ስንክልና እንተ'ለካ ኾይኑ፡ ሕሙም ወይ ዝተጐዳእካ እንተ ዄንካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ንዓኻ ብኣካላ ወይ ብኣእምሮ ዝጸልወካ ድኽመት ተግባራዊ ዓቕሚ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ እዚ ስንክልና ምህላው ይብሃል። እዚ ንመዓልታዊ ሂወትካ ወይ ስራሕ ንኽትክእሎ ናውቲ ሓገዝ ወይ ደገፍ የድልየካ ይኸውን ማለት እዩ።

ሓገዝ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ንጥፈታት ንምስታፍ

ስራሕ ትደሊ እንተ ኣሎኻ ኴንካ፡ ኣብቶም ንዓኻ ስራሕ ንኽትረክብ ዘምርሑ ንጥፈታት ክትሳተፍ ክትክእል ኣገዳሲ እዩ። ንቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ስንክልና ከም ዘለካ እንተ ነጊርካዮም፡ እዞም ንጥፈታት ክመዓራረዩ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ'ውን ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ዕድላት ናይ ፍሉይ ደገፋት ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ዝነከየ ናይ ስራሕ ዓቕሚ ዘሎዎም ሰባት፡ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ዕማማት ወይ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ዝሰማማዕ ንኽኸውን ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ምስምማዕ ማለት፡ ከምቶም ካልኦት ኣብቶም ንጥፈታት ንኽትሳተፍ ወይ ንኽትሰርሕ ማዕረ ኵነት ምእንቲ ክህልወካ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ወይ ዕማም ገለ ምልዋጥ እዩ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣየናይ ሓገዝ ወይ ምስምማዕ ከም ዘድልየካ ምሳኻ ብሓባር ኮይኖም ክምርምርዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ስንክልናን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሓገዛትን ከም ዘለዉ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ይሰርሑ እዮም። ምሳኻ ብሓባር ኮይኖም ከመይ ጌርካ ኣብቶም ንጥፈታት ክትሳተፍ ንኽትክእል ውጥን ከውጽኡ እዮም።

ቍጠባዊ ሓገዝ

ስንክልና እንተ'ለካ ኾይኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃበካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ገንዘብ ክወሃበካ ይክእል እዩ፡

  • መዓልታዊ ሂወትካ ንኽትመርሕ ውልቃዊ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ
  • ክትሰርሕ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ
  • ክትሰርሕ ንኽትክእል ናውቲ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ
  • ትምህርትኻ ክትቅጽል ትደሊ እንተ ኾንካ
  • ትሰማምዓካ ማኪና ተድልየካ እንተ ኾይና