ቍጠባ፡ ገንዘብን ፋክቱራታትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 5 2023

እታ ቍጠባ (ኤኮኖሚ) ትብል ቃል ካብ ናይ ግሪኽ ኦይኮኖሞስ ዝብል ቃል እያ መጺኣ። ኦይኮኖሞስ ምቝጣብ ማለት እዩ። እዚ ነቲ ሃብቲ ኣብቲ ዘድሊ ገደብ ውሽጢ ክትሕዞም ንኽትክእል መደብ ምውጻእ ማለት እዩ። ሃብቲ ኣብዚ ጕዳይ ገንዘብ፡ ኣቕሑት ወይ ካልኦት ርእሰ-ማል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናይ ምዓልታዊ ሂወት ቍጠባ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ዘሎ ሚዛን እዩ። ኣታዊታት ንኣብነት ደሞዝን ቍጠባዊ ሓገዝን እዩ። ወጻኢታት ንኣብነት ፋክቱራታትን ገንዘብ ንመሸመቲ ምግቢ፡ ክዳውንቲን ጫማን ዝኸውን እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ዘይተጸበኻዮ ነገራት የጋጥም እዩ። ኣብ ከምዚ ግዜ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ብቑልጡፍ ክትረኽቦ ትኽእል መሓለውታ ዝበሃል ዝተዋህለለ ገንዘብ ክህልወካ ጽቡቕ እዩ። እንተ ዘኮነ ነቶም ዘይተጸበኻዮም ወጻኢታት ክትኣልዮም ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ ኣገባብ ናይ ምዓልታዊ ሂወት ቍጠባ መደብ ንምውጻእ፡ ሓደ ቀሊል ባጀት ምግባር እዩ። ኣብቲ ባጀት ሓበሬታ ናይ ኵሉ ኣብ መደብ ዘሎ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ኣብ ሓደ ቦታ ትእክቦ። በዚ ኣገባብ ሓደ ሓፈሻዊ ስእሊ ኣብ ልዕሊ ቍጠባኻ ትረክብ።

ሕማቕ ምዓልታዊ ቍጠባ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ልዑል ወጻኢታት ናይ ምግቢ፡ ማኪናን ክዳውንትን ምህላው እዩ። ከምኡ'ውን ክቡር ወርሓዊ ዓሚልነት፡ ቅድመ-ጠለብ፡ ልቓሕን መድሕናትን ነቲ ናይ ምዓልታዊ ቍጠባ ንኸተካውኖ ከቢድ ክገብሮ ይኽእል እዩ።