Älmhult

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናይ አልምሁልት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! ኣብ አልምሁልት ኮምዩን ካብ እተፈላለያ ልዕሊ 50 ሃገራት ዝመጹ ሰባት ይቕመጡን ይሰርሑን። ስለዚ እተፈላለየ ባህልታት ዘለዎ ኣህጉራዊ ሃዋህው ኣሎና።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦሙሉ ዘለዉ ሓደ ኣደባባይ። ኣብ ማእከል እቲ ኣደባባይ ሓደ መድረኽ ኣሎ።

ኣብዚ ናብ ኩሉ ቀረባ እዩ፤ ናብ ስራሕ፡ ቤትትምህርቲ፡ መዘናግዒታት፡ ግሩም ተፈጥሮ፡ ዕዳጋታት፡ ዓበይቲ ከተማታትን ዓበትይቲ ድኳናትን።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኣልምሁልት እቶም ተቐማጦ ኣብ ደስ ዘብልን ጥዕና ዝመልኦን ውሑስን ኣከባቢ ኪቕመጡን ኪነብሩን ኢና እንደሊ። ንኣኻ፡ መንበሪቤት እትደሊ ዘሎኻ፡ ኣብ አልምሁልት ብዙሕ ኣማራጺታት ኣሎካ - ኣብ አልምሁልት መንበሪ ኣባይትን ኣከባቢኡን ብዙሕ ዝዓይነቱ እዩ። ጥቓ ባሕሪ ወይ ዱር ምስ እትደሊ ኣብ ቀረባ ኣሎካ። ኣብ ውሽጢ ከተማ ምስ እትደሊ፡ ብደሓን ዋጋ ክትረክብ ትኽእል። ኣብ አልምሁልት ንኽትመርጽ ዕድል ኣሎካ!

መንበሪ ቤት ምክራይን ምዕዳግን

ኣብ አልምሁልት ኣብቲ ከባቢ ኮምዩን ገዛ ዘካርያ ትካላትን ኣካረይትን ኣለዉ። ካብኦም እቲ 1300 መንበሪ ኣባይትን ናይ ድኳናት ገዛውትን ዘለዎ ናይቲ ኮምዩን Älmhultsbostäder AB ትካል ክራይ ኣባይቲ እዩ። መብዛሕትኦም ኣካረይቲ ናይ ሪጋ ወይ ተራ ኣገባብ ከም ዚኽተሉ ኣይተረስዕ።

ገዛ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ግን ደላሎ ኣለዉ።

ሓድሽ መንበሪ ቤት ንምስራሕ

ሓድሽ መንበሪ ቤት ንምስራሕ ትደሊዶ? እቲ ኮምዩን ንቤት መስርሒ ዝኸውንን ንፋብሪካ ዝኸውንን ጥርሑ መሬት ይሸይጥ እዩ። ንገዛ መስርሒ ዝኸውን መሬት ክትዕድግ ምስ እትደሊ ሪጋኻ ወይ ተራኻ ሓዝ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ አልምሁልት ኮምዩን ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ይቕመጡን ይሰርሑን። ስለዚ እቶም ተቐማጦ ብዙሕ እተፈላለየ ቋንቋታት እዮም ዚዛረቡ። ብዘይካ ሽወደንን እንግሊዝን፡ ዓረብን ሶማልን ትግርኛን ይዝረብ። ገለ ከኣ ሩስያን ኩርማንጂን ሂንዲን ይዛረቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ናይ ኣልምሁልት ባህላዊ ህይወት ብብዝሕን ተሳትፎን ደስታን ዝመልአ እዩ። ኣብዚ እቲ ሰብ ኣብቲ ባህሊ ኪሳተፍን ክፋል ናይቲ ባህላዊ ህይወት ኪኸውንን ይኽእል።

ኣብ አልምሁልት ኮምዩን፡ ሰፊሕ ባህላዊ ህይወትን ንጡፍ ናይ ዕረፍቲ ግዜን ነቲ ተቐማጥን በጻሕን እተማለአን ጥዕና ዝመልኦ ህይወትን ይህቦ። ኣብቲ ኮምዩን 200 ማሕበራትን 140 ህንጻታትን ዘለዎ ብዙሕ ዝንጥፈታቱ ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ኣብዚ፡ ካብ ናይ ዝንባሌን ስፖርትን ክሳዕ ናይ ሃይማኖት ማሕበራት ኣለዋ። ብዛዕባአን ኣብቲ ደብተር ማሕበራት ረአ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣገልግሎት

ኣብ ከባቢ ኣልምሁልት ኩሉቲ ዘድልየካ ኣሎ። ኣብኡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈት ጥሮታ፡ ቤትጽሕፈት መድህንን ቀረጽ ኣብ ጎትሃርድስጋታ ኣብ ሓደ ቦታ ይርከባ። ኣብ ከባብን ውሽጥን ከተማ ኣልምሁልት ብዙሓት ባንክታት ኣለዋ።

ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት/መቐበል ስደተኛታት እውን ኣብ ጎትሃርድስ ጋታ እዩ ዘሎ። ንሶም ከም ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጠን ኣብ መጀመርታ ነቲ ትደልዮ ልክዕ ሓገዝ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ንግዲ

ኣብ ኣልምሁልት እተፈላለየ ድኳናት ኣሎ - ፋርማሲ፡ ድኳን ክዳውንቲ፡ ግሮሰሪ፡ ናይ ኤለክትሮኒክን ስፖርትን ኣቕሑ።

ኣቕሑ ገዛ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ኢከያ- ዓቢ መኽዘን ኣብቲ ናይ ንግዲ ከባቢ- ኣሎ። ናይ ሰከንድሃንድ ኣቕሑ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ድማ ንኣብነት ኮምፓኒየትስ ሰከንድሃንድ፡ ፒንግስትሺርካን ሰከንድሃንድን ቀዪሕ መስቀል ሰከንድሃንድን ኣሎካ።

ቤትንባብ

ኣብ ኣልምሁልት ቤትንባብ ከም መራኸቢ ቦታ እዩ። ናይ አልምሁልት ቤትንባብ ኣብቲ ኩሉቲ ኮምዩን ነኣሽቱ ጨንፈራት ኣለዎ። እቲ ቤትንባብ ብእተፈላለየ ቋንቋታት መጻሕፍቲ ኣለዎ። ስነጽሑፍን ጋዜጣን ንኹሉ ዕድመን ንምህሮን ዚጠቅም ተመክሮታትን ዘለዎ መጻሕፍቲ ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ቤትንባብ ናይ ባዕሉ ወብሳይት ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣንብብ ወይ ከኣ ነቲ ላይብረርያን ሕተቶ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከባቢ ኣልምሁልት 18 ኮሙናዊ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ብዙሓት መውዓሊ ስድራቤትን ኣለዋ። ናይቲ ቤትትምህርቲ ህጻናት ንጥፈታት ነቶም 1-6 ዝዕድመኦም ይምልከት፡ ከም ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ መውዓሊ ስድራቤትን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን ድማ የገልግል። ውላድካ ኣብቲ ቤትትምህርቲ ኪእለ እንተ ደሊኻ ወይ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ነቲ ናይ አልምሁልት ኮምዩን ናይ ስልጠና ምምሕዳር ተወከሶ።

እቲ ኮተን ዚብሃል ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ዘይክፈሎን ነቶም ወለድን ነቶም ካብ 0-6 ዝዕድመኦም ህጻናትን እዩ። ኣብኡ ካልኦት ወለዲ ናይ ምርካብ ዕድል ኣሎ፡ እቶም ህጻናት ድማ ኣብኡ ኪጻወቱን ኪስእሉን ኪዝምሩን ይኽእሉ እዮም።

ሓንቲ ኮፍ ዝበለት ሰበይቲ ኣብ ብርካ ሓደ ቈልዓ ሒዛ ካብ ሓደ ናይ ቈልዑ መጽሓፍ ዓው ኢላ ተንብብ ኣላ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኣልምሁልት ንትምህርቲ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዚግበረሉ - ከምኡውን ንቁጠባዊ ህይወት። ራእይና እቲ ቤትትምህርቲ ናይ ሃገር ሽወደን ዝበለጸ ንምግባር እዩ።

ኣብዚ፡ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተትምህርቲ ኣሎ።

መባእታ ቤትትምህርቲ

ኣብቲ ኮምዩን 11 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። እተን ትሽዓተ ናይ ኮምዩን እየን፡ እተን ክልተ ድማ ብሕታውያን እየን። ሓንቲ ካብተን ኮሙናውያን መባእታ ኣብያተትምህርቲ፡ ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት ትሽዓተ ዘለዋ ኣህጉራዊት ቤትትምህርቲ እያ። ንሳ ናይ 12 መሕለፊ ሰርቲፊከት ዘለዋ ኣብ ትምህርቲ እንግሊዝ ቋንቋ እተዘውትር እያ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ እተፈላለያ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ

ኣብ ማእከል ኤልምሁልት እቶም ትሕዝቶ ናይ ዝተፈላለዩ ኣንፈት ትምህርትን ኣህጉራዊ ናይ ባቸለር ዲግርን ብዙሕ ሃገራውያን መደባት ትምህርትታት ዘለዎም ኮሙናላዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ሃጋኔስስኩላን ፍሉይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ኣሎዉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ሃጋኔስስኩላን ብጀካ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ሓደ ናይ ኣባጽሕ ቤት ትምህርቲ፡ ፍሉይ ናይ ኣባጽሕ ቤት ትምህርቲን (Särvux) ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት(SFI) ዝሓዘ ማእከል ትምህርቲ (Lärcenter) ይሓቁፍ። ኤሴፍኢ ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ፡ ናይ ብናጻ ትምህርቲ ሽወደንኛ ዕድል ይህበካ። እቲ ማእከል ትምህርቲ፡ ናይ ቤት ምግብን ምግብን ከምኡ'ውን ናይ ክንክንን ሓልዮትን ሞያዊ ትምህርትታት እውን ዕድል ይህብ እዩ።

ከምኡ'ውን ብመንገዲ እቲ ኣብ ከባቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ክህሉ ይኽእል እዩ።

ሰለስተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ ጐደና እንዳ ኸዳ ነንሕድሕደን ይዛረባ ኣለዋ። ድሕሪ እተን ኣንስቲ ክልተ ሰብኡት ይኸዱ ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ሰብኡት ተለፎን ይዛረብ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ማእከል ኣልምሁልት ክልተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፤ Helsa ከምኡውን Achima Care Älmhults vårdcentral. ኣብኡ ክልተ ናይ ስኒ ሕክምና ክሊኒካት ኣለዋ፤ Tandhälsan ከምኡውን Tandvårdshuset። ኣበየናይ ማእከል ጥዕና ወይ ሕክምና ስኒ ክትከይድ ከም እትደሊ ባዕልኻ ክትውስን ትኽእል።

ኣብ ኣልምሁልት ማእከል ስድራቤት ኣሎ። ኣብኡ መወልዳንን ናይ መንእሰያትን ህጻናትን ክሊኒካት ኣሎ።

ዝቐረበ ሆስፒታል/ሓፈሻዊ ሆስፒታል ምስ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዩንግቢ ወይ ቨክስሾ ኣሎ።

ብዛዕባ ሕማምን ክንክንን ምኽሪ ወይ ሓበሬታ ምስ እትደሊ ኣብ 1177 vårdguidens hemsida ተወከስ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ናይ ኣልምሁልት ኮምዩን ወይ ካልኦት ትካላት ክትራኸብ ከሎኻ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ምስ እትደሊ ኣቐዲምካ ክትሓትት ይግባእ። ነቶም ትካላት ተርጓማይ ኪቕርቡልካ ንገሮም።

ናብ ኤልምሁልት ኮሙን ኣብ ትበጽሓሉ እዋን ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ንምርካብ ምስ ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ነቶም ኣብቲ ኮምዩን ዝጎዓዙ ናብ ኣልምሁልት ምብጻሕ ቀሊል እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ተቐማጦ ኣልምሁልት ብቐሊሉ ናብ ዓለም ኪገይሹ ይኽእሉ። ካብን ናብን ኣልምሁልት ባቡር፡ ማኪና ወይ ኣውቶቡስ ክትወስድ ትኽእል።

ኣልምሁልት ኣብቲ መገዲ ባቡር እያ ዘላ፡ ኣብ መዓልቲ ድማ 75 ግዜ ባቡራት ይመጻኣ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ንብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዚሰርሑ ሰባት በጺሖም ከም ዚምለሱ ይገብሮም። ብባቡር ብቐሊሉ ናብ ዮተቦሪን ስቶክሆልምን ኪኽየድ ይከኣል። ኮፐንሃገንን ናይ ካስትሩፕ መዓርፎ ነፈርትን ብባቡር መገዲ ክልተ ሰዓት እዩ። ብድሕሪኡ ናብ ዓለምካ ክትገይሽ ይከኣል። እቲ ብነፋሪት ዚገይሽ ሰብ ንናይ ቨክስሾ ሳምላንድ አይርፖርት ኪጥቀም ይኽእል። ንሱ ካብ ኣልምሁልት መገዲ ሓደ ሰዓት እዩ።

ኣብ ኣልምሁልት ብዙሕን ግሩምን ናይ ብሽግለታ መገድታትን ግሩም ዝኾነ ናይ ኣውቶቡስ መስመራትን ኣሎ። ኣብቲ ውሽጢ ከተማ ኣብ ሰሰዓት ካብን ናብን ሰንትሩም ወይ ዕዳጋ ዘመላልሳ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ነቲ ማኪና ዘዘውትር ድማ ግሩም ናይ መገድታት መስመራት ኣሎ።

ሓንቲ ባቡር ኣብ ሓደ መደበር ባቡር ደው ኢላ ኣላ። በቲ ካልእ ሸነኽ ናይቲ መድረኽ ባቡር ሓንቲ ሰበይቲ ንሰባት ጋዜጣ ተከፋፍል ኣላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኤልምሁልት ብዙሓት ኣብ ስራሕ ዘለዋ ትካላት ኣለዋ። ኣብቲ ሰፈር ካብ ዘለዋ ብምሉኣን 14 ኩባንያታት ኢከአ (IKEA) ትዕብልለን እያ። ብጀካ ኢከአ (IKEA) ኣብ ዝተፈላለየ ጨንፈር ዝተዋፈራ ብዙሓት ዕዉታት ትካላት ኣለዋ። ንሕና ነተን ኣብዚ ኮሙን ዘለዋ ትካላት ክምዕብላ ንኽኽእላን ሓደስቲ ድማ ኪኽፈታን ኢና ንጽዕር።

ናይ ስራሕ ዕድላት

ኣብቲ ኮምዩን እተፈላለየ ዓይነት ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ። ኣብኡ ነኣሽቱን ማእከሎትን ዋኒናትን ፋብሪካታትን ድኳናትን ናይ ቱሪዝም ንጥፈታትን ኣሎ። ኣብ ኣልምሁልት ናይ ኢከያ ትካላት ኣለዋ፡ ከም ንኣብነት ካታሎግ ዝሰርሓ፡ ማእከላዊ መኽዘንን ምዕባለ ምህርትን። ኣብቲ ኮምዩን ብድምር 500 ምዝጉባት ዋኒናትን 1500 ሰብ ዋኒንን ኣለዉ።

ኣልምሁልት ኮምዩን ናይቲ ኮምዩን ዓቢ ስራሕ ወሃቢ እዩ። ንሕና ኣብ ቀጻሊ ምዕባለ ኢና ዘሎና፡ ኣብ ፍልልያት ድማ ረብሓ ንርእይ፡ ፍልልያት ነኽብር ንማዕርነት ድማ ነጢፍና ንሰርሕ። ኣባና ግሩምን ዚምዕብልን ስራሕ ከምኡውን ግሩም ናይ ስራሕ ሃዋህው ይህልወካ።

ናይ ውልቂ ዋኒን ንምጅማር

ናይ ውልቅኻ ዋኒን ክትጅምር ትደሊዶ? ኣብ ኣልምሁልት ሕልምኻ ኪገሃድ ይኽእል ይኸውን። ናትካ ዋኒን ክትጅምር ምስ እትደሊን NyföretagarCentrum i Älmhult ተወከስ።ንሱ ዘይክፈሎን ብሕታውን ምኽሪ ይህበካ።