መቐመጢ ቤት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 8 2023

ኣብ ሽወደን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክትቅመጥ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣፓርተማ ክትካረ ወይ ክትገዝእ ትኽእል። ሓደ ገዛ ክትካረ ወይ ክትገዝእ ትኽእል። ኣብዘን ገጻት ንኣብነት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ኣገባባት ምቕማጥን መንበሪ ንምርካብ ከመይ ክትገብር ከም ዘሎካን ሓበሬታ ትረክብ።

​ኩሉ ሰብ ንመንበሪ ቤት መሰል ኣለዎ

ኣብ ሽወደን ኩሉ ሰብ ንመንበሪ ቤት መሰል ኣለዎ። ንሓደ መንበሪ ቤት ዚደሊ ሰብ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምኽንያታት ክትንጽሎ ኣንጻር ሕጊ እዩ፤

  • ብብሔር
  • ብሃይማኖትን እምነትን
  • ብስንክልና
  • ብጾታ
  • ጾታዊ መንነንት ወይ ጾታዊ ግልጽነት
  • ጾታዊ ባህርያት
  • ዕድመ

ቤት ጽሕፈታት ጸረ ኣድልዎ

ኣብ ሽወደን እተፈላለያ ናይ ከባቢን ዞባን ጸረ-ኣድልዎ ቤት ጽሕፈታት ኣለዋ። ንዓኻ ንኣድልዎ ዝተቃላዕካ ምኽርን ደገፍን ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ

ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ (DO)፡ ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ ከም ዝሰዓብ ዘሎ ዝቈጻጸር መንግስታዊ ብዓል መዚ እዩ። ኣድልዎ እንተ ኣጋጢሙካ ናብ ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ (DO)፡ ሓበሬታ ክትህብን ጥርዓን ከተእቱን ትኽእል ኢኻ።

ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ (DO) ነቶም ሓበሬታታትን ጥርዓናትን ብቐዳምነት ሕጊ ከም ዝሰዓብ ዘሎ ንምርግጋጽ እምበር ንናይ ውልቀ ሰባት ኵነታት ፍታሕ ንምርካብ ኣይኮነን ዝጥቀመሎም።

ክትቅመጥ ከሎኻ ዘድልየካ ሓገዝ

ንስካ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኣብ ሓደ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ትቕመጥ ወይ ንስኻ ናብ ሽወደን ከም ናይ ብጺሒት ስደተኛ ትመጽእ፡ ኣብ ሓደ ኮሙን ናይ መንበሪ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ትርኢት ናይ መንበሪ ገዛውቲ፡ ነዋሕቲ ህንጻታትን ፍሉጥ ዝርኣ ቦታታትን።

ስእሊ፡ ሚሳክ ናልባንድያን


ኣብ ቀረባ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ንዝተዋህቡ፡ ኮሙናት ንኽቕበለኦም ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ይምድቡለን። ሓንቲ ኮሙን ምደባ ምስ ተዋህበት፡ እታ ኮሙን ንዓኻ መንበሪ ከተዳልወልካ ሓላፍነት ትወስድ ማለት እዩ።

ናበየነይቲ ኮሙን ክትምደብ ከም ትደሊ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምደባ ናብ ሓንቲ ኮሙን ሓንቲ ዕድል ጥራይ እያ ትወሃበካ። ኣይደልን እንተ ኢልካ ካብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናይ ቅበላ ስርዓት ትወጽእ። ካብቲ ግዜ እቲ ንንየው ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክፍሊትን መንበርን ክትረክብ መሰል የብልካን። ከምኡ'ውን መንበሪኻ ባዕልኻ ከተዳሉ ኣለካ።

ኮሙናት ኣብ ሽወደን

ኵሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ኮሙን ይነብር። ሓደ ኮሙን፡ ሓደ ከተማ፡ ሓደ ቁሸት ወይ ብዙሓት ቁሸታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን 290 ኮሙናት ኣለዋ።

ህዝባዊ ምዝገባ

ኩላቶም ኣብ ሃገር ሽወደን ዚነብሩ ኪምዝገቡ ይግባእ። ኣብኡ ድማ መንዮም ኣብ ሽወደን ዚነብሩ ኣበይከ እዮም ዚነብሩ ብዚምልከት ሓበሬታ ይምዝገብ።