ብዛዕባ ምግምጋም ወዲ ኽንደይ ዓመት ምኳንካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 5 2023

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ብልክዕ ኣገባብ ክምርምርዎ ምእንቲ ክኽእሉ ወዲ ክንደይ ዓመት ምኳንካ ክፈልጡ ናይ ግድን ኣሎዎም።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ትሕቲ 18 ዓመት ከም ቈልዓ ይሕሰቡ። ንስኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾንካ ካብቲ ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾነ ዓቢ ሰብ ሓታቲ ዕቝባ ካልኦት መሰላት ኣሎዉኻ።

ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወዲ ኽንደይ ዓመት ምኳንካ ምንጋር እኹል ኣይኮነን። ንስኻ ዕቝባ ትሓትት ዘሎኻ እቲ ንስኻ ትብሎ ዘሎኻ ልኽዕ ምኳኑ ከተርኢ ናይ ግድን እዩ።

ምሳኻ ሰነዳት መንነት እንተ ኣሎዉኻ ኾይኖም

ምሳኻ ሓደ ሓደ ናይ መንነት ሰነዳት እንተ ኣሎዉኻ ኾይኖም ወዲ ኽንደይ ዓመት ምኳንካ ኣብኦም ሰፊሩ ኣሎ። ሓደ ናይ መንነት ሰነድ ንኣብነት ሓደ ፓስፖርት ወይ ወረቐት መንነት ክኸውን ይኽእል እዩ። ወዲ ኽንደይ ዓመት ምኳንካ መረጋገጺ እዩ።

ሓደ ሓደ ሰነዳት መንነት ዘብልካ እንተ ዄንካ

ምሳኻ ሓደ ሓደ ሰነዳት መንነት ዘይብልካ እንተ ዄንካ ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወዲ ኽንደይ ዓመት ምኳንካ ተርእየሎም ካልኦት ኣገባባት ኣሎዉ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ካብቲ ተርእዮም ተበጊሶም ናይ ዕድመ ግምገማ ይገብሩ። እዚ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብመሰረት እቲ ዘርኣኻዮም እቲ ዝነገርካዮ ዕድሜኻ ኪኸውን ዚኽእል እንተ ኾይኑ ይግምግሙ ማለት እዩ።

እቲ ናትካ ተሓዝ ጕዳይ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ክነግረካ እዩ። እዚ እንተ ኣሎካ ኾይኑ ንኣብነት ናይ ቤት ትምህርቲ ናትካ ወረቐት ምስክር ወይ ካልኦት ወዲ ኽንደይ ዓመት ምኳንካ ዝተጻሕፎም ወረቓቕቲ ምስክር ክኸውን ይኽእል እዩ። ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወዲ ኽንደይ ዓመት ምኳንካ ኵሉ መረጋገጺ ኣርእዮም።

ከምኡ'ውን ሓደ ሕክምናዊ ምውሳን ዕድመ ዝብሃል ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ሕክምናዊ ምውሳን ዕድመ

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዕድሜኻ ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ኢሎም እንተ ገምጊሞም፡ ሓደ ሕክምናዊ ምውሳን ዕድመ ክትገብር ዕድል ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ነዚ ሕክምናዊ ምውሳን ዕድመ ዝገብሮ ቦርድ ቤት ፍርዳዊ ሕክምና እዩ። ቦርድ ቤት ፍርዳዊ ሕክምና ሓደ ብዓል መዚ ኣብ ሽወደን እዩ። ኣብቲ ብዓል መዚ ንኣብነት ክኢላታት ዓውዲ ሕክምና ይሰርሑ።

ሕክምናዊ ምውሳን ዕድመ ክትገብር እንተ ዄንካ ቦርድ ቤት ፍርዳዊ ሕክምና ናባኻን ናብ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ደብዳቤ ክልእኽ እዩ። ኣብቲ ደብዳቤ ሕክምናዊ ምውሳን ዕድመ ንምግባር ከመይ ጌርካ ቆጸራ ከም ትሕዝ ሰፊሩ ኣሎ። ሕክምናዊ ምውሳን ዕድመ ብናጻ እዩ ዝግበር።

ሓደ ሕክምናዊ ምውሳን ዕድመ፡ ሓደ ሓኪም ስኒ ኣስናንካ ይምርምሮም፡ ሓደ ሓኪም ድማ ሓንቲ ካብ ኣብራኽካ ይምርምራ ማለት እዩ።

እቲ ዝተገብረ ምርመራ፡ ናብ ካብ እቲ ምርመራ እንታይ ከም ዘርኣየ ተበጊሱ ዕድሜኻ ብግምት ክንደይ ምኳኑ ዝግምግም ቦርድ ቤት ፍርዳዊ ሕክምና ይልኣኽ። እቲ ቤት ፍርዳዊ ሕክምና ነቲ ግምገማ ናብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ይልእክዎ።

ድሕሪኡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ግምገማ ናብ ናትካ ህዝባዊ ጠበቓ ይልእክዎ። እቲ ናትካ ህዝባዊ ጠበቓ እዚ እንታይ ማለት ምኳኑ ንኽርድኣካ ክሕግዘካ እዩ። እቲ ህዝባዊ ጠበቓ እቲ ናይ ዕድሜኻ ግምገማ እንታይ ከም ዘርኣየ ተመርዅሱ እንታይ ክትገብር ከም ምኳንካ እውን ክሕግዘካ እዩ።

ኣብዚ ቦርድ ቤት ፍርዳዊ ሕክምና ዝገበሮ ሓደ ፊልም ብዛዕባ ሕክምናዊ ምውሳን ዕድመ ክትርኢ ትኽእል። እቲ ፊልም ብሽወደንና፡ ዓረብኛ፡ ዳሪ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ኣሎ።

ብዓል መዚ ኢሚግራሽን ንዕድሜኻ ይግምግሞ

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ካብቲ ዘሎዎም ሓበሬታ ተበጊሶም ወዲ ክንደይ ዓመት ምኳንካ ይግምግሙ። ኵሉ ንበዓል መዚ ኢሚግረሽን ዘርኣኻዮ ኣገዳስነት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ካብቲ ዝነገርካዮም ትንእስ ወይ ትዓቢ ኢኻ ኢሎም እንተ ገምጊሞም፡ ኣብቲ ምልክታኻ ዘሎ ዕድሜኻ ክቕይርዎ እዮም።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ኢኻ ኢሎም እንተ ገምጊሞም፡ እቲ ናትካ ናይ ዕቝባ ምልክታ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከም ናይ ዓበይቲ ምልክታ ዕቝባ ክትሓዝ እዩ።

ምስቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ግምገማ ዘይትሰማማዕ እንተ ዄንካ

ቅድሚ 1 ለካቲት 2017 ዕቝባ ሓቲትካ እንተ ዄንካ

ቅድሚ 1 ለካቲት 2017 ዕቝባ ሓቲትካ እንተ ዄንካ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ፍቓድ ዝወሃበካ ወይ ዘይውሃበካን ምኳኑ ክውስኑ ከለዉ ብሓንሳብ ብዛዕባ ዕድሜኻ ይውስኑ።

ነቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ግምገማ ናይ ዕድሜኻ ዘይትሰማማዓሉ እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ ናይ ዕቝባ ምልክታኻ ነቲ ውሳኔ ይግባይ ክትብለሉ ከም ትመርጽ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ።

ድሕሪ 1 ለካቲት 2017 ዕቝባ ሓቲትካ እንተ ዄንካ

1 ለካቲት ወይ ድሕሪኡ እንተ ዄንካ ዕቝባ ሓቲትካ፡ ቅድሚ ናይቲ ዕቝባ ሕቶካ ውሳኔ ምርካብካ ሓደ ግዝያዊ ውሳኔ ብዛዕባ ዕድሜኻ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። እዚ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ቅድሚ ናይ ዕቝባ ምልክታኻ ውሳኔ ምርካብካ ከም ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ ልዕሊኡ ክትምዝገብ ክውስኑ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ።

ነቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ግምገማ ናይ ዕድሜካ እንተ ዘይተሰማሚዕካሉ፡ ነቲ ናይ ዕድሜኻ ውሳኔ ይግባይ ክትብለሉ ትኽእል ኢኻ።