ኣብ ሽወደን እቲ ሓድሽ ሂወትካ ጀምሮ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 1 2024

መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ እንታይ ክትገብር ከምዘድልየካን ነየኖት በዓል መዚታት ክትውከስ ከምዘለካን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Skatteverket (ብዓል መዚ ግብሪ)

ናብ ሽወደን ክትግዕዝ ከለኻ ኣብዚ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ኣለካ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ናይ ግድን ናብ ሽወደን ከም ዝገዓዝካ ከተመልክት ኣለካ። ነዚ ናብ ሓደ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ብምብጻሕ ትገብሮ።

ናብ ሽወደን ከም ዝገዓዝካ ከተመልክት ናብ በዓል መዚ ግብሪ ክትኸይድ ከለኻ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ንኽትምዝገብ ናትካ ሓበሬታ እውን ክትህቦም ኣለካ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ንምምዝጋብ ናብ ሽወደን ምግዓዝኩም ከተመልክቱ ከለኹም፡ ኵሎም ናብ ሽወደን ዝገዓዙ ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ቈልዑ እውን ምሳኹም ክህልዉ ኣለዎም። ብዓል መዚ ግብሪ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምስ መዝገብኹም ናብቲ ከም ዝገዓዝኩም ዘመልከትክምሉ ኣድራሻ ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ዝሓዘ ደብዳቤ ክልእክልኩም እዮም።

ቅድሚ ናብ'ቲ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ምኻድካ ነቲ "Anmäl flyttning till Sverige" (ምምልካት ብዛዕባ ናብ ሽወደን ምግዓዝ) ዝብል ኣብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ቅጥዒ ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ እንታይ ሓበሬታን ሰነዳትን ከም ዜድሊ እውን ክትርኢ ኢኻ፣ ናብ'ቲ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ብዓል መዚ ግብሪ ምስ በጻሕካ ድማ ነቲ መስርሕ ከም ዝቀላጠፍ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ኵሉ ሰብ ነዚ ኤ-ኣገልግሎት ክረኽቦን ክጥቀመሉን ይኽእል እዩ። ነቲ መመልከቲ ቅጥዒ ምስ መላእካዮ ሓቲምካ ናብ'ቲ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ሒዝካዮ ክትከይድ ኣለካ። ኮምፕዩተር ክትረክብ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ኣብ'ቲ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ክትልቀሐን እትኽእል ኮምፕዩተራት ኣለዋ።

ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ይምዝገቡ እዮም። ኣብኡ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ኣየኖት ሰባት ከም ዝቕመጡን ኣበይ ከም ዝቕመጡን ሓበሬታ ይምዝገብ።

ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ምግዓዝ ከተመልክትን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ንኽትምዝገብን ክትከይድ ከለኻ፡ ነቲ ብዓል መዚ ግብሪ ካባኻ መልሲ ዝደልየሉ ሕቶታት መልሲ ክትህበሉ ክትክእል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ዝጐደለ ሰነዳት ወይ ዘይመለስካዮ ሓደ ሓደ ሕቶታት እንተ’ሎ ኾይኑ፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ንኽትምዝገብን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ንኽትረክብን ኣጸቢቑ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ንብዓል መዚ ግብሪ ቅኑዕ ሓበሬታ ሂብካዮም እንየ ዄንካ፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ንኽትምዝገብ ኣስታት ኣርባዕተ ሰሙን ክወስድ ይኽእል እዩ። እቶም ምሉእ ሓበሬታ ዝሓዙ ምልክታታት ቀዳምነት ይወሃቦም። ሓበሬታ እንተ ጎዲሉ ንነዊሕ እዋን ምናልባት እውን ንብዙሕ ኣዋርሕ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ንብዓል መዚ ግብሪ ቅኑዕ ናይ ርክብ ሓበሬታ ሂብካዮም ክትውን እውን ኣገዳስኢ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዘይመለስካዮ ወይ ዘይሃብካዮ ነገር ክሓትቱኻ ደልዮም ክረኽቡኻ እንተ ዘይክኢሎም ዝያዳ ክትጽበ ክትክእል ኢኻ። ስለዚ ቅድሚ ናይ’ቲ ምግዓዝ ዘመልከትካዮ መልሲ ምርካብካ ናብ ካልእ ቦታ ምስ ትግዕዝ ንብዓል መዚ ግብሪ ክትሕብሮም ኣገዳሲ እዩ። እቲ ወረቓቕትኻ ናብ ቅኑዕ ኣድራሻ ምእንቲ ክመጽእ።

ናብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት እዚ ዝስዕብ ክህልወካ የድሊ፡

  • ፓስፖርት፡ ፓስፖርት እንተ ኣልዩካ
  • ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ
  • ምርዑውን ዘይምርዕውን ምዃንካ ዘረጋግጽ ሰነድ
  • ቈልዑ እንተ ኣለዉኻ ኾይኖም ናይ ደቅኻ ወረቐት ምስክር ልደት
  • ኣድራሻኻ

ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ኣብ'ቲ ህዝባዊ መዝገብ ከም ዝተመዝገብካ መልሲ ምስ መጸካ፡ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) እውን ክመጸካ እዩ። ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ነዚ ዝስዕብ ኣድላዪ እዩ፦

  • ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ክትቅበል ንኽትክእል።
  • ናይ ባንክ ሕሳብ ምኽፋት
  • ንወረቐት መንነት ንኸተመልክት
  • ንኤለክትሮኒካዊ መንነት ንኸተመልክት።
  • ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ናይ መትከል እግሪ መደብ ንጥፈታት ንኽትካፈል።

ብሽወደንኛ ወረቐት መንነት identitetskort እዩ ዝብሃል፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ Id-kort ተባሂሉ ይሓጽር። ወረቐት መንነት ንኣብነት ካብ ፋርማሲ መድሃኒት ክትውሰድ ከለኻ ወይ ናይ ባንክ ጕዳያት ከተሳልጥ ከለካ መንነትካ ንምሕባር ትጥቀመሉ።

ኣይዲ ካርዲ ምእንቲ ክውሃበኩም፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ሽወደን ዝተመዝገብኩምን ብዕድመ ኸኣ 13 ዓመት ዝመላእኩምን ክትኮኑ ኣለኩም። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኹም ምስ እትኾኑ'ሞ፡ ኣይዲ ካርዲ ክውሃበኩም ምስ ዝድለ፡ ፍቓድ ወይ ኣፍልጦ ሓላፍነትኩም ዝወሰዱ ወለዲ ወይ ወላዲ (vårdnadshavare) ወይ ከኣ ናትኩም ተሓታቲ የድሊ። 'ሓላፍነት ትሕቲ ዕድመ ዝውንን ወላዲ' ክብሃል እንከሎ፡ እቲ ንትሕቲ ዕድመ፡ ማለት ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ውላዱ፡ ሕጋዊ ሓላፍነት ዝውንን ወላዲ ማለትና እዩ።

ቅቡል ዝኾነ ሰነድ፡ ንኣብነት ፓስፖርትኻ ብምርኣይ መንነትካ ከተረጋግጽ ትኽእል። ከምኡ’ውን ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድኻ ናብኡ ምሳኻ ሒዝካዮ ክትከይድ ኣለካ። ፓስፖርት ምስ ዘይህልወካ ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድኻ ጥራይ ሒዝካ ኺድ። መን ምዃንካ ከረጋግጽ ዝኽእል ሰብ ሒዝካ እውን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ወረቐት መንነት ክወሃበካ ንኸተመልክት፡ ናብ ሓንቲ ካብተን ናይ በዓል መዚ ግብሪ ናይ ኣገልግሎት ኣብያተ ጽሕፈት ክትከይድ ኣሎካ። ናብቲ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ቅድሚ ምኻድካ ቈጸራ ክትገብር ኣለካ።

ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ዝወሃበካ ወረቐት መንነት ንሓሙሽተ ዓመት እዩ ዘገልግል። እዚ ኣብ ሽወደን ተቐባልነት ዘለዎ ሰነድ መንነት እዩ። ካብ ሽወደን ወጻኢ ንምጋሽ ነቲ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ወረቐት መንነት ኣብ ክንዲ ፓስፖርት ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ወረቐት መንነት ኣብ ሽወደን ጥራይ እዩ ዘገልግል። ወረቐት መንነትካ እንተ ኣጥፊእካዮ ደዊልካ ከም ዝዕገት ግበሮ። ሽዑ ዝኾነ ካልእ ሰብ ነቲ ወረቐት መንነትካ ክጥቀመሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ወረቐት መንነትካ እንተ ተሰርቀ ንፖሊስ እውን ክትሕብሮም ኣለካ።

ባንክ

ንስኻ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካ ኣብ ምዝገባ ህዝቢ(folkbokföra) ብዝቐልጠፈ ክትኣቱ ይግብኣካ። ሽዑኡ ናይ ሽወደን ውልቓዊ መለለዩ ቑጽሪ ትወሃብ። እዚ ምስ ተዳለወ ንመለለዩ መንነት ሽወደን ተመልክት። ናይ ሽወደን መለለዩ መንነት ምስ ተወሃብካ ንባንክ ሕሳብ ከተመልክት ትኽእል።

ኤ-መንነት፡ ሓደ ኤለክትሮኒካዊ ሰነድ መንነት እዩ። ምስ ተራ ወረቐት መንነት ክመሳሰል ይኽእል እዩ። ኤ-መንነት ንኣብነት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወይ ኣፕ ብዝተኣማምን ኣገባብ መንነትካ ኣተጋጊጽካ ንምእታው ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣብነት ናይ ኤ-መንነት፡ ባንክ- ኢደ እዩ። ንኣብነት ከም ፍረያ ኤ-ኢደን አበ ስቨንስካ ፓስን ዝኣመሰሉ ካልኦት ብዙሓት ዓይነት ኤ-መንነት እውን ኣለዉ።

ባንክኢደ ንኣብነት ውዕል ንኽትኣቱን ኣብ ኢንተርኔት ንኽፍሊታት ክትፍርምን ምእንቲ መንነትካ እተረጋግጸሉ ሓደ ቀሊል ኣገባብ እዩ። ብባንክኢደ ጌርካ ኤለክትሮኒካዊ ክታም ምጥቃም ልክዕ ከምቲ ብኣካል ተንብሮ ክታም ብሕጋዊ መገዲ ቀያዲ እዩ።

ባንክ እዩ ንኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID) ዝዕድል። ኤለክርትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነት (BankID) ንኽትከፍት ናይ ሽወደን ውልቓዊ መለለዩ ቑጽሪ (personnummer) ክህልወካ ኣለዎ።

ውሕስነት፣

  • ባንክኢደ ውልቓዊ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ(e-legitimation) እዩ። ካልእ ሰብ ነቲ ኤለክትሮኒካዊ መንነት መረጋገጺ ክትከፍት እንተሓቲቱካ፣ ንኣብነት ብቴለፎን ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢ፡ ኤልክትሮኒካዊ መንነት መረጋገጺ ኣይትጠቐም።
  • ናይ ናትካ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID) ናይ ውሕስነት ቑጽሪ (Säkershetskoden) ውልቓዊ እዩ። ናይ ውሕስነት ቑጽሪ ብፍጹም ንዝኾነ ሰብ ኣይትሃብ። ንክትታለል ተኽእሎ ኣሎ።

ሞባይል ተሌፎን

ክትድውልን ጻውዒት ክትቅበልን፡ ኤስ.ኤም.ኤስ ክትሰድድን ኢንተርኔት ክትጥቀምን ንኽትክእል ሞባይል ተሌፎንካ ሲም-ካርድ ክህልዋ ኣለዎ። ሞባይል ካርድ እንተ ዓዲግካ ወይ ኵንትራት ወርሓዊ ዓሚልነት እንተ ኣቲኻ ንሞባይልካ ሲም-ካርድ ትወሃብ።

ሞባይል ካርድ ክትዕድጎ ከለኻ ትኸፍለሉን ድሕሪኡ ናይ ክንድቲ ዝኸፈልካሉ ዋጋ ክትድውል፡ ኤስ.ኤም.ኤስ ክትሰድድን ኢንተርኔት ክትጥቀምን ትኽእል።

ኵንትራት ወርሓዊ ዓሚልነት እንተ ኣቲኻ ምስቲ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ሞባይል ሓደ ውዕል ትፈራረም። ኣብቲ ውዕል እቲ ዋጋ ንኽንደይ ዝኣክል ኢንተርኔት፡ ብዝሒ ጻውዒትን ኤስ.ኤም.ኤስን ከም ዝሽፍን ሰፊሩ ኣሎ። ድሕሪኡ ወርሓዊ ፋክቱራ ይመጸካ።

ሞባይል ካርድ ክትዕድግ ከለኻ ምእንቲ ክትጥቀመሉ ክትክእል ናይ ግድን ብሽምካ ከተመዝግቦ ኣለካ። ነቲ ሞባይል ካርድ ከተመዝግቦ ከለኻ መንነትካ ብወረቐት መንነት፡ ፓስፖርት ወይ ሞባይል ባንክ-ኢደ ከተረጋግጾ የድልየካ እዩ።

Arbetsförmedlingen (ብዓል መዚ መራኸብቲ ስራሕ)

ናይ መንበሪ ፍቓድ ውሳኔ ምስ ተዋህበካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ርክብ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ዝፍቀደልካ እንተ ኾይኑ ይውስኑ።

ናብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ክትከይድ ከለኻ ነቲ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዝተዋህበካ ውሳኔ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምሳኻ ሒዝካዮ ኪድ። ብቐዳምነት ዝግበር ምሳኻ ዝሰማማዕ መደብ ንጥፈታት ምእንቲ ክግበረልካ ክኽእል ሓደ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮኻን ትምህርትኻን ግምገማ ምግባር እዩ። እቲ ግምገማ ቅድሚ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብካን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ምርካብን ክጅመር ይኽእል እዩ። ይኹን'ምበር ናይ መንበሪ ፍቓድ እተዋህበካ ዘርኢ ሰነዳት ክህልወካ ኣለዎ፣ መንነትካ ድማ ከተረጋግጽ ክትክእል ኣለካ። ኣብቲ ግምገማ ዝግበረሉ እዋን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት ክወሃበካ እዩ።

ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትምዝገብ ንኽትክእል፡ ናይ ግድን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ዝተወሃብካን ክትከውን ኣለካ። ስለ'ዚ እዩ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ምእንቲ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ነቲ ብዓል መዚ ግብሪ ናብ ሽወደን ምግዓዝ ከተመልክት ከለኻ ዘቕርቡልካ ሕቶታት ክትምልሶ ኣገዳሲ ዝኸውን።

ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዘእቱ ንጥፈታት ንኽትጅምር ኣብ መደብ መትከል እግሪ ዝተመዝገብካ ክትከውን ኣለካ። ሽዑ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ መትከሊ እግሪ ክፍሊት ንኸተመልክት ዕድል ኣለካ።

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ እንተ ኾይንካን ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ድማ ምስ ትሳተፍን፡እዚ ጽዑቕ-ዓመት ዝበሃል ንዓኻ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይንካ ኣብ ሰዓታት ስራሕን ነጻ-ግዜን ክትመሃር ወይ ናይ ስራሕ ልምምድ(ፕራቲክ) ክትገብ ትኸእል።እቲ ዕላማ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ንኽትረክብ እዩ።

Försäkringskassan (ብዓል መዚ ውሕስነት)

ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ናይ እግሪ መትከሊ መደብ ምስ ተመዝገብካ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ተመልክት። ኣብ ወወርሒ ናይታ ዝሓለፈት ወርሒ ተመልክት።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት፡ ክፍሊት መትከል እግሪ እንታይ ምኳኑን ነዚ ክፍሊት ንኸተመልክት ከመይ ከም ትገብርን መግለጺ ዝህብሉ ሓንቲ ፊልም ኣዳልዩ ኣሎ። እዛ ፊልም ብሽወደንኛ ጥራይ እያ ዘላ።

ንትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተ ሰብ ተመዝገብ

ልልይ ምስ ሕብረተሰብ፡ ንዓኻ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ናይ ናጻ ትምህርቲ እዩ።

መምርሒ ፍቓድ ኣብ ሽወደን

ኣብ ሽወደን ማኪና ክትዝውር ንኽፍቀደካ ናይ ግድን 18 ዓመት ዝመላእካን ኣብ ሽወደን ቅቡል ዝኾነ ፍቓድ መምርሒ ማኪና ክህልወካን ኣለዎ።