Kiruna

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኪሩና ናይ ምግናን ኮምዩን እያ። ናይ ካልኦት ከተማታት ታሪኽ ብንእሽቶ ፍረ እዩ ዚጅምር፡ ደሓር ይዓቢ። ኪሩና 120 ዓመታት ይገብር ኣብ ምድረበዳ እያ ተተኺላ፡ ብዕንደራን ፍልጠትን ድማ ተደኲዓ፡ ተተኲሳ ድማ። ኣብዚ፡ እቲ ብርሃን ኣዚዩ ብሩህ እዩ፡ እቲ ቁሪ ዝያዳ ቁሪ፡ እቲ በሪኽ ዝበረኸ፡ እቲ ስፍሒ ዝዓበየ፡ እቲ ኣቀማምጣ መሬት ድማ ካብ ኩሉ ቦታታት ሽወደን ኣዚዩ ናብ ሰሜን ገጹ ዝረሓቐ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ንምብራቕ ገጹ ዝርከብ ኣብ ምህናጽ ዘሎ ሓድሽ ናይ ኪሩና ማእከል ከተማ። ዕፍሪት ኣብ ጥቓ እቲ ዝህነጽ ዘሎ ሓደሽቲ ህንጻታት ቆይመን ኣለዋ።

ፍሉይን ምንጽጻር ዝመልኦን ቦታ። ኣብኡ ጸሓይ ን50 መዓልታት ሓጋይ ተብርህ። ካብ መጠረስታ ግንቦት ክሳዕ ፍርቂ ሓምለ ጸሓይ ትሕቲ ደረትትርኢት ኣይትወርድን። ብግዜ ክረምቲ፡ ን20 መዓልቲ ማለት ካብ ታሕሳስ 12-31 ናይ ሰሜናዊ ዋልታ ለይቲ እዩ። ሽዑ እታ ጸሓይ ልዕሊ ደረት ትርኢት ኣይትቕልቀልን። ኪሩና ሰለስተ ቋንቋታት ዚዝረቦ ቦታ እዩ፤ እዘን ናይ ሽወደን፡ ሰሚስካን ቶርነላድስካ ባህሊታት ጎድኒ ንጎድኒ ኮይነን ይነብራ። ኪሩና ምስ ኖርወይ ትዳወብ እያ፡ ብምብራቕ ድማ ምስ ፊንላንድ፡ ስለዚ ናይ ሃገር ዶብ እያ።

መንበሪ-ገዛ

ብምኽንያት ቁጠባዊ ዕብየትን ምቅይያር ናይ ከተማን፡ ዓቢ ናይ ገዛ ሕጽረት ኣሎ፡ ስለዚ ድማ መብዛሕትኦም ሓደስቲ መጻእቲ ቀዳማይ መንበሪኦም ኣብ ገጠራት ስቫፓቫራን ቪታንጊን እዮም ዚረኽቡ። ኣብ መንጎ ኪሩናን ስቫፓቫራን ዘሎ ርሕቀት ኣስታት 40 ኪሎ ሚተር፣ ንቪታንጊ ድማ ኣስታት 70 ኪሎ ሚተር እዩ። ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ብዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብን ኣብ ሪጋ ንምእታውን፡ ናይ ኪሩናቡስታደር መርበብ ሓበሬታ ብጻሕ።

በሪኽ ህንጻ ኣብ ማእከል ኪሩና። ክረምቲ እዩ ዘሎ። ብድሕሪት ናይ ኪሩና ዕደና ይርኣ ኣሎ። ብቕድሚት ሓሙሽተ ናይ ባንዴራ ዓንዲ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኪሩና፡ ካብ እትምስረተሉ ጀሚሩ ሽወደንኛ፡ ሳሚስካን ቶርነላድስካን እዩ ዚዝረብ። ዳሪ፡ ፋርስኛ፡ ሶማልኛ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ሩስያኛን ታይላንድኛን፡ ገለ ካብቶም ዝዓበዩ ቋንቋታት ኣብ መንጎ እቶም ሓደሽቲ መጻእቲ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

እታ ኣስታት 400 ምዝጉባት ማሕበራት ዘለዋ ኪሩና፡ ኣብቲ ሃገር እታ ዝጸዓቐ ማሕበራት ዘለዋ ኮምዩን እያ። ናይ ስፖርትን ባህልን ማሕበራት ኣለዋ። ኣብዚ፡ ብዘይካ እተን ናይ ክርስትና ማሕበራት፡ ካልኦት ከም ላየስታዲያነር፡ ጀሆቫ ዊትነስን ናጻ ቤትክርስትያንን ይርከባ። ኪሩና ዛጊት መስጊድ የብላን። እቶም ኣመንቲ እስልምና ኣብ ገዛ ወይ ግዜያዊ መአከቢ ቦታ እዮም ዚሰግዱ። ኣብቲ ደብተር ማሕበራት እንታይ ማሕበራት ከም ዘለዋ ክትርእይ ትኽእል።

ናይ ኪሩና ቤት ክርስትያን ኣብ እዋን ሓጋይ። እታ ቤተ ክርስትያን ብዕንጨቲ ዝተሰርሐት ኴይና ናብ ቀይሕ ብዝኸደ ብናዊ ሕብሪ ዝተቐብኣት እያ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኪሩና ከተማ ብዙሕ ድኳናት ኣሎ ከምኡውን ክልተ ሰከንድሃንድ ቡቲክን ዓቢ ማእከል ዕዳጋን። ናይ ቍጠባዊ ዕቤት እዋን ብምዃኑ ብዙሓት ድኳናት ይኽፈታ ኣለዋ። ጥቓ ኖርወይን ፊንላንድን ብምዃና፡ ኪሩና ኣዚያ ሰሓቢት እያ።

ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ከም ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈት መድህንን ቀረጽን ኣብ ኪሩና ኣሎ።ኣብ ስቫፓቫራ፡ መባእታ ቤትትምህርቲ፡ ቤትንባብ፡ ቡቲክ፡ ማእከል ጥዕና፡ ቤትፖስታ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮን ናይ ዕረፍቲ ቦታን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኪሩና C፡ሓልዮት ህጻናት (መውዓሊ ህጻናት) ንምርካብ ብተዛማዲ ነዊሕ ናይ ሪጋ ግዜ ኣለዎ (ኣስታት 6 ኣዋርሕ) ኣብተን ገጠራት ስቫፓቫራን ቪታንጊን ግን እቲ ሪጋ ዝሓጸረ እዩ። ሓልዮት ህጻናት ዓቢ ናይ ብቕዓት ደረጃን ንሓደስቲ መጻእቲ መታን ነቲ ዘድልዮም ደገፍ ኪረኽቡ ብማለት ድማ ፍሉይነት ኣለዎ። ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እቶም ሓደስቲ መጻእቲ ቈልዑ ምእንቲ እቲ ዘድልዮም ሓገዝ ክረኽቡ ተወሳኺ ደገፍ ይግበር እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓልዮት ቆልዑን መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ኣብ መሰጋገሪ ዓረብያ ቈልዓ ሒዞም ይሳገሩ ኣለዉ። ኣብቲ መሬትን ኣብቲ ብድሕሪት ዝርኣ ዘሎ ገዛን በረድ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኪሩናን ስቫፓቫራን ቪታንጊን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብ ኪሩና ኣብቶም ቋንቋ ሽወደን ዘይመልኩ ተመሃሮ ዝዓለመ ናይ ቋንቋ ማእከል ኣሎ።

ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ስልጠና ብላፕላንድስ ኮሙናል ፎርቡንድ ወይ ማሕበር እዩ ዚካየድ። እዚ ድማ ብዮክሞክ፡ የሊቨረ፡ ፓያላን ኪሩናን ዝቖመ እዩ። ናይ ላፕላንድ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ብ 2010 እዩ ተሃኒጹ፡ ሰፊሕ ናይ ስልጠና ምርጫን ልዑል ደረጃን ዘለዎ እዩ። እተን ኣርባዕተ ኣብያተትምህርቲ ኣስታት 20 ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ መደባት ኣለወን። ኣብተን ኣብያተትምህርቲ ሃገራውን ውልቃውን ብፍሉይ ዝቖመን ብመንግስቲ እተመልመለ መደባትን ኣሎ ከምኡውን ኣብ ኩሉ ቦታታት ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ንሳቶም ምስ LKAB ብምትሕብባር ነቲ ህቡብ ኢንዱስትርያዊ ናይ ተክኒክ ፕሮግራም የካዪዱዎ።

ኣብ ኪሩናውን ከም ናጻ ኣብያተትምህርቲ ኮይነን ዘገልግላ ብሕታውያን ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፡ እተፈላለየ መደባት ከኣ ኣለወን፡ ንኣብነት ፍሪሉፍትስኩላ፡ ሪምድዪምናስዩም ከምኡውን ብጽባቐ ጸጕርን ምስራሕ ቱቦን ዘሰልጥን ሞያዊ ዪምናስዩም።

ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ተመሃሮ ካብ ስቫፓቫራን ቪታንጊን መዓልታዊ ብናይ ቤትትምህርቲ ኣውቶቡስ ናብ ኪሩና በጺሖም ይምለሱ። እቶም ናይ ኤስኤፍኢን ናይ ምስ ማሕበረሰብ ምልላይ ትምህርቲ ዚወሃቦም ተመሃሮን።

ዕድላት ትምህርቲ

ናይ ላፕላንድ ለርሰንትራ ምስቲ ጠለብ ዘለዎ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ይሰርሕ። ንሱ ምስቲ ናይ ስራሕ ህይወት ናይቲ ዞባ ጥቡቕ ምይይጥ ይገብር ኣብ ምውጣንን ምትግባርን ስልጠና ድማ ምስ ዋኒናትን ውድባትን ይተሓባበር። ለርሰትራ ኣብዘን ዚስዕባ ስልጠና የዳሉ፤ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ ግሩንድቩክስን ሰርቩክስን፡ ኤስኤፍኢ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃን ሞያዊ ኮለጅን ደረጃ። ንሳተን ነዚ ዚስዕብ የቕርባ፤ ስልጠና ክንክን፡ ንሓደስቲ ሽወደናውያን ዝዓለመ ናይ ሞያ ናይ ኤስኤፍኢ ትምህርቲ ከምኡውን ንናይ ዕደና ኢንዱስትሪ ጠለባት ዘማልእ ስልጠን። ንሳተን ምስ ሉለዮ ተክኒካዊ ዩኒቨርሲቲ፡ ምስ ኡመዮ ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ናይ ስልጠና ኣዳለውትን ብምትሕብባር ኣብ እተፈለለየ ጽፍሒታት ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ትምህርቲ የቕርባ።

ናይ ማልምፈልተ ህዝባዊ ኮለጅ ካልእ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ኣማራጺ እዩ። ንሱ ሓፈሻዊ ኮርሳት የዳሉ፡ ንወጻእተኛታት ድማ ስልጠና ቋንቋ ሽወደንን ፊደላትን የቕርብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኪሩና፡ ሆስፒታል፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ክሊኒክ፡ ናይ መንእሰያት ክሊኒክ፡ ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕና፡ ናይ ህጹጽ ረድኤትን ሕክምና ስንን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ኩሉ ሰበስልጣንን ትካላትን ንምርኻብ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኣሎ። ተርጓማይ ብተለፎን እዩ ዚርከብ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ኪሩና ናይ ነፈርትን ባቡራትን ኣውቶቡሳትን መራኸቢታት ኣሎ። ክሳዕ ስቶክሆልም ብነፋሪት ልዕሊ ሓደ ሰዓት ይወስድ፡ ባቡር ድማ ንደቡብ ወይ ንሰሜን ትወስደካ። ኣብ መንጎ ቁሸታትን ገማግም ባሕርን መራኸቢታት ኣውቶቡሳት ኣሎ። ሰዓታት ሰሌዳ ናይ ነፈርትን ባቡራትን ኣሎ፡ ከምኡውን ንለንስትራፊከን ን ንሎካል ኣውቶቡሳት ዚምልከት።

ብተወሳኺ እቲ ናይ ኢንተርኔት መራኸቢ ኣብ ምሉእ እዚ ኮሙን ብሬድባንድ ብዘለዎ ብጽቡቕ ዝተሃንጸ እዩ።

SJ
ሓንቲ ቀያሕ ባቡር ዘላቶ መጻወቲ ቦታ ኣብ ማእከል ኪሩና። ክረምቲ እዩ፡ ክልተ ናይ ዕንባባ ሳጹናት ኣብቲ መጻወቲ ቦታ ተነቢረን ኣለዋ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብዚ እዋንዚ መላእ ኖርቦተን ዚሰፍሕ ዘሎ ቦታ እዩ፡ ኪሩና ድማ ኣብቲ መገዲ ቁጠባዊ ዕቤት እያ ዘላ። ኣብዘን ዝሓለፋ እዋናት ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ስራሕ ረኺቦም፡ ብፍላይ ኣብ ተክኒካውን ክንክናውን ሞያ። እዚ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ሞያ፡ ንግድን ምስኡ ዚመሳሰል ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ጠለባት የኸትል እዩ።

ኪሩና ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ትሕቲ መሬታዊ ዕደና ኣለዋ፡ ናይ ዕደና ኢንዱስትሪ ድማ ናይቲ ኮምዩን ሱር-ደም እዩ። ኣብ ኪሩና ንልዕሊ 100 ዓመት ንክፋላት ማእከል እዛ ከተማ ኣዚዩ ከይጸለወ ናይ ሓጺን ዕደና ምዕዳን ተኻይዱ እዩ። ኣብ 2004 ትካል ዕደና ኤልኮኣበ፡ ከመይ ጌይሩ ሓደ ዝፍጠር ምንቃዕ ናብ ማእከል እዚ ዘሎ ማእከል ከተማ ክበጽሕ ከም ዝኾነ ገምጋማ ኣቕሪቡ። እዚ መበገሲ ነጥቢ ናይቲ ምቕያር ከተማ ኾነ። ዕደና መሰረት ናይ ኢንዱስትሪን ንግድን ኣብ ኪሩና እዩ፣ እዚ ናይ ሓጺን ሓመድ ቀንዱ ሱር ትኽ ኢሉ ብትሕቲ ማእከል ናይዛ ከተማ ስለ ዝሓልፍ ድማ፡ ኪሩና ኮሙን ክፋል እዛ ከተማ ንኸግዕዝ ቁሩብ ዝኾነ።

ኣብዘን ናይ ቀረባ ዓመታት ሆቴል፡ ኣዳራሽ ባህሊ፡ ናይ ንግዲ ኣዳራሻትን መንበሪ ገዛውትን ኣብ ማእከል እዚ ሓድሽ ከተማ ተሃኒጾም ክውድኡ እዮም።

ኣብ ልዕልዚ LKAB ኣብዘን ዚመጻ ዓመታት ኣብ ኪሩናን ስቫፓቫራን ሰለስተ ሓደሽቲ ዕደናታት ኪዅዕት እዩ፡ ሸውዓተ ናይ ዕደና ናይ ወጻኢ ትካላት ድማ፡ ገለ ነኣሽቱ ናይቲ ከባቢ ትካላትን ብሕታውያንን ነቲ ምርምርን ምዅዓትን ከካይዱዎ እዮም።

ሓደ ዝግዕዝ ዓቢ ቀጠልያ ናይ ዕንጨቲ ቪላ ኣብ ኪሩና። እቲ ናይ ዕንጨቲ ቪላ ኣብ ልዕሊ ናይ ጽዕነት መኪና ኣሎ።

ግሩም ቁጠባዊ ዕቤትን ምልዋጥ ናይታ ከተማን ካብ ካልኦት ትካላት ብዙሕ ኣገዳስነት ረኺቡ፡ ስለዚ ንግዲ ኪዕምር እዩ። በጻሕቲ ከይተረፉ ይበዝሑ ኣለዉ፡ ንቱሪስት ንምስሓብ ከኣ ኣብተን ናይ ከባቢ ኣኽራናት የውፍሩ ኣለዉ። እቶም ጥሮተኛታት ብጽቡቕ ይተሓዙ ኣለዉ፡ ስራሕ ኣልቦነት ድማ ኣብታ ሃገር ዝተሓተ እዩ።

ኣብቲ ቦታ ሕጽረት ሓይሊ ሰብ ኣሎ፡ እቲ ዞባ ይምዕብል ስለ ዘሎ ከኣ ናይ ሓይሊ ሰብ ውድድር እናዓበየ ይኸይድ። ነዚ ንምምካት ብዝሒ ክኢላታት ሓደስቲ መጻእቲ የድሊ። ኣብቲ ኮምዩን ዕደናን እቲ ንሱ ዚፈጥሮ ስራሕን ዓቢ ቦታ ይሕዝ፡ ይኹንምበር እቲ መሪሕነት ኮምዩን ነቲ ኣከባቢ ኪዕቅቦ ይደሊ፡ ነዚ ከኣ ኤስራንጅ፡ IRV: ታርፋላ ምርምር ነቝጣ የካይዳኦ። ኣብ ናይ ቱሪዝም ሰክተር ድማ ኣይስሆተልን ካልእ ናይ ኣኽራን ህንጻታትን ይነጥፋ። ኣብተን ገጠራት፡ ቱሪዝምን ምሕድራ ጽሬትን ዓቢ ኢንዱስትሪ እዩ።

ክሪስታለን ናይ ኪሩና ሓድሽ ዙርያ ኣዳራሽ ከተማ። ኣብ ጥቕ እቲ ኣዳራሽ ከተማ ብጊዛ ዝተሰርሓ ግምቢ ደወል ኣሎ።