Bengtsfors

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

በንትስፉሽ ኮምዩን በቲ ውቁብ ናይ ተፈጥሮ ሃብታ እያ እትፍለጥ። ንሳ ሓሙሽተ ከተማታት ኣለዋ፣ በንትስፉሽ (ዋና ከተማ)፡ ቢሊንግስፉሽ፡ ስኮፓፉሽ፡ ባከፉሽን ዳልስ ሎንየድን ይብሃላ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

በንትስፉሽ ኮምዩን ኣብ ዳልስላንድ ኣብ መንጎ ናይ ሽወደን ዝዓብየ ቀላይ ቫነርንን ኖርወይን ትርከብ። እቲ ካብ የተቦርይ ናብ ኦስሎ ዚኸይድ መገዲባቡር ብደቡባዊ ሸነኽ ናይቲ ኮምዩን ይሓልፍ። ኣብዚ፡ ንኢኑስትሪን ክንክንን ጥዕናን ትምህርትን ዚምልከት ብዙሕ ስራሕ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ በንትስፉሽ ኮሙናዊ ቤትጽሕፈት ኪራይ ኣባይቲ ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ውልቃውያን ኣካረይቲ እውን ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኖርዲካዊ ቋንቋታት (ኖርቨጅያን፡ ዳኒሽ፡ ፊንላን፡ ኢስላንድ)። ኤውሮጳዊ ቋንቋታት (ሮማኒ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ስፓኛ፡ ፖርቱጊዝ፡ ሰርቦክሮሽያ፡ ኣልባንያ፡ ሩስያ፡ ፍለሚሽ፡ ሆላንድ፡ በልጂዩም፡ ፖላንድ፡ ሩማንያ፡ ቡልጋርያ፡ እንግሊዝ፡ ቱርኪ)። ካልኦት ኣብቲ ኮምዩን ዚዝረቡ፤ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ኡዝበክ፡ ኪርጊዝ፡ ኩርዲስካ፡ ፋርስ፡ ኡርዱ፡ ፋርሲ፡ ማንዳሪን፡ ቪየትናም፡ ታይላንድ፡ ክሪዮ (ክረዮን ካብ ሲየራ ለዮነ)።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ በንትስፉሽ ሓያሎ ማሕበራት ኣለዋ። ካላስ ዚብሃል ማሕበር ዶብ ዘይብሉ ኮይኑ እተፈላለየ ባህልታት ዝሓቖፈ ማሕበር ባህሊ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ቢሊንግስፉሽ እተፈላለየ ባህልን ቋንቋን ዘለዎም ሰባት ዝተኣኻኸቡሉን ዚነጥፉሉን፡ ኮምፕዩተር ዝልቅሑሉን ምስ ሚግራሹንቨርከት ዚራኸቡሉን መራኸቢ ቦታ ኣሎ።
ከምኡውን ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትንባብ (በንትስፉሽ፡ ዳልስ ሎንየድ፡ ባከፉሽ) ኣሎ። ረቱረን ዚብሃል ናይ ሰከንድሃንድ ድኳን ዝኣረገ ኣቕሑ ገዛ ይሸይጥ፡ ኣብ ካርልስ የርደ ወጻኢ ዳልስ ሎንየድ እውን ኣሎ።

ስእሊ ናይ ጐደና ሂወት።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይቲ ኮምዩን ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ኣብ በንግስፉሽ ወለዲ ምስ ደቆም ዚዘናግዕሉ ናይ ቤተሰብ ማእከል ኣሎ።

ኣብ ደገ ናይ ሓንቲ መውዓሊ ህጻናት ዝጻወቱ ቈልዑ ዝሓዘ ስእሊ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ በንግስፉሽ፡ ዳልስ ሎንየድ፡ ባከፉሽ ካብ 1-5 ትምህርታዊ ዓመት ዚኸይድ መባእታ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብ በንግስፉሽ ካብ 6-9 ትምህርታዊ ዓመት ዚኸይድ መባእታ ቤትትምህርቲውን ኣሎ። ከምኡውን ሰፊሕ ዓይነታት ሳብጀክት ዘለዎ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብ በንግስፉሽ ነቶም ናይ ምምሃር ጸገም ዘለዎም ህጻናት ዚኸውን መባእታ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ በንግስፉሽ፡ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ንምክትታል ተኽእሎ ኣሎ። ንሱ እተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። በይንኻ ወይ ምስ ኮለጃት ወይ ካልኦት ትምህርታዊ ትካላት ብምትሕብባር ይካየድ። ኣብኡ ኤስኤፍኢ ወይ ሽወደን ንስደተኛታት ክትመሃር ትኽእል። ኣብ ዳልስ ሎንየድ ኣብ ናይ ኢድ ስራሕ ወይ ዲዛይን ዘተኮረ ኮለጅ ኣሎ - HDK ስተንቢ።

ኣብ ማእከል ምዕባለ (Utvecklingscentrum) ምስ ካልኦት ሰባት ምትሕውዋስ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ በንግስፉሽ፡ ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክ ዘለዎ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብኡውን ብዙሓት ሓከምቲ ስኒ ኣለዉ። ኣብ ባከፉሽ ቀጻሊ ኣገልግሎት ማእከል ዘለዎ ሆስፒታል ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ኮምዩን ካብ ናይ ካርልስታድን ቨስትኦምሮደት ናይ ትርጉም ትካላት ስልጣን ዘለዎም ተርጎምቲ የምጽእ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብን ካብን በንግስፉሽ፡ ብኣውቶቡስ ምንቅስቓስ ቀሊል እዩ። ቨስትትራፊክ እዩ ነቲ ናይ ከባቢ መስመራት ዘካይዶ። ባቡር ንምውሳድ ቅድም ናብ ዳልስ ኤድ ወይ ናብ ኦሞል ምኻድ የድሊ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ናትካ ትካል ምብጋስ ብዝያዳ ኣንብብ።