Håbo

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሆቡ ኣብ መላርዳለን ማእከላዊ ቦታ ዝሓዘት 120 ኪ/መ ገምገም ባሕሪ ዘለዋ እያ። ኣብዚ ናይ ታሪኽ ኣሰራት ኣሎ፡ ሓሙሽተ ናይ ማእከላይ ዘመን ኣብያተክርስትያን፡ ኣስታት ሰላሳ ታሪኻዊ ዑናታትን ኣብ ሽወደን ዝና ዘትረፈ ስኮክሎስተር ዚብሃል ጥንታዊ ቤተመንግስቲ ድማ ኣለዋ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ግምቢ ስኩክሎስተር። ሓደ ዓብዪ ጸሊም ናሕሲ ዘለዎ ግምቢ

ሆቡ ንብዙሕ ዘመናት ናይ ዕረፍትን መዘናግዕን ቦታ እያ ነይራ። ኣብኡ ናይ ኣራዊትን ኣዕዋፍን ህይወት ትዕዘብ። ሆቡ ትዓቢ እያ ዘላ፡ 20,000 ተቐማጦን ዝዕምብብ ቍጠባውን ማሕበራውን ህይወት ድማ ኣለዋ። ካብ ቦልስታ ንስቶክሆልም 30 ደቓይቕ ይወስድ፡ ንኣርላንዳ ድማ 40 ደቓይቕ፡ ብግሩም ናይ ፐንድሊን ባቡር።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሆቡ ኮምዩን እተፈላለየ መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። መብዛሕትኡ ነኣሽቱ ገዛውቲ እዩ። ኣብ ቦልስታን ስኮክሎስተር ኣፓርትማን ኮምዶሚንዩምን ኣሎ። Håbhus AB ናይቲ ኮምዩን ቤትጽሕፈት ኪራይ ኣባይቲ እዩ። ንሱ 1250 መንበሪ ኣባይትን ንኣብያተጽሕፈትን ንግድን ዚኸውን ኣባይትን ኣለዎ። ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲውን ኣለዉ።

ብቬትሮ ዝተሸፈነ ሰገነት ዘለዎም ጻዓዱ ናይ ክራይ ኣፓርትማ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ኮምዩን ብዘይካ ኖርዲካውያን ቋንቋታት ዚዝውተሩ ካልኦት ቋንቋታት እዞም ዚስዕቡ እዮም፣ ዓረብ፡ እንግሊዝ፡ ታይላንድ፡ ሩስያ፡ ቺና፡ ኪንያርዋንዳ፡ ስፓኛ፡ ጥልያን፡ ሊቱወንያ፡ ፖልስካ፡ ፋርስ፡ ኩርድን ዳሪን።

ኣብ መደበኛን ኣብ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ዚመሃሩ ተመሃሮ ቋንቋ ኣደታቶም ሽወደን ምስ ዘይከውን ብቋንቋ ኣደታቶም ትምርቲ ይወሃቦም እዩ። እቲ ኮምዩን ንትምህርታዊ ዓመት 1-9 ዘለዉ ተመሃሮ፡ እንተወሓደ ሓሙሽተ ተመሃሮን ብቑዕ መምህርን ምስ ዚርከብ፡ ይኸፍተሎም እዩ። እቲ ቋንቋ ኣብ ገዛ ኪዝውተር ይግባእ፡ እቲ ህጻን ድማ መሰረታዊ ፍልጠት ኪህሉዎ ይግባእ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሆቡ ብዙሓት እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ፡ ከም ማሕበር ስፖርት፡ ማሕበር ባህልን ናይ ጥሮተኛታት ማሕበራትን። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ማሕበራት ደብተር ባዕልኻ እቲ ዘገድሰካ ማሕበር ክትመርጽ ትኽእል። ኣብ ሆቡ ኮምዩን ኣስታት 150 እተፈላለያ ማሕበራት ይነጥፋ። ካብአን 40 ዝኾና ናብ ህጻናትን መንእሰያትን ዘተኮረ መደባት ኣለወን። ኣብዚ ብዙሓት ናይ ሽወደን ወይ ናይ ካልኦት ኖርዲካውያን ናይ ሃይማኖት ማሕበራትን ኣብያተክርስትያንን ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ናይ ሆቡ ከተማ ዝኾነት ቦልስታ ዘመናዊት እያ፡ ኣብቲ ከባቢኣ ድማ ታሪኻዊ ቦታ ኣሎ። ኣብ ሰንትሩም ድኳናትን ኣብያተመግብን ማሕብራዊ ቤትጽሕፈትን ማእከል ጥዕናንን ሕክምና ስንን ኣሎ። ብዛዕባ ቤትጽሕፈት መድህንን ቀረጽን ናብ ኤንሾፒን ኡፕስላ ወይ ሱንድቢበርይ ምኻድ የድሊ። ቤትጽሕፈት ኮምዩን ኣብ ማእከል ቦልስታ ይርከብ። ኣብኡ ምስቲ ኣብ ሆቡ ዘሎ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ዚሰርሕ ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሆቡ ኮምዩን 14 ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ሽድሽተ ብኮምዩን ዘይመሓደር ብሕታዊ ቤትትምህቲ ህጻናትን ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ንኹሉ ሰብ ዚምሽእ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ንኣብነት፡ ንኣለርጂ ዚምልከት ወይ ንፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ወይ ንፍሉይ ጠለብ ዘለዎም ተመሃሮ ዚምልከት ክፍልታት ዘለዎ።

እተን ክፉታት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ንኣለይቲ ወለዲ ደቆም ሒዞም ምስ ካልኦት ዓብየትን ህጻናትን ዝራኸቡሉ ቦታ እዩ። እቲ ኮምዩን ክለተ ክፉታት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዎ።

  • ኣብቲ ኣብ ቦልስታ ሰንትሩም ጥቓ ሰንትሩምተራሰን ዚርከብ ኖቪላ
  • ኣብቲ ጥቓ ናይ ስኮክሎስተር መጥፋእቲ ሓዊ ዚርከብ ናይ መንእሰያት መዘናግዒ ቦታታት

ሽወደናዊ ቤትክርስትያን ኣብ ሆቡ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣለዎ። ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዝበጽሑ ሓደስቲ መጻእቲ ህጻናት ኣብቲ ናይ ቤትትምህርቲ ቤትጽሕፈት ይቕበሉዎም፡ ልክዕ ቦታን ብቑዕ ሓገዝን ንኺረኽቡ ድማ ይጽዕሩሎም።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሆቡ 7 ኮሙናውያንን 3 ብሕታውያንን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ህጻናት ኣብቲ ናይ ህጻናት ክፍሊ ይጅምሩ ክሳዕ 9ይ ድማ ይቕጽሉ። ኣብ ሆቡ ፍሪደጎርድስዪምናሴት እተባህለ ብኮምዩን ዚመሓደርን ኣስታት 500 ተመሃሮ ዘለዎን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ንዝደልዩ፡ ካብቲ ኮምዩን ወጺእካውን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ነቶም ኣብቲ ኮምዩን እተመዝገቡ ተመሃሮ እቲ ኮምዩን እዩ ነቲ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ዝዓጽወሎም። ኩሉ መባእታ ዝወደአ ተመሃራይ ሽወደን ናይ ሰለስተ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኪካፈል መሰል ኣለዎ።

ነቶም ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመን ክሳዕ 19 ዕድመ ዘለዉ ሓደስቲ መጻእቲ ዝኾኑ ህጻናትን ኣጕባዝን እቲ ናይ ቤትትምህርቲ ቤትጽሕፈት እዩ ዚቕበሎም፡ ልክዕ ቦታን ብቑዕ ሓገዝን ንኺረኽቡ ድማ ይጸዓረሎም።

ሓንቲ ግሎብ ዝሓዙ ኣርባዕተ ተምሃሮ።

ዕድላት ትምህርቲ

እቶም ኣብ ሆቡ ዚመሃሩ፡ ጽቡቕ ዕድል ኣለዎም። ትምህርቲ ንዓበይቲ ብእተፈላለየ መልክዕን ብእተፈላለያ ውድባትን ይውሃብ። ሆቡ ኮምዩን ነቶም ትምህርቶም ኪውድኡ ዚደልዩ ወይ ነቶም ሓድሽ ሞያ ኪመሃሩ ዚደልዩ ስልጠናታት የቕርብ። ኣብዚ፡ ብመሰረታዊ ስልጠና ንዓበይቲ፡ ካልኣይ ደረጃዊ ስልጠና ንዓበይቲ፡ ፍሉይ ስልጠና ንዓበይቲ (ሰርቩክስ) ከምኡውን ሽወደን ንወጻእተኛታትን (ኤስኤፍኢ) እተሰነየ ህዝባዊ ኮለጅ፡ ኣሎ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቤት ንባብ ኮፍ ኢላ ተንብብ ኣላ።

ኣገልጎት ጥዕና

ሆቡ ክፋል ዞባ ኡፕሳላ እያ። እቶም ኣገልግሎት ጥዕና ዚደልዩን ብዛዕባ ጥዕና ምኽሪ ዚደልዩን ምስ ናቶም ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ይገብሩ። ብሕታዊ ማእከላት ክንክን ጥዕናን ብዞባ ኡፕሳላ ዝካየድ ማእከላት ክንክን ጥዕናን ኣሎ። ንስኻ ድማ ኣየናይ ማእከልክንክን ጥዕና ከም እትደሊ ባዕልካ ትመርጽ።

ኣብ ሆቡ ሰለስተ ማእከላት ጥዕናን ሓደ ናይ መንእሰያት ክሊኒክን ኣሎ፡ ከምኡውን ቦልስታ ዶክቶር፡ ናይ ስድራቤት ሓኪም ቦልስታ፡ ሆቡ ክንክን ጥዕናን ናይ ቦልስታ ናይ መንእሰያት ክሊኒክን ኣሎ። ኣብቲ ማእከል ጥዕና ሓኪም፡ ናይ ወረዳ ነርስ፡ መሕረሲት፡ ናይ ህጻናት ነርስ፡ ናይ ስራሕ ሕክምና፡ ናይ ምውስዋስ ሕክምናን ኣማኻርን ሳይኮሎጂስትን ኣለዉ። ኣብ አንሾፒን ብናይ ህጹጽ ረድኤት እተሰነየ ሆስፒታል ኣሎ፡ ከምኡውን ኣብ ናይ ኡፕሳላ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣካደምያዊ ሆስፒታል።

ናይ ኡፕሳላ ኮምዩን ሚግራኹንሀልሳንኮስሞስ Migrationshälsan Cosmos ነቶም ኣብ ኡፕሳላ ወረዳ ዑቕባ ዚሓቱ ይቕበል። ኣብዚ ንናይ ጥዕና ምይይጥ፡ ምብጻሕ ሓኪም፡ ምብጻሕ ነርስ፡ምስ ኣማኻሪ ምይይጥ፡ ናብ ሪፈራል ምኻድን ናይ ሓኪም ናይ መድሃኒት ትእዛዝን ንምርካብ ዕድል ኣሎ። እቶም ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ፡ ኣብ ናይ ሆቡ ማእከል ጥዕና ኪውከሱ ይግባእ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ብዘይካ ሽወደን ካልእ ናይ ኣደ ቋንቋ ዚዛረብን ምስ ናይቲ ኮምዩን ወከልቲ ኪራኸብ ከሎ ድማ ተርጓማይ ዘድልዮን፡ ቆጸራ ኪገብር ከሎ ኪሕብር ይግባእ። እቲ ናይቲ ኮምዩን ሰራሕተኛ እዩ ነቲ ተርጓሚ ዚቖጽሮ። እዚ፡ ኣብቲ ምስ ኣገልግሎት ጥዕናን ሓኪም ስኒን ዚግበር ርክብ እውን ኪግበር ይግባእ፡ ሽዑ ግን እዚ ዞባ ሰራሕተኛ እዩ ንተርጓማይ ዚቖጽሮ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብን ኣብ ውሽጢ ሆቡ ኮምዩን ግሩም ጥሙር ዝኾነ መራኸቢታት ኣሎ።

ተመላላሲ ባቡር

ናይ SL ፐንደልቶግ ነፍስወከፍ 30 ደቓይቕ ምሉእ መዓልትን ለይትን ይመላለስ። ብናይ SL ፐንደልቶግ ናብ ስቶክሆልም ብ38 ደቓይቕ ትኣቱ።

ኤስ ኤል ዞባዊ ባቡር

SL ዞባዊ ባቡር regionaltåg ናብ ሱንድቢበርይን ስቶክሆልም ሰንትራልን ይኸይድ። ብ SL ዞባዊ ባቡር regionaltåg ናብ ስቶክሆልም ሰንትራል ብ30 ደቓይቕ ይእቶ።

ኣውቶቡስ

ኣውቶቡሳት ቀጻሊ ናብ አንሾፒን፡ ቨስተሮስን ኡፕሳላን ይኸዳ። ካብ ቦልስታ ናይ ኣርላንዳ መዓርፎ ነፈርቲ ቀጥታ ኣውቶቡስ ኣሎ።

ሓንቲ ተመላላሲት ባቡር ኣብ ሓደ መድረኽ ደው ኢላ ኣላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሆቡ ኮምዩን ብዙሕ ጠቓሚ ሞያታት ኣሎ - ንኮምዩንናን ነቶም ኣብኡ ዚነብሩን ብጽቡቕ ምሓዝ። ብሓጺሩ፡ ልዑል ናይ ህይወት ደረጃ ምፍጣር። ሆቡ ኮምዩን ኣብዘን ዝመጻ ዓመታት ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ኪምልምል እዩ። ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ጥሮታ ኪወጹ ስለ ዝኾኑ።