መላለዪ ምስ ሕብረተ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ልልይ ምስ ሕብረተሰብ፡ ንዓኻ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ናይ ናጻ ትምህርቲ እዩ።

መን ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ክምሃር ይኽእል?

ንስኻ ኣብዚ ቐረባ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካን ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ናይ እግሪ መትከሊ መደብ ዘሎካን ወይ ንስኻ ብምኽንያት መቕርብ ዝመጻእካ ኣብዚ ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ክትከይድ ትኽእል።

ስለምንታይ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ክትምሃር ኣሎካ?

ብዛዕባ ዘለዉኻ ግዴታታትን መሰላትን፡ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ደሞክራሲን ብዛዕባ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ብኸመይ ከም ዝተወደበን ፍልጠት ትረክብ። እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ግብራዊ መዓልታዊ ሂወት፡ ንኣብነት ንትምህርትን ስራሕን ዚምልከት ሕቶታት፡ መንበሪ፡ ክንክን ጥዕናን ቈልዑን ስድራን እዩ።

ዕላማ ናይቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ፡ ኣብቲ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ንኽትኣቱ ንዓኻ ቀሊል ንኽገብረልካ እዩ።

ነቲ ትምህርቲ ምስ ወዳእካዮ ሓደ ወረቐት ምስክር ክወሃበካ እዩ።

ናብቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ብኸመይ ተመልክት?

  • ኣብዚ ቐረባ ግዜ መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካን ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ናይ እግሪ መትከሊ መደብ ኣሎካ ኾይኑን፡ ናብቲ ትምህርቲ ንኸተመልክት ምስ ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ተዘራረብ።

  • ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ትምህርቲ ከመልክተልካ ይኽእል እዩ።

ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ብዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ምስቲ ትነብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር።

ብዛዕባ ሽወደን

"ብዛዕባ ሽወደን" ንዓኻ ብዛዕባ ሽወደንን ናይ ሽወደን ሕብረተ ሰብን ብዝያዳ ክትፈልጥ እትደሊ ዝኸውን ትሕዝቶ ናይ ልልይ ምስ ሕብረተ ሰብ ኣለዎ።