Vännäs

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናብታ ንተመኩሮ ቀረባ ዝኾነት ቬስኔስ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ - ተቐባሊት ጋሻ፡ ደስታን ኣስተሓድሶን! ምዝንጋዕ ዲኻ፡ ተመኩሮ፡ ወይ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ትደሊ ዘለካ ወይ ንስድራኻ ሓደ ጽቡቕ ክነብርሉ ዝኽእሉ ቦታ ትደሊ ብዝየገድስ፡ ቬስኔስ ንዓኻ ዝከውን ቦታ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እታ ብ6 ዝተሓበበራ ኮሙናት ዝቆመትን ንኡመዮ ከም ባህርያዊ ማእከል ትገብርን ቬስኔስ ኣብ ማእከል ዞባ ኡመዮ ትርከብ። ቬስኔስ ናይ ምምልላስ ቦታ እያ፡ እዚ ድማ ናብተን ዝዳወባና ኮሙናት ጽቡቕ መራኸቢታት ኣለና ማለት እዩ።

ከም ነባሮ ከተማ ቨኔስ ምሉእ ቀረባት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣለኩም። ብናይ ትምርህቲ ዕድላት ብዝምልከት ከተማ ቨኔስ፡ ካብ ኣዚለ ክፍሊ ክሳብ ደረጃ ዩኒቨርስቲ ናይ ምምሃር ሰፊሕ ኣማራጺታት ዝሓዘለት ከተማ እያ። እቲ ኣብዚ ዝወሃብ ናይ ትምርቲ ዕድላት ምስ ድልየታት ነኣሽቱ ህጻናት ዘለዎም ስድራ-ቤታት ዝሰማማዕን ኣብ መዳይ ልዑል ደረጃ ትምርህቲ ዘሎ ዕድላት ውን ክንደይ መንእሰያት ዝስሕብ ሃብታም ባህላውን መሳጥን ዝኾነ ትምርህታት ኣብ ከተማ ኡምዮን ይርከቦ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ቬነስ ንመንበሪ-ኣባይቲ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ዕድላት ንኣብነይ ንምርካይ ወይ ውን ንምግዛእ ውን ኣሎ። ንመንበሪ ዝኸውን ቪላ ምስ እትደልዩ፡ ንደላሎ ኣባይቲ ኣብ ኣውራጃ ቬስተርቡተን ተወከሱ። እቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝወነን ትካል ክራይ-ባይቲ፡ ቨኔስ-ቡስቴደር ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ትካል'ዚ፡ ኣብ ቨኔስ ከባቢኡን ዝርከብ ኣስታት 400 ኣባይቲ ይውንን የመሓድርን። ብዜካ'ዚ ብምምሕዳር ናይቲ ከባቢ ዝውነን፡ ኣብ ቨኔስ ብርክት ዝበላ ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ውን ኣለዋ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ቨኔስ፡ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ በዘን ዝስዕባ ቋንቋታት ይወሃብ፡- ዓረበኛ፡ ኢንግሊዘኛ፡ ፊንላንድ፡ ቻይና፡ አኤንኪለይ፡ ኢራነኛ፡ ሶማለኛ፡ ስፓኛ፡ ቋንቋ ምዕራብ-ሳመ፡ ታይላንድ፡ ጀርመንን ኡመ-ሳምን። ብዜካ'ዚ ካብቲ ኣብቲ ቦታ ብሓደስቲ ዓበይቲ ወይ ኣባጽሕ ዝዝረበሎም ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓሪኛን ፈረንሳየኛን ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ቨኔስ ኣስታት 150 ዝኾና ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን፡ ኣብ ባህልን ስፕርታዊ ንጥፈታትን ኣተኵረን ዝሰርሓ እየን። ከገድሳኹም ዝኽእላ ማሕበራት ኣብቲ ቦታ ኣለዋን የለዋን ንምፍላጥ ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ኣቲኹም ሃሰው ክትብሉ ትኽእሉ። ኣብ ምምህዳር ከተማ ቨኔስ ምስ ቤተ-ክርስትያንን ሽወደን ምትእስሳር ዘለወን ዝተፈላለያ ሃይማኖታዊ ስበኻታት ኣለዋ። ኣብ ከተማ ኡምዮ ብተመሳሳሊ ብዜካ ቤተ-ክርስትያን ሽወደን ማሕበር ሽወደናውያን ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ኡምዮ ከምኡ ውን ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያን ይርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ ቨኔስ፡ ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲ (ኣስቤዛ)፡ ድኳናት ክዳውንቲ፡ ፋርማሲ፡ ሓኪም-ዓይኒ፡ ንእሽቶይ ድኳን ዘገልገለ ኣቝሑ፡ ቤት-ንባብ፡ ቤት-መግቢን ሻሂ-ቤትን ይርከብ። ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊን)፡ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ከምኡ ውን ቤት-ጽሕፈት ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ውን ኣብ ማእከል ከተማ ቨኔስ ይርከብ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ቨኔስ ብምእታው ክተንብቡ ትኽእሉ።

ኣብ ከተማ ኡምዮ ኩሉ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከብ ነገራት ብቐሊሉ ክትረኽብዎ ትኽእሉ። ንኣብነት በዓል-መዚ ቀረጽን ቆጸራ ህዝቢ (ስካተቨርከት)፡ ማዕከን ማሕበራዊ ውሕስነት (ፎርሸክሪንግስካሳ) ከምኡ ውን ቤት-ጽሕፈት በዓል-መዚ ኢሞግረሽንን ይርከብ። ኣብ ሓባራዊ መርበብ-ሓበሬታ ኡምዮን ከባቢኡን ብምእታው ዝተፈላለየ ሓበሬታታት፡ ንኣብነት ንባህላዊ ንጥፈታት፡ በዓላት፡ ካትራ ከልእ ንጥፈታትን ብዝርዝር ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቨኔስ፡ ንህጻናትን ወልድን ዝዓለመ ዝነኣድ ኣገልግሎታት ክንክንን ትምህርትን ዝተዋደደ እዩ። እዚ ኣገልግሎታት'ዚ፡ መውዓሊ-ህጻናት፡ መዘናግዒ ማእከላት ንህጻናት፡ ማእከል ምኽርን ሓበሬታን፡ ማእከል ርኽክባት ወለድን ህጻናትን፡ ክፉት መውዓሊ-ህጻናትን ካልእን የጠቓልል። እተን ኣብዚ ቦታ ዝርከባ መውዓሊ-ህጻናትን ወይ ኣብያተ-ትምህርታት ህጻናትን ኣብዚ ብምእታው ክትረኽብወን ትኽእሉ።

ምስ ውላድኩም ኣብ ዕርፍቲ እትርከቡ ወለዲ ናብ ክፉት ቤት-ትምርህቲ ወይ መውዓሊ ህጻናት ብምኻድ ብሓገዝ ናይ መምህራን ተሰኒኹም ነቲ ንደቕኹም ዝጽበዮም ትምህርታዊ ብድሆታት ክትርድኡ ትኽእሉ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ቨኔስ፡ 6 መንግስታዊ ሓንቲ ድማ ነጻ ናይ መባእታዊ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ይርከባ። ኣብ ኩለን እዘን 6 መንግስታዊ ኣብያተ-ትምርህታት ናይ ክንክን ኣገልግሎታት ይወሃብ እዩ። ማእከላይ ድረጃ ትምርህቲእታ ኣብ ቨኔስ እትርከብ ናይ ማእከላይ-ደረጃ ቤት-ትምርህርቲ፡ ሊልያስኩላን ተባሂላ ትጽዋዕ። እዛ ቤት-ትምህርቲ እዚኣ ካብተን ኣብ ከባቢ ኡምዮ ዝርከባ ተመሳሰልቲ ኣብያተ-ትምህርታት ዝዓበየት ኮይና፡ ካብቲ ከባቢ ወይ ውን ካብ ካልእ ከባኢታት ዝመጹ ኣስታት 1200 ተመሃሮ ኣለዉዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምርህቲ ኣባጽሕ ወይ ውን ዓበይትን ከምኡ ውን ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ብሊልጃስኮላን ይምእከል። ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኢስ.ኤፍ.ኢ ) ድሕሪ ምዝዛምኩም፡ ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ (ሳስ) ዝብል ዝለዓለ ናይ ቋንቋ ትምርህቲ ክትቕጽሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብዜካ'ዚ፡ ኣብ ሊልያስኮላን ካልእ ዘተፈላለየ ዓይነት ትምህርታዊ ዕድላት፡ ማለት ክልስ-ሓሳባውን ሞያውን ኣንፈታት ዘለዎ ትምህርቲ ይወሃብ እዩ። ኣብ ርሕቀት ናይ 5 ማይል ካብ ከተማ ቨኔስ፡ ህዝባዊ ማእከል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ስትሮምበክስ ይርከብ። እቲ ኣስታት 36000 ካብ ኩሎ ኩርነዓት ዓለም ዝመጽ ተመሃሮ ኣኣንጊዱ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኡምዮ ውን ካብ ቨኔስ ርሑቕ ኣይኮነን ዝርከብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ቨኔስ፡ ዞባዊ ማእከል-ጥዕና ከምኡ ውን ህዝባዊ ሕክምና-ስኒ ይርከብ። ብዜካ'ዚ ውልቃዊ ሓካይም ስኒ ውን ኣለዉ። ንህጹጽ ወይ ውን ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ናብ ሕክምና ዞባ ሰሜናዊ ሽወደን ምኻድ የድሊ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት ተርጓሚ ክግበረልኩም ይከኣል'ዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ኡምዮን ቨኔስን፡ መዓልታዊ (ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ) ኣስታት 30 ግዜ ዝኾና ዝጎዓዓዛ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ኣለዋ። ካብ ቨኔስ ናብ ኡምዮ ብባኡር ኣስታት 25 ደቒቕ ክወስድ እንከሎ ብኣውቶቡስ ከኣ ኣሳታት 35 ደቓይቕ፡ ወይ ውን ካባኡ ንላዕሊ ማለት ገለ ምስ ዘጋጥም፡ ይወስድ። መብዛሕትአን ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ብመንገዲ ሕክምና ሰሜናዊ ዞባ ሽወደን ኣቢለን ይሓልፋ።

ካብ ቨኔስ ናብ መዕርፎ-ነፈርቲ ሽወደን ኣስታት 3.5 ማይል ኣቢሉ ይኸውን። መስመር በረራ ኡምዮ ስቶክሆልም ኣብዚ እዋን ብሰለስተ ናይ በረራ ትካላት ተባሒቱ ይርከብ። ናብ ስቶክሆልም ብነፋሪት ሓደ ሰዓት ዘይወስድ ግዜ ይወስድ። ብዜካ'ዚ ውሽጣዊ ናይ በረራ መስመር፡ ካብ ኡምዮ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት እውሮጳ ውን ናይ በረራ ኣገልግሎት ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ከተማ ይኹን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ንምርኣይ ኣብ ማእተዊ ናይ'ዚ ሓበሬታ ''ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትረኽብዎ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።