ተቖጺርካ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ሰብ ምስራሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 10 10 2018

እዚ ሓበሬታ ካብ መጽሓፍ ብዛዕባ ሽወደን እዩ።

ስራሕ ምስ ተቖጸርካ፡ እቲ ምስቲ ወሃቢ ስራሕ ዘሎካ ናይ መሰልን ግዴታን መምርሒታት ክትፈልጦም ኣገዳሲ እዩ። እምበኣር እዚ ዝስዕብ፡ እቲ ምስ ተቖጸርካ ክትፈልጦ ዘለካ ነጥብታት እዩ።

መልክዓት ስራሕ

ክልተ ዓይነት መልክዓት ስራሕ ኣሎዉ:

  • ደረት-ኣልቦ ስራሕ (tillsvidareanställning)
  • ድሩት ስራሕ (tidsbegränsad anställning)

ደረት-ኣልቦ ስራሕ፡ ስሕት ኢሉ ቀዋሚ ስራሕ ተባሂሉ ይጽዋዕ'ዩ። እዚ ዓይነት ስራሕ'ዚ፡ ንግዚኡ ዝጸንሕ ወይ ምስ ግዜ ዝኸይድ ስራሕ እዩ። ዘብቅዓሉ ፍሉይ ዕለት የብሉን።

ድሩት ስራሕ፡ እዋናዊ ስራሕ (visstidsanställning) ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ'ዩ። ብሓፈሻ ግን ደረት ግዜ ዘሎዎ ስራሕ'ዩ።

ኣብነታት ካብ ዓይነታት ድሩት ስራሕ:-

ብዙሕ ዓይነታት ድሩታት ስራሓት ኣሎዉ።

ሓፈሻዊ ግዝያዊ ስራሕ

ሓፈሻዊ ግዝያዊ ስራሕ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ድሩት ግዜ ትሰርሕ ማለት እዩ። ወይ ከኣ ንሓደ ዕማም ንምውዳእ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ፍሉይ ግዜ ትሰርሕ ማለት እዩ። ንኣብነት ናይ ሓደ ፍሉይ ፕሮጀክት ሰራሕተኛ ኴንካ ንዝተወሰነ ግዜ ትሰርሕ። ወይ ድማ እቲ ሓለቓ ይድውለልካ'ሞ ብሰዓታት ክትሰርሓሉ ይሓተካ። እዚ ሓድሓደ ግዜ ሰዓታዊ ስራሕ ይብሃል።

ቪካርያት ወይ ተካኢ

ከም ቪካርያት ወይ ተካኢ ኴንካ ክትሰርሕ እንከለኻ፡ ናይ ካልእ ሰብ ስራሕ ኢኻ እትዓምም ዘሎኻ። እዚ ማለት ድማ፡ ንኣብነት ሓደ ብናይ በዓልቲ ቤቱ ምሕራስ ዕረፍቲ ዝወሰደ ሰብ።

ተሞክሮኣዊ ወይ ናይ ፈተነ ስራሕ (Provanställning)

ዝበዝሕ ግዜ፡ ደረት-ኣልቦ ስራሕ ክወሃበካ እንከሎ፡ ብናይ ምኮራኣዊ ስራሕ ኢኻ እትጅምሮ። ምኮራኣዊ ስራሕ፡ ሓደ ወሃብ ስራሕ፡ ከም ሰራሕተኛ ክፍትነካ ኢሉ ዝጥቀመሉ ሓደ ኣገባብ'ዩ። እቲ ምኮራኣዊ ስራሕ፡ ጸኒሑ ናብ ቀዋሚ(ቀዋሚ ስራሕ ክብሃል እንከሎ ትጅምረሉ እምበር ትውድኣሉ ኣይፍሉጥን። ስራሕ ወዲእካ ኣለኻ እንተተባሂልካ ግን ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ክምለሰልካ ኣለዎ።) ስራሕ ይቕየር። ምኮራኣዊ ስራሕ፡ ካብ ሽድሽተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ክኸውን የብሉን። ኣቐዲሙ ግን ከብቅዕ ይኽእል'ዩ።

ኣብ ሓደ ስራሕ ንብዙሕ እዋን ከየልገስካ ከም ሓፈሻዊ ግዜኣዊ ሰራሕተኛ ኴንካ ምስ እትሰርሕ ብመሰረት ሕጊ ቀዋሚ ስራሕ ክውሃበካ መሰል ኣሎካ። ማለት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ናይ ክልተ ዓመት ቀጻሊ ድምር ስራሕ ምስ እትሰርሕ፡ ሽዑ ናብ ቀዋሚ ሰራሕተኛ ክትሰጋግር ትኽእል። እዚ ድማ 'ኢንላሳድ' ምዃን ይብሃል። እዚ፡ ካብቲ 'LAS' ዝብል ናይ ምክልኻል ሰራሕተኛታት ሕጊ ዝነቐለ ቃል እዩ።

ደሞዝ

ወርሓዊ ዝኽፈል ቀዋሚ ደሞዝ፡ ወርሓዊ ደሞዝ ይብሃል። ሰዓታዊ ደሞዝ ምስ ዝኸውን ግን ኣብ ሰዓት ንዝሰራሕካዮ ዕማም ኢኻ ትኽፈል።

ውዕል ስራሕ

ስራሕ ምስ ረኸብካ፡ ውዕል ስራሕ ወይ ኮንትራት ስራሕ ትፍርም። ኣብቲ ዝፍረም ውዕል ስራሕ፡ እዞም ዝስዕቡ ክህሉዉ ኣለዎም። 

  • ስምን መለለዪ ቁጽሪ መንነትን (ፐርሾንኑመር)
  • ዕማምን መዝነት ስራሕን
  • ስም ወሃቢ ስራሕን ቦታ ስራሕን
  • ስራሕ እትጅምረሉ ዕለት
  • እንታይ ዓይነት ስራሕ ምዃኑ
  • ግዜ ስንብታ፡ (uppsägningstid) ማለት ካብ ስራሕ ግድን ከም እትሰናበት ካብ እትሕበረሉ መዓልቲ ክሳብ ስራሕ እተብቅዓሉ ዘሎ መዓልቲ።
  • ቅድሚ ግብሪ ምኽፋልካ እትረኽቦ ደሞዝ
  • ንኽንደይ እዋን ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ዓመት መሰል ከም ዘሎካ

ሰዓታት ስራሕ

ኣብ ሓደ ቦታ ስራሕ፡ እቲ ልሙድ ግዜ ስራሕ 40 ሰዓታት ንሰሙን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሰሙን 40 ሰዓታትምስ እትሰርሕ፡ ናይ ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ይብሃል። ኣብ ካልእ ሰዓታት፡ ንኣብነት ለይቲ ምስ እትሰርሕ፡ እቲ ሰሙናዊ 40 ሰዓታት ክጎድል ይግባእ። ሓደ ሰብ ልዕሊ'ቲ 40 ሰዓታት ንሰሙን ምስ ዝሰርሕ፡ እዚ፡ 'ኦቨርቲድ' ወይ 'ኦቨርታይም' ይብሃል። ልዕሊ ግቡእ ሰዓታት ምስ እትሰርሕ ካሕሳ ይግብኣካ እዩ።

ሕጊ ዕረፍቲ ዓመት

ብመሰረት 'ሕጊ ዕረፍቲ'፡ ሓደ ሰብ፡ እንታይ ዓይነት ስራሕ ይሰርሕ፡ ብኸፊል ወይስ ምሉእ መዓልቲ ይሰርሕ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ሰብ፡ እንተዋሓደ፡ ናይ 25 መዓልቲ ዕረፍቲ ዓመት ክወስድ ኣለዎ።" ዝብል ሕጊ ኣሎ። እዚ ግን ነቶም ብሰዓታት ዝሰርሑ ኣይምልከቶምን እዩ። ብሰዓታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ኣምሳያ ዕረፍቶም፡ 12 ሚእታዊ ናይ ምሉእ ደሞዞም(ቅድመ-ግብሪ) ከም ካሕሳ ናይ ዕረፍቲ ዓመት ይወስዱ።

ዝነበረኩም ናይ ስራሕ ግዜ፡ ዕረፍቲ ከይወሰድኩም ምስ ዝዛዘም፡ ኣብ ክንዲ ዕረፍትኹም፡ ገንዘብ ክውሃበኩም ይኽእል። እዚ ማለት ድማ፡ 12% ናይ ዓመታዊ ኣታዊኹም ይውሃበኩም ማለት'ዩ።

እናሰራሕካ እንከለኻ እንተ ሓሚምካ

ኣብ ስራሕ እንከለኻ እንተ ሓሚምካ፡ ኣብታ ዝሓመምካላ ፋልመይቲ መዓልቲ፡ ከም ዝሓመምካ ንወሃብ ስራሕ ሓብር። ኣብ'ተን ዝሓመምካለን ቀዳሞት 14 መዓልታት፡ ደሞዝ ሕማም (sjuklön) ዝኸፍለካ፡ ወሃብ ስራሕካ'ዩ። እታ ፋልመይቲ ዝሓመምካላ መዓልቲ 'ማዓልቲ-ብቕዓት (karensdag)' ትብሃል። እዚ ማለት፡ ናይታ ማዓልቲ'ቲኣ ደሞዝ ኣይትወስድን ማለት'ዩ። ካብታ ዝሓመምካላ ካልኣይቲ መዓልቲ ኣትሒዝካ 80 ሚእታዊ ናይ ደሞዝካ ትወስድ። ሓሚምካ ካብ ሸውዓተ መዓልቲ ንላዕሊ ካብ ስራሕ እንተ በዅርካ ካብ ሓኪም ምስክር ሕማም ከተምጽእ ኣለካ። ናይ ሓኪም ወረቐት እንድሕር ኣምጺእካ፡ ሕማምካ ቅቡል ኮይኑ ይቕጽል። እዚ ኸኣ ሕክምናዊ መወከሲ (medicinskt underlag) ይበሃል።