ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ኣንተ ኣሎካ ኾይኑ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 21 2 2024

ኣብዚ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ እንታይ ክትገበር ከም ዘሎካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ንወረቐት ምስክር ናይ ትምህርትኻ ከተተርጕሞም ወይ ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርትኻ ከተገምግሞ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ኮምፕዩተር ኮፍ ኢሉ ኣሎ።

ስእሊ፡ ሚሳክ ናልባንድያን

ምትርጓም ናይ ወጻኢ ሃገር ወረቐት ምስክር

ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ እሞ እቶም ሰነዳት ናይ ትምህርትኻ ካብ ብእንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ እስጳንኛ፡ ጀርመንኛ ወይ ቋንቋታት ስካንዲናቭያ ብኻልእ እንተ ኾይኖም ከተተርጕሞም ኣሎካ።

እቲ ምትርጓም ናብ ሽወደንኛ ወይ ገለ ናብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቋንቋታት ብሓደ ፍቓድ ዘለዎ ተርጓሚ ክግበር ኣለዎ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ነቲ ሰነዳት ናብ ሽወደንኛ ክትርጐም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንዓኻ ደላይ ስራሕ ዝኾንካን ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ዝተመዝገብካን ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።

ገምጋም ንናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ

ኣብ ሽወደን ዘይኮነ ኣብ ካልእ ሃገር ትምህርቲ እንተ ወዲእካን ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት/ ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ኮም (EU/EES) ዜጋ ዄንካ ወይ ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ሓቲትካ ኣለኻ ዄንካ፡ ነቲ ትምህርትኻ ግምገማ ክግበረሉ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ (UHR) እቲ ናትካ ትምህርቲ መዳርግቲ ኣየናይ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ሽወደን ስርዓተ ትምህርቲ ምኳኑ ዘርኢ ርእይቶ ይጽሕፍ ማለት እዩ።

ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ (UHR) ከመይ ጌይሮም ንናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ከም ዝግምግምዎ ሓደ ፊልም ኣዳልዮም ኣለዉ። እታ ፊልም ብሽወደንኛ ጥራ ኮይና ብሽወደንኛ ጽሑፍ ኣለዋ።

ናይ ወጻኢ ሃገር ናይ ካልኣይ ደረጃ፡ ናይ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወይ ብኣካዳምያዊ ደረጃ ዝተወድኣ ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ብናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ (UHR) ግምገማ ክግበረሉ ይኽእል እዩ።

ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ (UHR)፡ ትምህርትኻ ኣብ ሽወደን ምስ ምንታይ ከም ዝዳረግ ክትፈልጠሉ ትኽእል ሓደ ናይ ግምገማ ኣገልግሎት ኣለዎም። ከምኡ'ውን ሽማግለ ይኒቨርሲቲን ኮለጅን ንናይ ትምህርትኻ ሰነዳት ገምጊሞም ርእይቶ ንኽህብሉ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እቲ ግምገማ ብናጻ እዩ።

ምልክታ ምእታው

እቲ ምልክታ ናይ ትምህርትኻ ምግምጋም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናብ ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ ክትልእኮ ኣገዳሲ እዩ።

ከምኡ'ውን ነቲ ምልክታኻ ክትልእኮ ከለኻ ኵሉ ዝጥለብ ሰነዳት ኣተሓሒዝካ ክትልእኮ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሽወደን ክትሰርሕ መሰል እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ኣብ ወጻእ ሃገር ተማሂርካ ንዝወዳእካዮ ትምህርቲ ክግምገመልካ እውን ተኽእሎ ኣለካ። እዚ ዜጋ ናይ ሓንቲ ኤውሮጳዊት/ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ዞባ ሃገር እንተ ዄንካ ወይ መንበሪ ፍቓድ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ወይ ብቝዕ ኤልኤምኣ-ካርድ ዘለካ እንተ ዄንካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ።

ናይ ትምህርትኻ መርትዖ ሰነድ የብልካን ድዩ?

ናይ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትኻ ብዲፕሎም ወይ ብዲግሪ እንተ ወዲእካ ኴንካ፡ ግን ከም ዝወዳእካ ዘርኢ ከፊል ወይ ብምልኡ ሰነዳት ዘይብልካ ኴንካ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ (UHR) ነቲ ትምህርትኻ ግምገማ ክገብርሉ ይኽእሉ እዮም። ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ (UHR) ግምገማ ክገብሩ ንክኽእሉ ትምህርትካ ዝወዳእካ ክትኸውን ኣለካ። ከምኡ'ውን ነቲ ናይ ትምህርትኻ ሰነዳት ስለ ምንታይ ክትረኽቦም ከም ዘይከኣልካ ክትገልጽ ኣለካ። ንኣብነት ስደተኛ ስለ ዝኾንካ ወይ ትምህርትኻ ኣብ ሓንቲ ውግእ ዘለዋ ሃገር ስለ ዝወዳእካ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ግምገማ ስራሕ ክትደሊ ከለኻ፡ ትምህርትኻ ክትቅጽል ወይ ናይ ዓቕምካ ብቕዓት ኣብ ምርግጋጽ ከም ሰነድ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ርእይቶ

ድሕሪ ሓደ ግምገማ ናይ ትምህርትኻ፡ እቲ ናትካ ትምህርቲ መዳርግቲ ኣየናይ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ሽወደን ስርዓተ ትምህርቲ ምኳኑ ዘርኢ ርእይቶ ክትወሃብ ኢኻ።

ሓደ ርእይቶ ሓደ ናይ ሽወደን ዲግሪ ኣይኮነን። እቲ ርእይቶ ነቲ ናትካ ናይ ወጻኢ ሃገር ዲግሪ መማልእቲ እዩ እምበር ንዕኡ ኣይትክኦን እዩ። እቲ ርእይቶ ንዓኻ ኣብ ሽወደን ስራሕ ትደሊ ዘሎኻ ሓደ ደገፍ እዩ። ነቲ ናትካ ርእይቶ ብምርኣይ ሓደ ወሃብ ስራሕ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ከም ዘሎካ ክርድኦ ይኽእል።

እቲ ርእይቶ ኣብ ሽወደን ትምህርትኻ ንምቕጻል መደብ እንተ'ለካ ኾይኑ ድማ ደገፍ ክኾነካ ይኽእል እዩ። ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ንምምልካት ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽመግለ ሓደ ግምገማ ክህልወካ ጠለብ ኣይኮነን። ምስቲ ምልክታኻ ተተሓሒዙ ካብቲ ተመልክተሉ ዘሎኻ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ እውን ግምገማ ናይ እቲ ናትካ ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።