Lindesberg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሓደ ካብቲ ናይ ሊንደስበርይ ንምንባሩ ዚስሕበካ ጸጋታት እቲ ኮምዩን ብመልክዕ መዘናግዕን ባህላዊ ንጥፈታትን ተፈጥሮን ደጋዊ ዓለም ዚህቦ ተኽእሎታት እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ ከተማ ሊንደስበርይ። ብነጀው ሸነኽ ሓደ ባሕሪ። ብዙሓ ናሕሲ ናይ ገዛውትን ሓደ ግምቢ ናይ ቤተ ክርስትያንን ኣብ መንጎ እቲ ኣግራብ ቅልቅል ኢሉ ይርኣ።

እዚ ኮምዩን በዘን ዚስዕባ ከተማታት ዝቖመ እዩ፤ ፍረቪ፡ ፈሊንግስብሩ። ቨደቮግ፡ ስቱሮን ጉልድስመትሂታን። ቀንዲ ከተማ ሊንደስበርይ እዩ። ኣብኡ ግሩም ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን መስመራት ኣሎ፡ ከምኡውን ግሩም ናይ መኻይን ጽርግያታት። ኣብቲ ኮምዩንን ኣብቲ ከባቢን ኣብ ኢንዱትሪ ዘተኮራ ብዙሓት ዋኒናት ኣለዋ።

መንበሪ-ገዛ

1-3 ክፍልታትን ክሽነን ኣብ 2-3 መንበሪ ቤት ልሙድ እዩ፡ ግን ከኣ ኣብ ሰርቪስን ቪላታትንውን ኣሎ። እተን ዝዓበያ ናይ ኪራይ ኣባይቲ ትካላት እዘን ዚስዕባ እየን፤ Lindesbergsbostäder, Egeryds, Samuel Karlsson Fastigheter, Byggnadsfirman Lund ከምኡውን ካልኦት ነኣሽቱ ትካላት።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ዓረብ፡ ኩርድ፡ ሶማሊ፡ ዳሪ፡ ቦስንያ፡ ትግርኛ፡ ኪሩንዲ፡ ካረንን ካልኦትን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ናይ ሊንደስበርይ ኮምዩን ብዙሕ ስፖርታዊ ማሕበራት ኣለዎ። እቲ ዝዓበየ ናብ ኵዕሶ እግርን ኢድን፡ ቮሊቦልን ጁዱን ዘተኮረ እዩ። እቲ ናይ ሊንደስበርይ ኣረና፡ ብዙሓት ስፖርተኛታት እዮም ዚዕለሙሉ፡ ኩሉግዜ ድማ በቶም ኣብ ስፖርት ዝግደሱ መንእሰያትን ዓበይትን ምስ መልአ እዩ።

ናይ ሶማል ማሕበርን ናይ ኣፍሪቃ ባህላዊ ማሕበርን ኣሎ። ሊንደስበርይ ጥቓቲ ብዙሕ ሃይማኖታውን ባህላውን ማሕበራት ዘለዎ ከተማ ኦረብሩ እዩ።

ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ክሪስቲን ቤትክርስትያንን ከምኡውን ናይ ፐንተኮስት ቤትክርስትያን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታት ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣኼባ ይገብራሎም። ቀዪሕ መስቀል ድማ ናይ ትምህርትን ቋንቋ ሽወደንን ንደቀንስትዮ ድማ ኢደጥበብን ተቕርብ።

ኣብቲ ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ዝነብሩሉ ቦታ ናይ ቛንቋ ሽወደን ስልጠና ዚህብ መራኸቢ ቦታ ኣሎ። ነቶም ካብ ወለዶም ትምህርታዊ ደገፍ ኪረኽቡ ዘይክእሉ ህጻንት ሓገዝ ኣሎ። እተፈላለያ መጽናዕቲ ጉጅለታት ንከም ኣብነት ንደሞክራስን ናይ ምዝዋር ማኪና ተዮሪን ዚምልከት ኣኼባ የዳሉዋ። ገለ ጸገማት ንኸይህሉ ወይ ምይይጥ ዘድልዮ ጉዳይ ንኸይህሉ ድማ ንተኻረይትን ኣካረይትን ናይ ኣኼባ ቦታ ኣሎ። ናይ ጸሎት ቦታውን ኣሎ።

ሓደ

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሊንደስበርይ ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣሎ፡ ከምኡውን ናይ ቀረጽ በዓል ስልጣን፡ ናይ ጥሮታ በዓል ስልጣንን ናይ መድህን ቤትጽሕፈትን ኣገልጎት ቤትጽሕፈት ኣሎ። እቲ ኣብ ሊንደስበርይ ዘሎ ቤትንባብ ኣብ ስቱሮ፡ ፍረቪን ፈሊንግስብሩን ቅርንጫፍ ኣለዎ። ናይቲ ኮምዩን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሊንደስበርይ ይርከብ።

ኣብኡ ብዙሕ ግሮሰሪታት ንኣብነት ሊድል፡ ኢካ፡ ሀምሾፕን ዊሊስን ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩንን ኣብ ኦረብሩን ፍሉይ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ግሮሰሪታትን ሰከንድሃንድ ቡቲካትን ይርከብ።

ኢከያ ካብ ሊንደስበርይ 50 ኪሎመተር ርሒቑ ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኩሉ ዓበይቲ ከተማታት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ኣብ ሊንደስበርይ ናይ ስድራቤት ማእከል፡ ንሱ ከኣ ናይቶም ወለዲ ኪኾኑ ዝዳለዉ ዘለዉን ናይቶም ካብ 0-6 ዝዕድመኦም ህጻናትን መራኸቢ እዩ። ኣብኡ ምስ ሰባት ክትላለን፡ ቡን ክትሰትን፡ ብዛዕባ ንወላዲ ዘጋጥሞ ብድሆታት ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሊንደስበርይ ኮሙናዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ - ሊንደስስኩላን። እቲ ቤትትምህርቲ ንተመሃሮ ናይ ኮለጅ ምድላውን ናይ ሞያ ምድላውን መደባት የቕርብ። ኣብቲ ቤትትምህርቲ ብድምር 14 ሃገራዊ መደባት ኣሎ። እንታይ ዓይነት ፕሮግራም መሪጽካ ብዘየገድስ ንትምህርትን ስፖርት መደባትን ክትሕውሶ ትኽእል ኢኻ።

ነቶም ብዘይካ ሽወደን ካልእ ናይ ኣደ ቋንቋ ዘለዎምን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሃገራዊ ፕሮግራም ንኺሳተፉ ዝደልዩን፡ ናይ ቋንቋ መእተዊ ትምህርቲ (SI) ኣለዎም። እዚ ነቶም ኣብ ኮለጅ ኪቕጽሉ ዚደልዩ ወይ ሞያዊ ስልጠና ኪህሉዎም ዚደልዩ ጠቓሚ እዩ።

ኣብ ሊንደስበርይ፡ ስቱሮን ፍረቪን መባእታ ቤትትምህርቲ (ላዕለዋይ ደረጃ) ኣሎ። ታሕተዋይን መለስተኛን ደረጃ ኣብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ናይ ስራሕ ዕዳጋ ምምሕዳር፡ ማሱግነን፡ ናይ ሊንደስበርይ ኮምዩን ለርሰንትሩም እዩ። ከም መራኸቢ ቦታ፡ ደላላን ሞቶርን የገልግል - ንስራሕን ትምህርትን።

ማሱግነን ናይዚ ዚስዕብ ሓላፍነት ይወስድ፤

  • ትምህርቲ ንዓበይቲ ብመባእታውን ካልኣይ ደረጃን ጽፍሒ
  • ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት
  • ምቕባል ስደተኛታት
  • ፍሉይ ትምህርቲ ንዓበይቲ
  • ሞያዊ ስልጠና፡ ዪርከስቩክስ
  • ሞያዊ ስልጠና ኮለጅ
  • ምትሕብባር ትምህርቲ ኮለጅ
  • ናይ ኮሚሽን ስልጠና
  • ናይ ስራሕ ዕዳጋ ስልጠና

ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣሃዱ ኣብ ማሱግነን ዚርከብ ነብሱ ዝኸኣለ ኣሃዱ እዩ። ኣብኡ ምስቶም ንሓዋሩ ኣብ ጥቓ ስራሕን ትምህርትን ኪኾኑ ዚደልዩ ስራሕን ደገፍን ዚደልዩ ሰባት ኮንካ እዩ ዚስራሕ።

Fellingsbro folkhögskola ናይ ፈሊንግስብሩ ህዝባዊ ኮለጅ ነቶም ኣብ ማሱግነን ዘለዉ ወጻእተኛኣታት ሓፈሻዊ ኮርሳት ኣለዎ።

እቲ ኮምዩን ምስ እተፈላለያ ናይ ኦረብሩ ወረዳ ኮምዩናት ብምትሕብባር ብቛንቋ ኣደ ዚወሃብ ናብ ሕብረተሰ ምልላይ ዝዓለመ ስልጠና ይህብ።

ሓደ ሽሮዋይ ናይ እምኒ ፋሳድን ቀይሕ ናሕስን ዘለዎ ህንጻ። ኣብቲ ፋሳድ

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሊንደስበርይን ስቱሮን ፈርቪን ፈሊንግስብሩን፡ ማእከል ጥዕናን ናይ ስኒ ሕክምናን ኣሎ። ኣብ ሊንደስበርይ፡ ሆስፒታል ምስ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤትን ክኢላታትን ኣሎ። ከምኡውን ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክ ኣሎ። ኣብ ኦረብሩ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ናይ ቶርጎምቲ/ምትርጓም ኣገልግሎት ካብ ኣውራጃ አረብሩን ከባቢኡን ኢና እነምጽእ። ብኣካልን ብተለፎንን ተርጓማይ ኪምደብ ይኽእል። ንብዙሕ ቋንቋታት ዚትርጉሙ ብዙሓት ተርጎምቲ ኣለዉ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ በርይስላገን ባቡር ኣብ ሊንደስበርይ፡ ስቶሮን ፍረቪን ደው ይብልን ነቲ ኮምዩን ድማ የገልግልን። ኣብ መንጎ ኦረብሩን ካልኦት ክፋላት ናይቲ ኮምዩንን ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ። ግሩም መራኸቢታት ብምህላዉ ናብ ሓደ ቦታ በጺሕካ ምምላስ ቀሊል እዩ።

ሓደ ብዙሕ መጸበይ ኣውቶቡስ ዘለዎ መቖም ኣውቶቡስ። ኣብቲ መቖም ኣውቶቡስ ብዙሓት ዝጽበዩ ሰባት ኣለዉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ካብቶም ብሕታውያን ሰክተራት እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ፤ Meritor, BillerudKorsnäs Frövi, Korsnäs Rockhammar AB, Nammo LIAB AB, PorPac AB, Linde Maskiner AB. እየን። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሰክተር፡ ሊንደስበርይ ኮምዩንን ሊንደስበርይ ሆስፒታልን ኣገደስቲ ናይ ስራሕ ቦታታትን ብዙሕ ሰራሕተኛታት ዘለወንን እየን።

እቲ ኮምዩን ናይ ውልቅን ባዕላውን ኮንሳልተሽን ንምጅማር ናይ ጉጅለ ሓበሬታ የቕርብ።

ሓደ