Tierp

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝምርኮሳ ዓዲታት፡ ጀራዲን፡ ግምብታት፡ ሃብታም ተፈጥሮኣዊ ከባብን ገለ ካብ መለየቲታት ምምሕዳር ከተማ ቴርፕ እዩ። ቅርበት ካብ ባሕርን ገማግም ባሕርን፡ ቅርበት ናብ ከተማታት ያቭለ፡ ኡፕሳላ፡ መዕረፊ-ነፈርቲ ስቶክሆልምን ከተማ ስቶክሆለምን ውን ገለ ካብ ጀኦግራፊካዊ ኣቀማማጣኣዊ ጸጋ ከተማ ቴርፕ እዩ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቴርፕ ከምኡ ውን ኣብ ዓዲታት ኦርቢሁስን፡ ሶደርፎሽ፡ ኻርፕሊንገን ኣብ ምሕዱግ ከባቢታት ኣስታት 20000 ሰባት ይቕመጡ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓንቲ ጃልባ ጋንጽላ ኣብ ሓደ መጸግዒ ጀላቡ ዓሺጋ ኣላ። ብድሕሪት ሒደት ቀያሕቲ ገዛ ጀላቡ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ከተማ ቴርፕ፡ ንክራይ-ኣባይቲ ዘመሓድር ትካል የብሉን። ናብዚ ከተማ'ዚ ምግዓዝ ዝሓሰበ ሰባ ከኣ፡ ባዕሉ ገዛ ናይ ምርካብ ሓለፍነት ይህልዎ። ገዛ ናይ ምክራይን ወይ ውን ናይ ምግዛእን ዕድላት ግን የለን ንምባል ኣይኮነን። ብምምሕዳር ከተማ ቴርፕ እትወነን ሓንቲ ቴርፕስቢገን እትበሃል ትካል ክራይ-ኣባይቲ ኣላ።

ዝርዝር ናይተን ኣብ ከተማ ቴርፕ ዝርከባ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ቴርፕ ኣቲኹም ክትርእዩ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቴርፕ ብብዝሒ ካብ ዝዝረበሎም ቋንቋታት (ቋንቋ ሽወደን ወጊንካ)፡ ሶማለኛን፡ ትግርኛ፡ ዓረበኛን ቋንቋ ኢራንን ይርከቦም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቴርፕ ምስ ካልኦት ሰባት ንምርኻብ ዝሕግዝ ዝተፈላለየ ምኣዲ ርክባት ኣሎ። ኣብዚ ከተማ'ዚ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርዝር ናይተን ኣብቲ ከተማ ንጡፋት ዝኾና ማሕበራት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ሓደ ዝዜንጸባርቕ ጋብላ መሓንበሲ ዘለዎ ኣዳራሽ መሓንበሲ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብተን ኣካል ምምሕዳር ከተማ ቴርፕ ዝኾና ነኣሽቱ ዓዲታት፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ይርከበን እዩ። ኣብ ከተማ ቴርፕ ንኣብነት፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት፡ ፋርማሲ፡ ሕክምና፡ ኣብያተ-መግብን ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳራዊ ኣገግሎታትን ይርከብ። ዝደለኹሞ ነገር ኣብዚ ከተማ ምስ ዘይትረኽቡ፡ ናብተን ዝኾነ ነገር ክትረኽቡለን እትኽእሉ ከተማታት፡ ኡፕሳላ ወይ ያቭለ ክትከዱ ትኽእሉ።

ክልተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ ዕዳጋ ሳንደል ይዕድጋ ኣለዋ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብተን ኣካል ምምሕዳር ከተማ ቴርፕ ዝኾና ነኣሽቱ ዓዲታት፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ይርከበን እዩ። ኣብ ከተማ ቴርፕ ንኣብነት፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት፡ ፋርማሲ፡ ሕክምና፡ ኣብያተ-መግብን ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳራዊ ኣገግሎታትን ይርከብ። ዝደለኹሞ ነገር ኣብዚ ከተማ ምስ ዘይትረኽቡ፡ ናብተን ዝኾነ ነገር ክትረኽቡለን እትኽእሉ ከተማታት፡ ኡፕሳላ ወይ ያቭለ ክትከዱ ትኽእሉ።

ትምህርቲ ዘይኮነ ግዝያዊ መውዓሊ ህጻናት ውን ኣብ ዃርፕሊንገ፡ ካርልሆልም፡ ሺርክቢን፡ መሀደቢ፡ ቴርፕ፡ ቨንደልን ኦርቢሁስን ይርከብ።

እታ ብብዮርክጎርደንስ ፎሽኩላ እትፍለጥ ክፍቲ መውዓሊ-ህጻናት፡ ንወልደን ክሳብ 6 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝተሓዝአት እያ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ ኩሎም ካብ 7 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ኣብ ትምህርቲ ክሳተፉ ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ፡ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ከም ዝሳተፉ ይግበር። እዚ ናይ መባእታ ደረጃ-ትምርህቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘሎ ደርጃ ትምህርቲ የጠቓልል። መብዛሕትኦም ቆልዑ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ 7 ዓመት ምስ መልኡ ይጅምሩ። 6 ዓመት እንከለዉ ውን ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም፡ እታ ሓንቲ ዓመት ግን ኣብ ኣዚለ ክፍሊ ከም ዝመሃሩ ይግበር።

ኣብ ከተማ ቴርፕ 11 ናይ መባእታ ደርጃ ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። እዘን ኣብያተ-ትምህርታት ኣብ 10 ዓዲታት ናይቲ ዞባ፡ ፋሕ ኢለን ይርከባ።

ኣብ ከተማ ቴርፕ፡ ሆግባሪስስኩላን ተባሂላ እትፍለጥ፡ ኣብ ቴርፕስ-ሾፒን እትርከብ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣላ።

ዕድላት ትምህርቲ

መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ፡ ነቶም ሓደስቲ ስደተኛታት መሰረታት ቋንቋ ሽወደን ንምምሃሮም ዝዓለም ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እዩ።

ኣብ ከተማ ቴርፕ፡ ንዓበይቲ ዝቀንዐ ዝተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። 40 ደቓይቕ ካብ ከተማ ቴርፕ ውን ኡፕሳላ ዩኒቨርስቲ ይርከብ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል፡

እኩብ መደገፊ ዘለዎ መናብር ኣብ ሓደ ቤት ንባብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ቴርፕ፡ ማእከል-ጥዕና ኣሎ። እዚ ማእከል-ጥዕና'ዚ፡ ክፍሊ ህጻናት፡ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት፡ ሓካይም ስነ-ኣእምሮን፡ ዓበይቲ ሓካይም ዶክቶራትን ኣለዉዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝግበር ርኽክባት፡ ቋንቋ ሽውድን ዝሓጽረኩም ወይ ውን ዘይትኽእሉ ምስ እትኾኑ፡ ተርጓሚ ክቁጸረልኩም መሰል ኣለኩም።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ'ዚ፡ ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገግሎት ነባሮ (ሜድቦርያር-ሰርቪስ) ክትራኸቡ ትኽእሉ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ከተማ ቴርፕ፡ ጥቓ ከተማታት ስቶክሆልም፡ ያቭለን ኡፕሳላን ከማኡ ውን ጥቓ መዕርፎ-ነፈርቲ ስቶክሆልም፡ ይርከብ። ኣብ ኣውራጃ ኡፕሳላ ኣብ መጎዓዝያ ዝነጥፋ ኣውቶቡሳት ብትካል መጎዓዝያ ኡፕላድስትራፊክ ዝተማእከላ እየን።

መውፈሪ-ባቡራት፡ ኣብ ማእከል ከተማ ቴርፕ-ሾፒን ይርከብ። እተን ብሰሜን ካብ ከተማ ያቭለ ብደቡብ ከኣ ካብ ኡፕሳላ፡ መዕርፎ-ነፈርቲ ስቶክሆልምን ከተማ ስቶሆልምን ዝመጽኣ ባቡራት ከኣ ብሕንብርቲ ከተማ ቴርፕ ይሓልፋ።

በተን ብኡፕቶገት ዝፍለጣ፡ ኣብቲ ቦታ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሳ ባቡራት እምበኣር፡ ንደቡብ ናብ ኡፕሳላን ንሰሜን ከኣ፡ ንከተማ ያቭለ ክትከዱ ትኽእሉ።

እዛ ብኡፕቶገት ዝፍለጣ ባቡራት ክሳብ መዕርፎ-ነፈርቲ ስቶክሆልም ይበጽሓ።

ሓንቲ ቀያሕ ተመላላሲት ባቡር።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ቴርፕ፡ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱን ዓበይትን ትካላት ይርከባ። ኣብነታት ናይተን ዕብይ ዝበላ ትካላት፡ ኣትላስ-ካፕኮ፡ ሙንተሽን ኢራስቲልን ይርከባ። ናብቲ ከባቢታት ዝርከባ ከተማታት ኬድካ ንምስራሕ ዘኽእል ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ብምህላዉ ኸኣ፡ ስራሕ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኣይገብሮን እዩ።

ኣብ ከተማ ቴርፕ፡ እቶም ናይ ባዕሎም ትካል ንምጅማር ዝሓስቡ ሰባት ጽቡቕ ድጋፍ ክረኽቡ ይኽእሉ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎታት ነባሮ ከተማ ቴርፕ፡ ነዚ ብዝምልከት ጠቓሚ ሓበሬታ ክልግሰልኩም ይኽእል እዩ።