Krokom

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ዕብየት፡ እምነት ኣብ ብሩህ መጽኢን ዝነኣድ ብሉ ናብራን ማሕበራውን ኣገልግሎትን፡ መለዪ ምምሕዳር ከተማ ክሮኮም እዩ። ብርክት ዝበላ ትካላ ክምስረታ፡ ቁጽሪ ተቐማጦ ክዓብን፡ እቲ ቦታ ውን መስሕብ በጻሕቲ ክኸውን፡ ቀንዲ ምምሕዳር ከተማ ናይቲ ዞባ ብዕትበት ዝነቀሳቀሰሉ ጉድይ እዩ። ምምሕዳር ከተማ ክሮኮም፡ ማእከል ምግፋፍ-ዓሳን፡ ማእከል ሃድንን ውን እዩ። እዚ ከተማ’ዚ፡ ኣብ እዋን ክራማት ክትበረሉ ዘብህገካን ኣብ እዋን በረብ ውን መስሕብ ዝተፈላለዩ ብጻሕቲ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይ ዩርትሮን ናይ ቀረባ ስእሊ።

ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ ንጹህ ኣየርን ማይን፡ መሳጢ ተፈጥሮኣዊ ከባብን፡ ሰፊሕ መሬትን ኣለና።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሮኮም፡ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት መንበር-ኣባይቲ ኣሎ። ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ በቲ ምምሕዳር እትወነን ትካል ክራይ ኣባይቲ ክሮኮም-ቡስተደርን ብርክል ዝበላ ካልኦት ናይ ግሊ ትካላትን ይርከባ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ ምምሕዳር ከባቢ'ዚ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ኣልኦት ቋንቋታት ይርከቡ። ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ዓረበኛ፡ ሶማል፡ ኢራነኛ ትግሪኛን ዓፋርን ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ'ዚ ምምሕዳር ከባቢ'ዚ እታ ዝዓበየት ከተማ፡ ክሮኮም እያ። ኣብዛ ማእከል ምምሕዳር ናይቲ ከባቢ ዝኾነት፡ ድኳናት መዓልታዊ ኣስቤዛ (ኢካ)፡ ባንኪ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ክሊኒካት-ስኒ፡ ማእከል-ጥዕና፡ ፋርማሲ ከምኡ ውን ማሕበራዊ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ይርከብ። ብዜካ'ዚ ውን ክፍሊ-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት፡ ቤት-ንባብ፡ ማሕበረ-ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉጅሌታትን ካልእን ይርከቡ። ኣብቲ ብትሪፍፑንክት ሞንግፋልድ (ብኣዲ ብዙሕነት) ሓደስቲ ዝኾኑኩም ስደተኛታት ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዝምልከት ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ። እዚ ዝተጠቕሰ ቦታ፡ መኣዲ-ርክብ ሓደስቲ እዩ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ክሮኮም፡ ቤት-ትምህርቲ፡ ክፉት መውዓሊ-ህጻናት፡ መውዓሊ-ህጻናትን ግያዊ መእለዪ ወይ መጽንሒ ቆልዑን ይርከብ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መውዓሊ-ህጻናት፡ ፍሉይ ኣብያተ-ትምህርታት፡ መባእታዊ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ፡ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ምሉእ ምምሕዳር ከተማ ይርከብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ክሮኮም፡ ማእከል ትምህርቲ-ዓበይቲን ህዝባዊ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት-ትምርህቲ (ፎልክ-ሆግስኩላ) ይርከብ። ኣብታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ከተማ ኦስተርሹንድ ከኣ፡ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ቤት-ትምህርትን ዩንቨርስትርን ይርከባ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ክሮኮም፡ ሕክምና፡ ፍሉይ ክፍሊ-ጥዕና ህጻናትን ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ ውን ይርከብ። እቲ ናይ ዞባ ሕክምና ውን ኣብ ከተማ ኦስተርሹንድ ይርከብ። ናብ ከተማ ኦስተርሹንድ ብመኪና 20 ደቓይቕ ይወስድ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኦስተርሹንድን ክሮኮምን ማእከል ትርጉም ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ ክሮኮም ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝመደበሩ፡ ትካል ትርጉም ኦቢሲ፡ ስምምዓት ኣለዎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣገልግሎት መጎዓዝያን ኣብ ከተማ ክሮኮም፡ ስሉጥ እዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ዞባ'ዚ፡ ብባቡርን ኣውቶቡሳትን ምስ ኩሉ ከባቢታት ሽወደን ይራኸብ። ካብ ክሮኮም ናብ ኦስተርሹንድ ብኣውቶቡስ 30 ደቓይቕ ብመኪና ከኣ 20 ደቓይቕ ይወስድ። ካብ ክሮኮም ብቐረባ እትርከብ ከኣ፡ ከተማ ኦስተርሹንድ እያ። ኣብ መንጎዘን ክልተ ከተማታት ውን መዓልታዊ ዝንቀሳቐሳ ባቡራት ኣለዋ። መዕርፎ-ነፈርቲ ውን እንተኾነ ኣብ ከተማ ኦስተርሹንድ ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከትማ ክሮኮም ናትኩም ትካል ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ሞያዊ-ልምምድ፡ ምፍታን ስራሕ፡ ግብራዊ ሞያዊ ልምምድ ክትገብሩ ትኽእሉ። ብዜካ'ዚ ኣብዚ ቦታ ውን ምስ ዕዳጋ-ስራሕ ዝተተሓሓዘ መደባት ውን ኣሎ። ንኣብነት ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት፡ ውሕስነት ስራሕ ንዓበይቲ፡ ስራሕ ማእከል ዝገበረ መደብ ተሃድሶ ድሕሪ ሕማም ወይ ማህሰይቲ፡ መእትወኢ ስራሕ ንቐዲሞም ሓሚሞም ዝነበሩ ከምኡ ውን ምስ ምርካብ ስራሕን ምኽርን ዝተተሓሓዘ ንጥፈታት ይርከብ።

ኣብዚ ቦታ'ዚ፡ ምስ ዕዳጋ-ስራሕ ዝተተሓሓዘ ፕሮጀክቲታት ውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ዕሙቕ ምምማይ ዕቕምታትን ተመኵሮታትን፡ ምኽርን ድጋፍን ኣብ መስርሕ ምርካብ ስራሕ፡ ብተሓጋግዚ ተሰኒኻ ልምምድ-ስራሕ ምግባርን የጠቓልል።

ምምሕዳር ከተማ ክሮኮም፡ ሓደ ካብቶም ዝወሓደ ቁጽሪ ሽቕሎት-ኣልቦነት ዘለዎም ከተማታት ኣውራጃ ያምትላንድ እዩ። እዚ ኸኣ፡ በቲ ሓደ ወገን እታ ከተማ ኣብ ጥቓ ኦስተርሹንድ ትርከብ ብምዃናን፡ ስሉጥ ኣገግልግሎት መጎዓዝያ ምህላዉን እዩ፡ ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሮኮም፡ ኣስታት 1000 ንጡፋት ትካላት ይርከባ። መብዛሕትአን ናይዘን ዝተጠቕሳ ትካላት ነኣሽቱ ኮይነን ካብ 10 ዝወሕዱ ሰራሕተኛታት ይርከብአን።

መብዛሕትእን እዘን ትካላት መሰንዒ-ማእከላት ኮይነን፡ ኣብ መዳይ ስርሓት-ኣግራብ፡ መዓልታዊ ሃለኽቲ ከምኡ ውን ኣብ ሓምላይ ጽላት ዝነጥፋ ትካላት ውን ይርከብአን። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ትረኽቡ።