲሙ ምስ ዝነበረካ ፍልጠትን ሕጂ ምስ ዘድዩኻካ ነገራትን ከም ዝሰማምዑ ክኾኑ ዘለዎም እውን እዮም።

መቀራረቢ ትምህርቲ

ውላድካ ኣብ መቀራረቢ ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ እንዳ ተማህረ ማዕረ ማዕሪኡ መባእታ ቋንቋ ሽወደንኛ ክምሃር ይኽእል እዩ።ዕላማ ናይ ውላድካ ኣብ ውሽጢ እቲ መቀራረቢ ትምህርቲ ሓደ ወይ ብዙሓት ዓይነት ትምህርቲ ዝምሃረሉ፡ እቲ ቈልዓ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብቲ ምዱብ ትምህርቲ ነቲ ትምህርቲ ምእንቲ ክከታተሎ ቅሩብ ንኽኸውን እዩ።

ውላድካ እንተ ነውሓ ንኽልተ ዓመት ኣብ መቀራረቢ ትምህርቲ ንኽምሃር ዕድል ክወሃቦ ይኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ ኵሉ ትምህርቱ ኣብዚ ትምህርቲ ክረኽቦ ኣይክእልን እዩ። ክንደይ ክፋል ብዝሒ ናይቲ ትምህርቲ ኣብ መቀራረቢ ክፍሊ፡ ክንደይ ክፍል ብዝሒ ኣብ ንቡር ክፍሊ ከም ዝወሃብ ካብ ቈልዓ ናብ ቈልዓ ይፈላለ እዩ። እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝውደብ እቲ ርእሰ ምምህራን ናይቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝውስን።

እቲ መምህር ናይቲ ቈልዓ ፍልጠት ኣብ መቀራረቢ ትምህርቲ ኣብቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ ክግምግሞ እዩ። እቲ መምህር እቲ ቈልዓ ኣብ ንቡር ክፍሊ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ክከታተል ይኽእል እዩ ኢሉ ምስ ገምገመ፡ እቲ ቈልዓ ኣብ ክንዲ ኣብ መቀራረቢ ክፍሊ ኣብቲ ትምህርቲ ክካፈል እዩ።

ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ

ውላድካ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ዓይነት ትምህርቲ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ትምህርቲ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ሽወደንኛ ከም ቋንቋ ኣደ ዘይብሎም ቈልዑ እሞ እቲ ቈልዓ ናቱ ኣድላይነት እንተ ኣሎዎ ኾይኑ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክምሃር ይኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክምሃር እንተ ኾይኑ ዝውስን እቲ ርእሰ-መምህራን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እዩ። ውላድካ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ንኽምሃር ኣድላይነት እንተ ኣሎዎ ኾይኑ ምስቲ ርእሰ-ምምህራን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ርክብ ግበር።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እቲ ውላድካ ዓይነት ትምህርቲ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክምሃር ይኽእል እዩ።

ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ውላድካ ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ውላድካ ቀዳምነት ዝተዋህዎ መደብ ግዜ እንተ ኣሎዎ ኾይኑ፡ እቲ ቈልዓ ተወሳኺ ትምህርቲ ናይ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክወሃቦ ይኽእል ማለት እዩ።

ውላድካ ምእንቲ ኣብ ሽወደንኛ ዝያዳ ግዜ ክረክብ ክኽእል ካብ ናይ ካልኦት ዓይነት ትምህርቲ ግዜ ምልጋስ ናይ ግድን እዩ። እቲ ጠቕላላ ግዜ ናይ ትምህርቲ ሓደ እዩ ዝኸውን። ግን እቲ ግዜ ኣብ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ምእንቲ ዝያዳ ክኸውን ነቲ ግዜ ተከፋፍሎ። ሓደ ቈልዓ ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ ክህልዎ እንተ ኾይኑ እቲ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝውስን። ሓደ ቈልዓ እንተ ነውሓ ንሓደ ዓመት ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ ክህልዎ ይኽእል።

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ

ውላድካ ሽወደንኛ ዘይኮነ ካልእ ቋንቋ ኣደ እንተ ኣሎዎ ኾይኑ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንኽወሃቦ መሰል ክህልዎ ይኽእል እዩ። ውላድካ ኣብ መውዓሊ ህጻናትን ክፍሊ ቅድመ ትምህርትን ነቲ ናቱ ቋንቋ ኣደን ቋንቋ ሽወደንኛን ክልቲኡ ከማዕብሎ ዕድል ክህልዎ ኣሎዎ። ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ሓደ ሓደ ጠለባት እንተ ተማሊኦም ውላድካ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንኽወሃቦ መሰል ኣሎዎ።

ውላድካ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ክወሃቦ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕብኡ ከተመልክት ኣሎካ። ከመይ ከም ትገብርን ኣየኖት ጠለባት ከም ዝሕተቱን ነቶም ቤት ትምህርቲ ሕተቶም።

ሓገዝ መጽናዕቲ ብቋንቋ ኣደ

እቲ ቈልዓ ድሮ ዝኽእሎም ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ዓይነታት ምእንቲ ክጥቀመሎም ክኽእል ሓገዝ መጽናዕቲ ብቋንቋ ኣደ ኣገዳሲ እዩ። ውላድካ ዘድልዮ እንተ ኾይኑ፡ ሓገዝ መጽናዕቲ ብቋንቋ ኣደ ክወሃቦ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓገዝ መጽናዕቲ ምስ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ መምህር ወይ ርእሰ መምህር ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።