Forshaga

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ፉሽሃጋ ኮምዩን ንህይወት ዘስትማቕሩ 11,300 ተቐማጦ ኣለዉ። ኣብ ደየ፡ ፉሽሃጋን ኦላስተርን ጽቡቕ ኣሎና፡ ኣብቲ ናይ ቨርምላንድ ገጠራዊ ተፈጥሮ ድማ ደስ ኢሉና ንነብር።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናብ ናይ ህጻናት ኮምዩን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! ቅርበት፡ ተኽእሎ ይህበና። ናይ ከተማ ታህዋኽ ወይስ ናይ ተፈጥሮ ህድኣት? ኣብዚ፡ ክልቲኡ ህይወት ኣብ ጥቓና እዩ።

ዙረት ኣብ ሓደ መናፈሻ። ሓንቲ ህጻን ዝሓዘት ሰበይቲ ቡን ትሰቲ ኣላ፣ ፊት ንፊታ ሓንቲ ብዕድመ ዝነኣሰት ሰበይቲ ኮፍ ኢላ ኣላ። ኣብ ጥቕኣ ሓደ ንኡስ ሰብኣይ ኮፍ ኢሉ ኣሎ፡ ሓንቲ ጓል ድማ ምስኡ ትጻወት ኣላ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ፉሽሃጋ መንበሪ ኣባይቲ ትደሊዶ ኣሎኻ? እቲ ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ FABO ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዚርከብን ግሩም ደረጃ ዝሓዘን ኣፓርትማ የካሪ። ኣብቲ ናትና ወብሳይት ብዛዕባ ናይቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ሓበሬታ ኣኪብና ኣሎና። ዝርዝር ናይ ብሕታውያን ኣካረይቲውን ኣብኡ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ኮምዩን ብውሑዱ ኣስታት ዓሰርተ ቋንቋታት ይዝረብ፤ ዓረብ፡ ፋርስ፡ ቡርማ፡ ትግርኛን ሶማሊን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ፉሽሃጋ ኮምዩን ኣብ ስፖርትን ባህልን ወዘተ እተዋፈራ ልዕሊ 100 ማሕበራት ዝጠርነፈ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። መብዛሕትአን ናይ ህጻናትን መንእሰያትን መደባት ኣለወን። ኣብቲ ናይ ማሕበር ደብተር ብዛዕባ ውሱን ማሕበር ክትደሊ ትኽእል። ኣየኖት ማሕበራትን እንታይ ንጥፈታት ከም ዘካይዳውን ሓበሬታ ኣሎ።

ተር ዝበለ ዱኳናት ዘለዎ ሓደ ኣደባባይ። ሰባት ኣብ ጸሓይ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኮፍ ኢሎም ቡን ይሰትዩ ኣለዉ። ብዕድመ ንእስ ዝበሉ ሓደ ጽምዲ ዓረብያ ቈልዓ ሒዞም ይሓልፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብዚ፡ ክልተ ኣብያተንባብ (ፉሽሃጋን ደየን)፡ ቤት ባህሊ፡ ናይ ህዝቢ ኣደራሽ፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ባንክ፡ መሐምበሲ፡ ናይ ስፖርት ኣደራሽ፡ ናይ ስፖርት ቦታታት፡ መንሸራተቲ ኣደራሽ፡ ናይ ኮረር መበሊ ፓርክ፡ መጠዋወዪ ጎቦታት፡ መብራህቲ ዘለዎ መገዲ ኣጋር፡ መሐምበሲን ናይ ዘገልገለ መሐደሲ ትካላትን ኣሎ።

ኣብ ሓደ ቤት ንባብ ኣብ ሓደ ሓምላይ ሶፋ ሓንቲ ሰበይቲ ንኽልተ ሓሙሽተ ዓመት ዕድሚኤን ኣዋልድ ካብ ሓደ ናይ ጽውጽዋይ መጽሓፍ ተንብበለን ኣላ።

ኣብኡ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ፡ ናይ ስድራቤት ማእከል፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቀዪሕ መስቀል ኩፓን (መራኸቢ ቦታታት፡ ናይ ስደተኛታት መምርሒን ሰከንድሃንድ ቡቲክን)፡ ኣብያተክርስትያን፡ ግሮሰሪታትን፡ ባንካ፡ ካፌ፡ መጸበቒ ጸጕርን እንዳ በንዚናን ወዘተ ኣሎ። ኢከያ፡ ሱፐርማርከትን ሰከንድሃንድ ቡቲክን (የንጎቫን፡ ሚሩርና፡ ሶላርቱረን) ኣብቲ ጎረቤት ኮምዩን ካርልስታድ ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ እተፈላለየ ክፋላት ናይቲ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት፡ መውዓሊ ስድራቤትን ናይ ዕረፍቲ ቤትን ኣሎ። ንስኻ ድማ ትሰርሕ ወይ ስራሕ ሃሰው እትብል ወይ ትምሃር ምስ እትኸውን ውላድካ ሓደ ዓመት ምስ መልአ ኣብኡ ኪጅምር ይኽእል። ኣብቲ ናይ ስድራቤት ሰንትሩም ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን ናይ ህጻናት ካፌን ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ፉሽሃጋ ሓሙሽተ ኮሙናውያን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ካብአን ክልተ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ እየን። ንስኻ ከም ወላዲ፡ ምስ ውሉድካ ኴንካ ንውሉድካ ዚሰማማዕ መባእታ ቤትትምህርቲ ክትመርጽ ትኽእል።

ሓደ ኣቦ ምስ ወዱን ጓሉን ብደገ ሸነኽ ናይ ሓደ ዘመናዊ ቤት ትምህርቲ ዘሎ መገዲ ኣጋር ይኸይድ ኣሎ። ርሕቕ ኢልካ ኣብቲ ስእሊ ሓደ ወዲ ናብ ኣንጻር ሸነኽ ብሽክለታ ይዝውር ኣሎ።

ኣብ ፉሽሃጋ በቲ ኮምዩን ዚካየድ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ የልቦን። ብሕታዊ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣርባዕተ መደባት ትምህርቲ ዘለዎ ፉሽሃጋ ኣካደሚ ግን ኣሎ። መብዛሕትኦም ተመሃሮ ንካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ናይ ቨርምላንድ እዮም ዚኸዱ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ኣብ ፉሽሃጋ ዚርከብ ኮሙናዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ (ኮምቩክስ) ብመሰረታውን ካልኣይ ደረጃን ጽፍሒ ናይ ሞያን ኮርሳት ወይ ናይ ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi). ስልጠና ክትወስድ ትኽእል።

Yrkeshögskoleutbildning (YH) ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዚወሃብ ስልጠና እዩ። ተዮሪ ምስ ተግባር ይሕወስ፡ እቲ ስልጠና ድማ ናብ ሳይኮሶሻል ስራሕ ዝዓለመ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ናይ ካርልስታድ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብቲ ኮምዩን፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ህጻናትን ኣደታትን ማእከል ጥዕና፡ ናይ ስኒ ሕክምናን ፋርማስን ኣሎ። ምስቲ ክሊኒክ ብመገዲ 1177-Vårdguiden. ክትራኸብ ይከኣል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ብመገዲ ማእከል ትርጉም ካርልስታድ ናይ ትርጉም ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። 135 ቋንቋታት ዚመልኩ 205 ምዝጉባት ተርጎምቲ ኣለዉ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

Värmlandstrafik ነቲ ናይቲ ኮምዩን ብዙሕ መስመራት ኣውቶቡስ የካይዶ። ንደገ ክትገይሽ ምስ እትደሊ ግሩም ናይ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ተኽእሎ ኣሎ፡ ወይ ድማ ካብ ካርልስታድ መዓርፎ ነፈርቲ ክትበርር ትኽእል።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ኮምዩን ኣብ ሰፊሕ ዝዓይነቱ ስራሓት እተዋፈራ ብዙሓት ነኣሽቱን ማእከልቶን ዋኒናት ኣለዋ። መብዛትአን ኣብ ሕክምና ስንን ክንክን ምሕዳስ መንእሰያትን እተዋፈራ እየን። ፉሽሃጋ ኮምዩን ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። እቲ ዝዓበየ ብሕታዊ ዋኒን ከኣ ስቱራ ኤንሶ እዩ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ ፉሽሃጋ ኣብቲ ናይ ከባቢ ኮምዩናት ይሰርሑ፡ ብቐዳምነት ኣብ ካርልስታድ።