መንበሪ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 5 7 2023

ኣብ ሓደ ውሑስ ኣካባቢ ክትዓቢ መሰል ኣለካ። ብዛዕባ ናትካ መንበሪ ሓልፍነት ዘለዎም እቶም ኣብቲ ትንበረሉ ኮሙን ዘለዉ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እዮም።

ብ ሽወደን መጀመርታ ምስ መጻእካ፡ እታ መጀመርታ ትራኸባ ኮሙን እያ ንዓኻ ናይ ግዝያዊ መንበሪ ምድላው ሓላፍነት ትወስድ። ኣብዚ ንቑሩብ መዓልታት ጥራይ ኢኻ ክትቕመጥ። ድሕሪኡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣበየነይቲ ኮሙን ኣብ ሽወደን ክትቅመጥ ምኳንካ ይውስኑ። ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ናይ ቀረባ ኣዝማድ እንተ ኣለዉኻ ኾይኖም፡ ኣብታ ንሶም ዝቕመጥዋ ኮሙን ክትግዕዝ ክትኽእል ተኽእሎ ኣለካ።

ዝተፈላለየ ዓይነት መንበሪ ኣሎ፡

  • ሆቨበ-ሄም (ናይ ክንክንን መንበርን ገዛ)
  • ናይ ደገፍ መንበሪ
  • ቤት ስድራ
  • ናይ ገዛእ ርእስኻ መንገሪ ገዛ
  • ሲስ ሄም(ፍሉያት ናይ መንእሰያት መንበሪ ገዛ)

ኣየናይ መንበሪ ከም ዝሰማምዓካ ንምውሳን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሰምዓካን ምሳኻን ምስ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ክዝቲ ኣገዳሲ እዩ። ድሒሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብዝያዳ ዝምችእ መንበሪ ኣየናይ ምኻኑ ይግምግም። ካብዞም ዝስዕቡ ይብገሱ፣

  • ድልየታትካ
  • ዕድሜኻ
  • ምዕባሌኻ
  • ውልቓዊ ኩነታትካ።

ኣብቲ ግምጋመ እቲ ኮሙን ኣየኖት መንበሪ ገዛውቲን ኣየናይ ስምምዕን ከም ዘለዎም'ውን ኣብ ግምት ይኣቱ እዩ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንስኻ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ንክትረክብ'ውን ሓላፍትነት ኣለዎ፣

  • ብቑዕ ትምህርቲ ንኽትረክብ
  • እቲ ዘድልየካ ክንክን ጥዕናን፣ ሕክምናን፣ ክንክን ስኒን ንኽትረክብ
  • ዘድልየካ እንተኾይኑ ደገፍ ክትረክብ፣ ንኣብነት ሓደ ናይ ርክብ ሰብ ወይ ሓንቲ ናይ ርክብ ስድራ
  • ምስ ኣዝማድካ ንምርኻብ ሓገዝ ክትረክብ።

ኣብ ሓደ ሆቨበ-ሄም ናብ ሽወደን ብዘይ ወለዶም ዝመጹ መንእሰያትን ቈልዑን ይቕመጡ።

ሽማገል ጥዕናን ማሕበራዊ ውሕስነትን ንኣብ ሆቨበ-ሄም ትቕመጡ ሰባት ዝኸውን ሓበሬታ ዘለዎ ፊልም ኣዳልዩ ኣሎ።

ኣብቲ ሆቨበ-ሄም መግቢን፣ ዓራትን ክዳውንትን ይወሃበካ። ሰራሕተኛታት ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ኣብ መዓልቲ ብዘይምቑራጽ ኣብ ቦታ መንበሪ ኣለው። ሰራሕተኛታት ኣብቲ ቦታ ዝርከቡሉ ምኽንያት ንክሕግዙኻን ክድግፉኻን እዮ ። ምስቶም ስራሕተኛታት ብዛዕባ ንዓኻ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ክትዛረብ ትኽእል።

ኣብቲ መንበሪ ውሕስነት ክስምዓካ ኣለዎ። ከበድቲ ነገራት ሓሊፍካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እቶም ሰራሕተኛታት ክሰምዑኻን ንከበድቲ ስምዒታትካ ንክትኣልዮም ሓገዝ ክትረክብን ኣገዳሲ እዩ። እቶም ሰራሕተኛታት ካልእ ሓገዝ ዘድልየካ እንተኾይኑ እውን ክግምግሙ ኣለዎም። እዚ ንኣብነት ድራግ ስለትጥቐም ሓገዝ ዘድልየካ እንተኾይኑ፣ ሕማቕ ይስምዓካ ተኾይኑ ወይ ስንክልና እንተኣለካ ክኸውን ይኽእል።

ኩሎም ጽቡቕን ውሕስነትን ንክስምዖም ኣብ ሆቨበ-ሄም ናይ ኣከያይዳ ሕግታት ክህልው ይግባእ። እቶም ናይ ኣከያይዳ ሕግታት ምስቶም ተቐመጥቲ ሆቨበ-ሄም ብሓባር ክወጹ ይግባእ። ኩሎም ኣብ ሆቨበ-ሄም ዝቕመጡ ኣየኖት ናይ ኣከያይዳ ሕግታት ከም ዘለው ክፈልጡ ኣለዎም።

ናይ ደገፍ መንበሪ ንዓኻ ኣብ ክሊ ዕድመ 16-20 ትርከብ፡ ግን ብቐዳምነት ንልዕሊ 18 ዝዕድሚኦም መንእሰያት እዩ። ናይ ደገፍ መንበሪ፡ ሓደ ኣፓርታማ ወይ ምስ ካልኦት ክሽነ ወይ ካልእ ክፋል ገዛ እትካፈለሉ ሓደ ክፍሊ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ መንበሪ ኣቕሓ ገዛን ናይ ክሽነ መሳሪሒታትን ኣለዉ።

እቲ ናይ ደገፍ መንበሪ ናትካ መንበሪ ክሳዕ ትረክብ የዳልወካ። ኣብቲ ናይ ደገፍ መንበሪ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበርካዮ መንበሪ ዝለዓለ ሓላፍነት ክትወስድ ኣለካ። እቲ ዕላማ ባዕልኻ ናይ መግብን ኣቕሑ ገዛን ሓላፍነት ንኽትወስድ እዩ። ናይቲ መንበሪ ኣላዩ ገዛ ናይ ኣከያይዳ ሕጊ ንክህሉ ሓላፍነት ይወስድ።

ሕጂውን ገና ኣብቲ መንበሪ ደገፍ ክህቡኻ ዝኽእሉ ሰራሕተኛታት ክህልዉ ኣለዎም። እዚ ንኣብነት ግብራውያን ሕቶታት ክኾኑ ይኽእሉ፣ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ስምዒታትካ ወይ ንዓኻ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ምዝርራብ ክኸውን ይኽእል። ሰራትሕተኛታት ዕስራን ኣርባትዕተን ሰዓት ኣብ መዓልቲ ድልዋት ክህልው፣ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ ድማ ናብ መንበሪ ቦታ ክመጹ ክኽእሉ ኣለዎም።

ሓደ ቤት ስድራ ኣብ ገዝኦም ዝቕበሉኻ ስድራቤት እዮም። እዚ ኣቐዲምካ ትፈልጦም ስድራ ክኾኑ ይኽእሉ፣ ንኣብነት ቤተሰብካ ወይ ካልኦት መቕርብካ። ናይ መርበብ ንጥፈት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቕድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦም ስድራቤት እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኹለን ቤት ስድራ ይምርምረን እዩ። እዚ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብዘተፈላለየ መልክዕ ንቤት ስድራ ሓደ ቈልዓ ወይ ሓደ መንእሰይ ንምቕባል ብቑዓት እንተኾይነን ይምርምር ማለት እዩ።

ኣብቲ ቤት ስድራ መግቢን፣ ዓራትን ክዳውንትን ይወሃበካ። ውሕስነት ክስምዓካን ከም ኣካል ናይታ ስድራቤት ክትከውንን ኣለካ። እቶም ቤት ስድራ ናይ ትምህርትኻ፣ ናጻ ግዜኻ፣ ጥዕናኻን ርክባት ምስ በዓል መዚን ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም።

ሽማገል ጥዕናን ማሕበራዊ ውሕስነትን ንኣብ ቤት ስድራ ትቕመጡ ሰባት ዝኸውን ሓበሬታ ዘለዎ ፊልም ኣዳልዩ ኣሎ።

መንበሪ ፍቓድ ኣንተተዋሂብካ፣ ልዕሊ ዓሰረት ሸሞንተ ዓመት እንተኾንካን ነብስኻን መንበሪኻን ብግቡእ ክትኣሊ ከም ትኽእል ኣርኢኻን ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣፓርተማ ንክወሃበካ ዕድል ክቐርበልካ ይኽእል። እዚ ክሳዕ ባዕልኻ ኣፓርተማ ከተዳሉ ተኽእሎ ትረክብ ወይ ውዕል ገዛ ብስምካ ክሳብ ዝኸውን ካብ ኮሙን ኣፓርተማ ምልቓሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘድልየካ እንተኾይኑ ምስቶም ሓሓሊፎም ከመይ ከም ዘለኻ ክርእዩኻ ዝመጹ ናይ ማሕበራትዊ ኣገልግሎት ሰራሕተኛን ሓደ ናይ ርክብ ሰብን ዝቐጸለ ርክብ ክትገብር ትኽእል። እቶም ዝበዝሑ በይኖም ዝመጹ መንእሰያት 21 ዓመት ምስ መልኡ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይወጹ።

ንኣብ ንቡር ሆቨበ-ሄም ክነብሩ ዘይክእሉ መንእሰያት ኤስኣይኤስ-ሄም ዝበሃል መንበሪ ኣሎ። እዚኣቶም ብመንግስታዊ በዓል መዚ፣ ሃገራዊ ትካላዊ ኮሚተ ይምእዘኑ። ኣብ ኤስኣይኤስ-ሄም ከም ተነባዩ ብመሰረት ሕጊ LVU(ሕጊ መእለዩ መንሰያት) ትነብር። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንገዛእ ጥዕናኻን ምዕባለኻን ሃሳዩ ዝኾነ ጠባይ ኣለካ ኢሉ እንተ ገምጊሙ፡ ከምኡ'ውን ብድልየትካ ኣብ ክንክን እንተዘይተሳቲፍካ ኣብ ኤስኣይኤስ-ሄም ክትኣቱ ትኽእል።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ኤስኣይኤስ-ሄም ኣብ ሞንጎ ካልኦት ንጥፈታት ትምህርቲ፣ ኣካልዊ ልምምድ ማሕበራዊ ብቕዓት፣ ናይ ጉጅለ ዝርርብ፣ ናይ በይንኻ ዝርርብ ንኣብነት ምስ ናይ ስነኣእምሮ ኪኢላ የጠቓልል። ኣብቲ መንበሪ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣለው። ኣብኡ ዝርከቡ ሓገዝ ንክህቡኻን ንክድግፉኻን እዩ።

ኣብ ኤስኣይኤስ-ሄም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ምግዳድ ክጥቐሙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ንኣብነት እቶም ሰራሕተኛታት፣

  • ክትሕዞም ዘይግበኣካ ነገራት ምስኦም ክሕዝዎ
  • ኣብ ዕጹው ክፍሊ ንኽትህሉ ክውስኑ
  • ምስ ካልኦት ኣብ ኤስኣይኤስ-ሄም ዝርከቡ ሰባት ንከይትራኸብ ክውስኑ
  • ክዳውንትኻን ቦርሳታትካን ክፍትሹ።

እቶም ሰራሕተኛታት ቅድሚ ኣስገዳድ ምጥቃሞም ምሳኻ ክዛረቡ ክፍትኑ ኣለዎም። ምግዳድ ኣዝዩ ኣድላዪ እንተኾይኑ ጥራይ ክጥቐሙ ኣለዎም። ሰራሕተኛታት ከገድዱኻ እንተኾይኖም ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገብሩ ከብሩሁልካ ኣለዎም። ምግዳድ ንገለ ንኽቐጽዑኻ ክጥቀሙ ኣይፍቀድን እዩ።

ኣብቲ መንበሪኻ ዝኾነ ሕማቕ ዝኾነ ነገር እንተሃልዩ

ኣብቲ መንበሪኻ ዝኾነ ሕማቕ ነገር እንተሃልዩ ኾይኑ መጀመርያ ምስ ቤት ስድራ ወይ ኣብቲ ሆቨበ-ሄም፣ ኤስኣይኤስ-ሄም ወይ ኣብ ናይ ደገፍ መንበሪ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክትዛረብ ትኽእል። እዚ እንተ ዘይተዓዊቱ ምስ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሰራሕተኛ ክትዛረብ ትኽእል። ኣብ ሆቨበ-ሄም፣ ኣብ ናይ ደገፍ መንበሪ ወይ ኣብ ኤስኣይኤስ-ሄም ትቕመጥ እንተኾንካ ምስ ኣላዩ ናይቲ ገዛ ክትዛረብ ትኽእል።

ኢቮ (IVO ተቘጻጸርቲ ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ሓልዮትን) እዘን ዝተፈላለያ መንበሪ፡ ሕጊ ከም ዝኽተላ ዘለዋ ይቖጻጸር። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ወይ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ገለ ጽቡቕ ዘይሰርሕ ነገር እንተ ኣሎ ኾይኑ ናብ ኢቮ ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ምስ ባይቶኣዊ ተሓላቕ ፍትሒ፡ ዪኦ (JO) እውን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ዪኦ ነዘን ዝተፈላለያ መንበሪ ኣካላትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሕጊ ከም ዝኽተላ ዝቖጻጸር ካልእ ኣካል እዩ።

ኣብ ሓደ መንበሪ ምስ ተወዛዕካ እዋናዊ መወከሲ ሓበሬታ ናይ ንጉዳይካ ዝከታተል ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክወሃበካ እዩ። ንኢቮ ብኸመይ ከም ትረኽቦምን ነዞም ዝስዕቡ ዝምልከቱ ኣየኖት መሰላት ከም ዘለውኻን ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ፡

  • ኣብ መደባት ክንክን ጥዕና ምስታፍ
  • ብዛዕባኻ ኣብ ዕለታዊ መዝገብ ዝጽሓፍ ሓበሬታ ምርካብ
  • ምስ ወከልቲ ሽማግለ ማሕበራዊ ጕዳያት ምዝራብ
  • ርእይቶታትካን ጥርዓናትካን ናብ ሽማግለ ማሕበራዊ ጕዳያት ምብጻሕ

መንበሪ ምቕያር

እቲ መንበሪ ቦታ ንድልየታትካ ዘየማልእ እንተኾይኑ መንበሪ ክትቕይር ከድሊ ይኽእል ይከውን። ንኣብነት ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ውሕስነት እንተዘይተሰሚዑካ ወይ ዘድልየካ ምእላይ እንተዘይረኺብካ። ናይ ገዛ ምቕያር ኣድላይነት ዘለለይ እቲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መንበሪ ጽቡቕ የለን ኢሉ ዝኣመነ ንስኻ ወይ እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ምኽንያት መቐየሪ መንበሪ፡ እታ ቤት ስድራ ወይ መንበሪ ነቲ ዕማም ክፍጽምኦ ኣይከኣላን ኢለን ምስ ዝኣምና ክኸውን ይኽእል እዩ

ቈልዓ እንተ ኣለካ ኾይኑ

ትሕቲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት እንተ ዄንክን ቈልዓ እንተ ኣለኪ ኾይኑን ውላድኪ ብዝበለጸ መገዲ ንክትኣሊ ዘድልየካ ደገፍ ክትረክብ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ደገፍ ንኣብነት ካብ ግዝያዊ መጕዚኺ፣ ዝኾነ ካብ ኣብ መንበሪኻ ዝርከብ ወይ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክርከብ ይኽእል። ዋላ እኳ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣበርክቶ ተረኸብኺ ናይ ውላድኪ ክንክንን ጥዕናን ሓላፍነት ትወስዲ ግን ንስኺ ኢኺ። ምስ ክተዛርብዮ ዝበለጸ ኾይኑ ዝስምዓኪ ሰብ ተራኸቢ፡ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ንውሉድኪ ጽቡቕ ወላዲት ንምኻን ኣየኖት ነገራት ክትኽእልዮምን ክትምሃርዮምን ከም ዘድልዩኺ ዘትዪ። ኣብ ሽወደን ወላዲት ምዃን ምስ ኣብ ዓድኺ ወላዲት ምዃን ክወዳደር ከሎ ምናልባት ይፈላለ ይኸውን።

ክሳብ ትሕቲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ዝኾንኪ ብሕጊ ሽወደን ገና ቈልዓ ኢኺ ዘለኺ። እዚ፡ ንውሉድካ ዝትንክፉ ናይ ቍጠባ ሕቶታት ሓላፍነት ዝወስድ ፍሉይ ብዓል ሕድሪ ክትግበረልኪ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ማለት እዩ። ናይቲ ቈልዓ ልዕሊ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ዝኾነ ካልእ ሓደ ወላዲ እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ እዚ ሰብ እዚ ናይቲ ህጻን ብዓል ሕድሪ ክኸውን ይኽእል።