Vindeln

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ቪንደልን ኮምዩን ኣስታት 5,400 ተቐማጦ ኣለዉ፡ ንሕና ድማ ኣዚዩ ደስ ይብለና። እቲ ኮምዩን ነቶም ህጻናት ዘለዎም ወለዲ ግሩም እዩ፡ ንሕና ድማ ንዕብየት ዘለዎ ጽቡቕ ቁጠባዊ ሃዋህው ንሰርሕ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይ ቪንደልን ኮምዩንን ቢዚነሳዊ ህይወትን ብሓደ ኴንና ንራኢ 2020 ሰሪሕና ኢና። ""ቪንደልን ንስድራቤትን ንሰብ ዋኒንን እትኸውን ናይ ከባቢ ኡመዮ ብልጽቲ ኮምዩን እያ። ኣብኡ ብሓደ ኴንና መሃዝነት ዘለዎን ጥዕና ዝመልኦን ውሑስ ናይ ህይወት ኣከባቢ ምስ ቀጻሊ ዕብየት ንፈጥር ኣሎና"።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ቪንደልን ኮምዩን ሓሙሽተ ከተማታት ኣለዋ፤ ቪንደልን፡ ሃልነስ፡ ትረቮሉንድ፡ ኦምሰለን ግራኖን። ቀንዲ ኮምዩን ቪንደልን እዩ፡ 2,500 ተቐማጦ ከኣ ኣለዉዎ። እቲ ናይቲ ኮምዩን ትካል ክራይ ኣባይቲ VIBO ኣስታት 250 ኣብ ኩሉ ቦታታት እተኸፋፈለ ዝካረ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ። ሪጋ ናይ ምሓዝ ወይ ምጽባይ ግዜ ብተዛማዲ ሓጺር እዩ። ይኹንምበር ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣለዉ።

መብዛሕትኦም እቶም እተመደቡ ስደተኛታት ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ከተማ ቪንደልን እዮም ዚቕመጡን ዚመሃሩን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ቪንደልን ኮምዩን እተፈላለያ ቋንቋታት ኣለዋ። ብዘይካ ሽወደንን እንግሊዝን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ዓረብን ዳሪን/ፍርስ እየን። ካልኦት ከኣ ትግርኛን ቱርክን ፓሽቶን እየን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ብዛዕባቲ ሰፊሕ ማሕበራዊ ህይወትና ንሕበን ኢና። ኣብዚ፡ ካልእ ገዲፍካ፡ ናይ ስፖርት፡ መንሸራተቲ፡ ትያትር፡ ፎቶግራፊን ሙዚቃን ማሕበራት ኣለዋ። ካባታተን ዘገድሳኻ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዘለዎም መንእሰያት ብገዛእ ቋንቋኦም ናይ መጽናዕቲ ደገፍ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣለዎም። ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ድማ ናይ ብሔራትን ናይ ሃይማኖትን ማሕበራት ኣለዋ፡ ንኣብነት ናይ ሽወደን ኣስላም ኣብ ኡመዮ።

ቪንደልን ብምምዕባል ህዝቢ ሃብታም እያ፡ ብዙሕ ናይ መጽናዕቲ ማሕበራት ከኣ ኣለዉዋ። እዚ፡ ከም መራኸቢ ቦታ የገልግል፡ ናይ ቋንቋ ካፈታትን ምሕምባስ ንደቀንስትዮን ናይ ተኽሊ ኮርሳትን ወዘተ. ድማ የቕርብ።

ምስቲ ኣብ ቪንደልን ዚነብር ሰብ ሓድሽ ዕርክነት ክትምስርት እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ዕርከነት ኣብ ቪንደልን ዚብል ማሕበር ተሳተፍ። ኣብኡ ብጻይ/ስድራቤታዊ ብጻይ ናብቲ ማሕበረሰብ ክትጽምበር ኪሕግዙኻ ይኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሰንትሩም ናይቲ ግሩም ዝኾነ ከተማ ቪንደልን ብዙሕ ድኳናት ኣሎ፡ ካብ እንዳ ክዳውንትን ሳእንን ክሳዕ ሓጸውን ቀለምን ናይ ህንጻ መሳርሕን። ክልተ ዓበይቲ ሱፐርማርከታት ኣለዋ፡ ኢካን ኩፕ ኮንሱምን። ንሳተን ናይ ሓላል ስጋውን ይሸጣ እየን። ኣብ ከም ላየንስ ሓራጅን ናይቲ ኮምዩን returbutik Retrå ዝኣመሰላ ድኳናት፡ ዘገልገለን ሕሱርን ኣቕሑ ምግዛእ ይከኣል። ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ከምኡውን ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት ኣብቲ ውሽጢ ከተማ ይርከብ። ኣብቲ ቤትንባብ ብእተፈላለየ ቋንቋታት እተዳለወ መጻሕፍቲ ኣሎ። ገለ ፍሉይ እትደልዮ ነገራት ምስ ዚህሉ እቲ ሰራሕተኛ ሓሳባትካ ተሓጒሱ ይቕብሎ።

ናይ ስፖርት ቀንዲ ምንቅስቓሳት ኣብቲ ኣብ ሰንትሩም ዚርከብ Fritidscentrum ኣሎ። ኣብኡ ኵዕሶ ኢድ፡ ባስከት፡ ተኒስ፡ ቮሊቦልን ባድሚንቶን ክትጻወት ትኽእል። እቲ መሐምበሲ ኣደራሽ ኩሉ ግዜ ክፉት እዩ፡ ግን ገለ መዓልታት ንደቀንስትዮ ጥራይ እዩ ክፉት። ፈረስ ምግላብ ትኽእል እንተ ኾንካ ወይ ክትምሃር እንተ ደሊኻ፡ ካብ ሰንትሩም 3 ኪ/መ ርሒቑ ዚርከብ ናይ ምግላብ ክላብ ኣሎ። ብጥውይዋይ መገዲ ኣብ በረድ ክትንሸራተት እንተ ደሊኻ ኣብ ቡበርየት ግሩም ናይ መንሸራተቲ ቦታ ኣሎ።

ኣብ ቪንደልን ንጥፈታት ወይ ኣገዳሲ ፍጻመታት እንተ ደሊኻ ኣብ Vindelns lokala turistsida Visit Vindeln ተመልከት። ንኹሉ ናይ ኡመዮ ኣከባቢ ዚምልከት ንጥፈታት ወይ ፍጻመታት ኣብ Visit Umeå ተመልከት።

ቪንደልን ካብ ኡመዮ በጺሕካ እትምለሰሉ ርሕቀት እዩ ዘለዋ። ኣብኡ ድማ ዓበይቲ ድኳናት፡ ኣብያተጽሕፈት ቀረጽ፡ ቤትጽሕፈት መድህን ከምኡውን ሚግራሹንቨርከትን ካልእን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ቪንደልን ውላድካ ኣብቲ ሽድሽተ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ሓሙሽተ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣባይትን ከምኡውን ብሕታዊ ኣማራጺ ዘለዎ ናይ ህጻናት ክንክን ግሩም ዝኾነ ቤትትምህርቲ፡ ኪመሃር ይኽእል። ንውላድካ ቦታ ክትረኽበሉ ምስ እትደሊ ቅልጡፍ ኣሰራርሓን ሓጺር ናይ ምጽባይ ግዜን ትረክብ።

ኣብ ገዛ ምስ ደቅኻ እትውዕል ምስ እትኸውን ኣብቲ ኤስኤፍኢ ዘለዎ ህንጻ ክፉት ቤትትምህርቲ ኣሎካ። ኣብኡ ድማ ንስኻን ደቅኻን ንኻልኦት ወለዲ ምስ ደቆም ክትራኸቦም ትኽእል፡ ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ድማ ትሳተፍን ቡን ትሰትን።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ኮምዩንና ሽድሽተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ክልተ ካባታተን ኣብታ ቀንዲ ከተማ ይርከባ። ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ህጻናት ኣብቲ ኣብ ቀንዲ ከተማ ዚርከብ ኣህጉራዊ ቤትትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንኺምሃሩ ተኽእሎ ኣሎ። ደሓር ናብቲ መደበኛ ክላሳት ናይ መባእታ ቤትትምህርቲ ይሳገሩ።

ኩሉ ህጻን ካብ 3 ዓመት ዕድመኡ ጀሚሩ ናይ ምሕምባስ ትምህርቲ ይውሃቦ። ናይቲ ኮምዩን ናይ ሙዚቃ ቤትትምህርቲውን ኣሎ። ኣብኡ ክትዝምርን ናይ ሙዚቃ መሳርያ ክትጻወትን ትኽእል።

ናይ ውልቅና ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ የብልናን፡ ግን እቶም ንካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዝበቕዑ መንእሰያት ኣብ ናይ ኡመዮን ቨነስን ኮምዩናት ከይዶም ኪምሃሩ ይመርጹ። ዝበዝሑ ተምሃሮ ናብን ካብን ቤትትምህርቲ ብኣውቶቡስ ይመላለሱ፡ እቲ ኮምዩን ድማ ነቲ ሕሳብ ባዕሉ ይዓጽዎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ማእከል ቪንደልን ግሩም ዝኾነ ለርሰንትሩም ኣሎ። ኣብኡ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ይውሃብ። ኣብኡ ሰርቩክስ፡ መባእታውን ካልኣይ ደረጃውን ከምኡውን ኤስኤፍኢ ብኹሉ ጽፍሕታት ኣሎ። ብመገዲ ናይ ስደተኛታት መቐብሊ፡ ነቲ ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ብምርካብ ናብቲ ኤስኤፍኢ ንኺምዝገቡ ሓገዝ ይረኽቡ።

ኣብኡ ህዝባዊ ኮለጅን ናይ ኢደጥበብ ፋብሪካን ክንክን ጥዕናን ኣሎ። እታ 36,000 ተመሃሮ ዘለዋ ኡመዮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ በጺሕካ እትምለሰሉ ርሕቀት እያ ዘላ።

ናይ ማሕበረሰብ ምልላይ ትምህርቲ ምስ ከባቢ ኡመዮ ብምትሕብባር ይካየድ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ቪንደልን ወይ ኣብ ኡመዮ ወይ ድማ ብቪደዮ ኮንፈረንስ ኢዩ ዚውሃብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ቪንደልን ናይቲ ዞባ ማእከል ክንክን ጥዕና ከምኡውን ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ይርከብ። ንህጹጽ ሕማምን ክኢላዊ ረድኤትን ናብ Norrlands Universitetssjukhus (NUS) ኪድ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስቲ ኮምዩን ወይ መንግስታዊ ትካል ኣብ እትገብሮ ርክባት፡ ሽወደን ቋንቋ ኣደኻ ምስ ዘይከውን፡ ተርጓማይ ኪህልወካ መሰል ኣሎካ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ቪንደልን ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን መስመራት ኣለዎ። ኣብ ቪንደልን፡ ትቨሮሉንድን ሃልናስን መነሃርያ ባቡር ኣሎ። ናብ ኡመዮ፡ ብባቡር ኣስታት 40 ደቓይቕ፡ ብኣውቶቡስ ድማ 50 ደቓይቕ ይወስድ። ንሰሌዳ ሰዓታት ኣውቶቡስን ባቡርን ብዚምልከት ኣብ tabussen.nu ረአ።

ናብ ኡመዮ መዓርፎ ነፈርቲ 60 ኪ/መ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ናይ ኡመዮ-ስቶክሆልም መስመር ብሰለስተ ናይ ነፈርቲ ትካላት ይግልገል። ናብ ስቶክሆልም ንምኻድ ትሕቲ ናይ ሓደ ሰዓት በረራ እዩ። ካብ ኡመዮ ናብ ካልእ ከተማታት ኤውሮጳ ዝኸዳ ነፈርቲውን ኣለዋ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ኮምዩን፡ ናይ ቪንደልን ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ንሱ ኣስታት 550 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ኣብ ብዙሕ ሰክተራት ሓይሊ ሰብ የድሊ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክንክንን ጥዕናን። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታ ኣሎ።