ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 1 2024

ናብ ሽወደን ቅድሚ ምስዳድካ ወይ ኣብ ትስደደሉ ዝነበርካ እዋን ካብ ስድራ ቤትካ ተፈላሊኻ እንተ ዄንካ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዳግመ ምትእኽኻብ ስድራ እንታይ እዩ?

ቈልዑ ምስ ስድርኦም ንኽቕመጡ መሰል ኣሎዎም። እዚ ኣብቲ ሽወደን ክታማ ዘንበረትሉ ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ብዛዕባ መሰላት ቈልዑ ሰፊሩ ይርከብ።

ምጥርናፍ ስድራ ቤት ማለት፡ ሓንቲ ስድራ ቤት ንኣብነት ብምኽንያት ውግእ ተፈላልያ ምስ እትነብር፡ ዳግማይ ክትጥርነፍ ትኽእል ማለት እዩ።

ናብ ሽወደን ብዘይ ስድራ ቤትካ መጺእካ እንተ ዄንካ፡ ብዓል መዝታት ሽወደን ስድራ ቤትካ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ወለድካ ወይ ካልኦት ኣዝማድካ ኣብ ሓደ ውሑስ ሃገር እንተ ሃልዮም ናብኡ ክትከይድ ክፍቀደካ ይኽእል እዩ።

ስድራ ቤትካ ኣብቲ ዘለውዎ ሃገር ውሕስነት ዘይብሎም እንተ ኾይኖም ኣብ ሽወደን ንኽነብሩ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከምዚ ኵነት ንስኻ ከም ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቑባ ዘድልዮ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ክትከውን ኣለካ።

መን’ይ ንምጥርናፍ ስድራ ቤት መሰል ክህልዎ ዝኽእል?

ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ስድራ ቤይካ ናባኻ ናብ ሽወደን ንኽግዕዙ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ስድራ ቤትካ ናባኻ ናብ ሽወደን ንኽግዕዙ መሰል እንተ ኣለዎም ኮይኑ ክምርምሩ ንኽኽእሉ፡ ንስኻ

  • ዘይተመርዓኻ ክትከውን
  • ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ክኸውን
  • ብዘይ ወለድኻ ወይ ብዘይ ካልእ መጕዚ ናብ ሽወደን ዝመጻእካ ወይ ናብ ሽወደን ድሕሪ ምምጻእካ በይንኻ ዝተገደፍካ
  • ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቑባ ዘድልዮ ሰብ ክትከውን
  • ናይ ሽወደን ዜግነት ዘይብልካ ክትከውን ኣለካ።

ዕድሜኻ ዋላ ልዕሊ 18 ይኹን፡ ኣብ ሽወደን ዕቑባ ክትሓትት ከለኻ ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትነብር፡ ስድራ ቤትካ ምሳኻ ክጥርነፉ መሰል ክህልዎም ይኽእል እዩ። እዚ ድሕሪ ከም ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቑባ ዘድልዮ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተወሃብካ ስድራኻ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ እንተ ኣመልኪቶም ጥራይ እዩ ዘገልግል።