ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጻእካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 17 7 2023

ዕቝባ ንምሕታት ናይ ግድን ኣብ ሽወደን ወይ ኣብ ናይ ሽወደን ዶብ ክትህሉ ኣሎካ። ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጻእካ ወይ ኣብ ሓደ ናይ ሽወደን ኤምባሲ ዕቝባ ክትሓትት ኣይከኣልን እዩ።

ኣብ ሽወደን መሰል ዕቝባ ዘሎካ እንተ ኾይኑ ዝምርምር፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ሽወደን እዩ። ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዕቝባ ምሕታት ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ።

ከምኡ'ውን ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጻእካ ምእንቲ ኽትቀራረብ ኣብዚ ገጽ ዘሎ ሓበሬታ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ቅድሚ ናብ ሽወደን ምምጻእካ ኣብ ካልእ ሃገር ዕቝባ ሓቲትካ እንተ ኾንካ

ካብ ሓንቲ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ትርከብ ሃገር እንተ ኾንካ ሃዲምካ፡ ናብታ መጀመርታ ኣብ ኤውሮጳ ዝኣተኻላ ሃገር ዕቝባ ክትሓትት ኣሎካ። እዚ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU)፡ ኖርወይ፡ ኣይስላንድ፡ ስዊዘርላንድን ሊኽትንሽታይንን ዝተገብረ ስምምዕ ስርዓት ዳብሊን ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ዕቝባ እንተ ሓቲትካ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነዚ ዝስዕብ ምምርማር ይጅምር፡

  • ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብ ካልእ ሃገር ቪዛ ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑ።
  • ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ካልእ ሃገር ሓደ ሓደ ዓይነታት መንበሪ ፍቓድ እንተ ኣለካ ኾይኑ።
  • ናብ ሽወደን ኣብ ትመጻሉ ዝነበርካ ኣብ መንገድኻ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሃገር ዕቝባ ሓቲትካ እንተ ዄንካ።

ገለ ካብቶም ነጥብታት እንተ ተሰማሚዖም መብዛሕትኡ ግዜ ሽወደን ኣይኮነትን ናይቲ ሕቶ ዕቝባ ሓላፍነት ዘሎዋ።

እቲ ኣብ ካልእ ሃገር ዝገበርካዮ ምልክታ ዕቝባ እንተ ዘይተመርሚሩ ወይ ነቲ ኣብ ካልእ ሃገር ዝገበርካዮ ምልክታ ዕቝባ ገለ ውሳኔ እንተ ዘይተዋሂቡካ፡ እቲ ናትካ ምልክታ ዕቝባ ኣብ ሽወደን ክምርመር ይኽእል እዩ።

ኣብ ሽወደን ስድራ ወይ ኣዝማድ እንተ ኣሎዉኻ ኾይኖም ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እቲ ናትካ ምልክታ ዕቝባ ኣብ ሽወደን ክምርመር ክውስን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እቲ ናትካ ምልክታ ዕቝባ ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ኤውሮጳ ክምርመር ክሓትት ይኽእል እዩ፡ ኣብታ ሃገር ስድራ ወይ ኣዝማድ እንተ ኣሎዉኻ ኾይኖምን ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ምስኦም እንተ ኾንካ ንዓኻ ዝበለጸ እዩ ኢሎም እንተ ሓሲቦምን።

ሚኒላ-ኣፐን (Miniila-appen) – ደገፍ ኣብ ምስዳድ ንዝርከቡ ቈልዑን መንእሰያትን

ሚኒላ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ኣብ ምስዳድ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ክሕግዘካ ዝኽእል ሓደ ኣፕ እዩ። እዚ ኣፕ ኣብቲ ዘለኻሉ ቦታ ኵሉ ካብ ምግብን ሕክምናን ክሳብ ሕጋዊ ምኽሪ ኣበይ ክትረክብ ከም ትኽእል ዝሓዘ ሓበሬታ ኣለዎ። ኣብዚ ኣፕ ብዛዕባ መሰላትካን ኮሮና ቫይረስን ሓበሬታ እውን ኣሎ። ብናጻን ክትጥቀመሉ ቀሊልን ኮይኑ እቶም ውልቃውያን ሓበሬታታት ናትካ ውሑሳት እዮም።

ሚኒላ-ኣፐን (Miniila-appen) ብቋንቋታት ዓረብኛ፡ ፋርሲ፡ ትግርኛ፡ ፈረንሳይኛን እንግሊዝኛን ኣሎ።

ሚሲን ቺልድረን ዩሩፕ (Missing Children Europe) ብዛዕባ ሚኒላ-ኣፕ ሓንቲ ፊልም ገይሮም ኣለዉ። እዛ ፊልም ብእንግሊዝኛ እያ። እዛ ፊልም ብእንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ፋርሰኛ፡ ፈረንሳይኛን ትግርኛን ተሕተ-ኣርእስቲ ኣሎዋ።