ምንዋሕ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 1 12 2022

እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድካ ኣገልግሎቱ ክውድእ ከሎ ንምንውሑ ከተመልክት ተኽእሎ ኣሎካ። ጌና ዕቝባ የድልየካ ኣሎ እንተ ኾይኑ ዝተናውሓ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ ካልኦት ምኽንያታ እንተ ኣሎዉኻ ኾይኖም እውን መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ምዓስ ኢኻ ንምንዋሕ መንበሪ ፍቓድ ከተመልክት ዘሎካ?

ናይ ግድን እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ኣሎካ። እንተ ቐልጠፈ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እቲ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ናይ ብዓል መዚ ሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ ኣመልክት

ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ ምንዋሕ መንበሪ ፍቓድ ተመልክተሉ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ኣሎ። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ብሽወደንኛን እንግሊዝኛን እዩ። ነዚ ኣገልግሎት ኣቲኻ ክትጥቀመልኩ እንተኾይንካ ግድን ባንክ-ኢደ ክህልወካ ኣለዎ።