ማሕበራዊ ውሕስነት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ኣገዳሲ ኣካል ናይ ሕብረተሰብ ሽወደን እዩ። ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ናይ ስድራቤታትን ህጻናትን፡ ስንኩላን፡ ኣረጋውያን፡ ሕሙማንን ኣብ ስራሕ ዝተጎድኡን፡ ቊጠባዊ ድርዒ እዩ።

    ሓገዝ ንኽራይ ገዛ (Bostadsbidrag)

    ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን እተመዝገብካ ድማ ምስ እትኸውን፡ ካብ ትካል ውሕስነት ንኽራይ ገዛ ዝኸውን ሓገዝ ትረክብ ኢኻ። እዚ ኸኣ 'ሓገዝ ክራይ-ገዛ' ይብሃል። ቆልዑ ምስ ዝህልዉኻ'ውን ሓገዝ ክራይ ገዛ ትረክብ ኢኻ። እቲ እትረኽቦ መጠን ሓገዝ ድማ፡ ብዝሒ ኣባላት ስድራቤት ይውስኖ'ዩ። ዋጋ ክራይ ገዛን መጠን እቶትካን'ውን ወሳኒ እዩ። ዕድመኻ፡ ኣብ መንጎ 18ን 28ን እንተ ኾይኑ፡ 'ሓገዝ ክራይ-ገዛ' ክትወስድ መሰል ኣሎካ። ኣብ እቶትካ ዝርአ ለውጢ እንተሎ፡ ንትካል ውሕስነት ክትሕብሮም ይግባእ። እንተ ዘይኮይኑ ምለሶ ተባሂልካ ኣብ ዕዳ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።

    ንወለዲ ዝውሃብ ሓገዝ

    ንኣኺ ወላዲት ንዝኾንክን፡ ወይ ወላዲት ንእትኾንን ዝውሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣሎ። ነፍሰጾር እንተዄንኪ፡ እሞ ድማ ስራሕኪ ኣዝዩ ጽንኩር ኮይኑ፡ ዕማም ስራሕ ክትቅይሪ ተኽእሎ እንተዘይብልኪ፡ "መተካእታ ደሞዝ-ጥንሲ" (graviditetspenning) ክትውሃቢ መሰል ኣሎኪ።

    ቆልዓ ምስ እትወልዱ፡ 'ደገፍ መተካእታ ደሞዝ ንወለድን (Föräldrapenning) ግዝያዊ ደገፍ ደሞዝ ንወለድን' (Föräldrapenning) ክውሃበኩም ይኽእል'ዩ። ብመሰረት ናይዚ ኸኣ፡ 480 መዓልታት፡ "ደገፍ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ" እናወሰድኩም፡ ኣመት ዕሸል ውላድኩም ትገብሩ። ዝሓመመ ውላድኩም ንምእላይ፡ ካብ ስራሕ ኣብ እትበዂሩሉ ግዜ'ውን እዚ ደገፍ'ዚ ይውሃበኩም እዩ። እዚ መሰል'ዚ ግን፡ እቲ ቖልዓ 12 ዓመት ምስ መልአ ደው ይብል።

    ኩሉ ወላዲ፡ ናይ ቆልዓ ገንዘባዊ ሓገዝ ክረክብ መሰል ኣሎዎ። እዚ ወርሓዊ ዝኽፈል ሓገዝ ቆልዑ'ዚ፡ ንሓደ ቖልዓ 1250 ክሮነር እዩ። እዚ ሓገዝ'ዚ ነቶም ትሕቲ 16 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ጥራይ እዩ ዝኽፈል። ብዙሓት ቆልዑ ምስ ዝህልዉኹም፡ "ተወሳኺ ናይ ቆልዑ ሓገዝ" (Flerbarnstillägg) ይውሃበኩም። ወለዲ፡ ሓባራዊ ሓላፍነት ናይ ቆልዑ ምስ ዝህሉዎም፡ ነቲ ናይ ቆልዑ ሓገዝ ክማቐሉዎ ኣለዎም።

    ውላድኩም ጎደሎ ኣካል፡ ማለት ስንኩል ምስ ዝኸውን ደገፍ ወይ ሓገዝ ክትረኽቡ መሰል ኣሎኩም። ጎደሎ ኣካል ወይ ስንኩል ውላድ ዘሎዎም ወለዲ፡ ናይ "ሓገዝ ንምንክብኻብ ስንኩል ውላድ" ዝብሃል ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።