Växjö

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እንቋዕ ናብ ቨክሾ ብደሓን መጻእኩም - ናይ ኤውሮጳ ዝያዳ ሓምላዊት ዝኾነት ከተማ! - እዛ ናይ ኤውሮጳ ዝሓምለወት ከተማ ድልዱል መጻኢ ኣለዋ። እቲ ዕላማ፡ ሓምላዊት ከተማ ኾይና በቲ ፈጠራ ዝመልኦን ሰፊሕን ናይ ኣከባቢ ስራሓትን ሓያል ምዕባለን፡ ክፉትነትን ጣዕምን ሓባራዊ ስራሕን ንኽትፍለጥ እዩ። ብሓደ ዄንና ፍልልይ ከነርኢ ንኽእል ኢና!

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሽዱሽተ ብሽክለታታት ኣብ ሓደ መሳገሪ ቦታ ጥቓ ንጥቓ ተር ኢለን ጠጠው ኢለን ኣለዋ። ድሕሪ እቶም ሰብ ብሽክለታ ሪጋ ናይ መኻይን ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ቨክሾ ብዙሕ መንበሪ ኣባይቲ ዘለዋን እትሰፍሕን ዘላ ከተማ እያ። ኣብኡ ክትካረ ወይ ገዛ ክትዕድግ ይከኣል። ኣብ ከተማ፡ ኣብ ገጠር ወይ ኣብ ገለ ግሩም መራኸቢታት ዘለዎ ቦታ ክትቅመጥ ትኽእል። ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ናይቲ ወኪል ገዛውቲ ቤትጽሕፈት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ቨክሾ ብዙሕን እተፈላለየ ቋንቋታትን ይዝረብ፣ ከም ኣብነት ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ እንግሊዝ፡ ኩርዲስካ/ሰሜን፡ ፋርስ/ዳሪ፡ ታይላንድ፡ ዩክረይንን ሮማንያን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ቨክሾ ሰፊሕ ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ነተን እትግደሰለን ማሕበራት ኣብቲ ናይ ኮሙን ደብተር ማሕበራት ባዕልኻ ክትረኽበን ትኽእል። ኣብቲ ደብተር ማሕበራት ብዛዕባተን ማሕበራት ናይ ርክብ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብን ወጻእን ናይቲ ሰንትሩም ብዙሓት ሰከንድሃንድ ቡቲካት ኣለዋ፡ ኣብኡ ድማ ሕሱርን ጽቡቕን ነገራት ክትረክብ ትኽእል። ንኹሉ ዕድመ ዘማልእ እተፈላለየ መራኸቢ ቦታታት ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ እተፈላለየ ንጥፈታት ከተካይድ ይከኣል ወይ ድማ ቡን ንምስታይን ንምዕላልን።

እቲ ኣብ ኣራቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዜጋታት (Medborgarkontor) ኣብቲ ማሕበረሰብ ንምጽምባር መገዲ ንምርካብ ብዝበለጸ ኣገባብ ይሕግዘካ። ነቶም ሓደስቲ ስድራ ዘለዎም ስደተኛታት ድማ መቐበሊ ማእከል ስፕሮክ ኦክ ኮምፐተንስሰንትሩም (ናይ ቋንቋን ብቕዓትን ማእከል) ኣለዎም።

ናይ ኣጋር ጐደና ኣብ ማእከል ቬክሽዮ። ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ጐደና ይኸዱ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ደቂ 1-5 ዝኾኑ ህጻናት ናይ ኣጸደ ህጻናት ንጥፈታት ብመልክዕ ኣጸደ ህጻናትን ትምህርታዊ ክንክንን ዚውሃብ ኣሎ። ብኮሙን ዚካየድ ኣጸደ ህጻናት ከምኡውን ብብሕታውያን ዋኒናት ዚካየድ ኣጸደ ህጻናት ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ብቨክሾ ኮሙን ዚመሓደሩ ኣስታት 40 መባእታውን ሰለስተ ድማ ካልኣይ ደረጃን ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ብዘይካ ናይቲ ኮሙን ኣብያተትምህርቲ ብዙሓት ናጻ ወይ ብሕታውያን ኣብያተትምህርቲ እውን ኣለዋ። ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ብዛዕባ ነፍስወከፍ ቤትትምህርቲ ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል፡ ብዛዕባ ናይ ርክብ ሓበሬታተን እውን ክትረክብ ትኽእል።

ሰለስተ ቈልዑ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብዕንጨቲ ዝተሰርሐ ስነ-ቅርጺ ይጻወቱ ኣለዉ። ሓደ ወላዲ ንሓደ ካብቶም ቈልዑ ናብቲ ስነ-ቅርጻ ንኽድይብ ይሕግዞ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

እቲ ናይቲ ኮሙን ናይ ኣባጽሕ ስልጠና ንኹሉ ኪምሃር ዚደሊ በጽሒ እዩ። ካብ መሰረታዊ ክሳዕ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንህብ። ነቶም ሓደስቲ ሓተትቲ ዕቝባ ወይ ስደተኛታት ድማ ኤስኤፍኢ ማለት ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንስደተኛታት ዚብሃል ስልጠና ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ብኣና ኣቢልካ ከተመልክቶ እትኽእል ኵሉ ዓይነት ትምህርትታት ኣሎ። ቨክሾ ድልድልቲ ናይ ትምህርቲ ከተማ እያ። ትምህርቲ ክትቅጽል ምስ እትደሊ ብዘይካ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ከምኡ'ውን ሊነዩኒቨርሲቲ ኣሎ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብቲ 1177 ቮርድጊደን ሕቶ ሓቲትካ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል፡ ከምኡውን ነቲ ናይ ቨክሾ ናይ ክንክን ጥዕና ክሊኒክ ዚምልከት እኩብ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ነቲ መርበብ ኢንተርነት www.1177.se ክትበጽሖ ትኽእል ወይ ድማ ናብ 1177 ደውል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብ ወይ ዘይርድኣካ ምስ እትኸውን ኣብ ኩሉ ምስ ሰበስልጣንን ንእትገብሮ ርክብ ተርጓማይ ኪህልወካ መሰል ኣሎካ። ቨክሾ ኮሙን ኣብ ኩሉ ርክባት ተርጓማይ ንጽውዕ ኢና፡ ከም ኣብነት ኣብ ናይ ወለድን ዘተ ምዕባለን ማሕበራዊ ምምሕዳርን ወዘተ ዚግበር ኣኼባታት።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብ ቨክሾ ንምምጻእ ነፋሪት፡ ባቡር፡ ኣውቶቡስን ማኪናን ምውሳድ ቀሊል እዩ። ኣብ ቨክሾ በተን ንኣከባቢ ዘይብክላ ኣውቶቡሳት ዚግልገል ግሩም ናይ ኣውቶቡሳት መስመራት ኣሎ። እታ ከተማ ብብሽክለታ ንዚግበር ስፖርት ተተባብዕ እያ፡ ኣብኣ ድማ ብማእከልን ብከባቢ ከተማን ዚሓልፍ ብዙሕን ጽቡቕን ናይ ብሽክለታ መገድታት ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ሓደስቲ ሰብ ዋኒን ነቲ ናይቲ ኮሙን ቤትጽሕፈት ቢዝነስ ኪውከሱዎ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም ብዛዕባ ዝበዝሕ ሓደስቲ ኩባንያታትን መወከሲአንን ዓቢ ፍልጠት ኣለዎም። እዚ ድማ ንኣኻ ነቲ ትልምታትካ ንምትግባር የቃልለልካ። ነቲ ጉዳይ ኣጸቢቑ ኪሳለጠልካ ንማለት ድማ ካብቲ ኣማኻሪ ዋኒን ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ንሱ ኣብቲ ኮሙን መሪሕ ኪኾነካ እዩ።