መደብ መትከል እግሪ ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 23 10 2023

ንዓኻ ኣብዚ ቐረባ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ሓደ ፍሉይ ደገፍ ኣሎ። እዚ መደብ መትከል እግሪ ይብሃል። ዕላማ መደብ መትከል እግሪ፡ ንስኻ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ሽወደንና ክትመሃር፡ ስራሕ ክትረክብን ናይ ባዕልኻ ገንዘብ ከተእቱን እዩ።

ኣብዚ መደብ መትከል እግሪ ንኽትሳተፍ ነዚ ዝስዕብ ከተማልእ ኣሎካ፡

  • ኣብ መንጎ 20ን 64ን ዓመት ዝኾንካ።
  • ከም ስደተኛ፡ ተመቝኒኑ ዝመጸ ስደተኛ (kvotflykting)፡ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ (skyddsbehövande) ወይ ከም መቕርብ ናይ ገለ ካብዚኦም መጠን መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኾይኑ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ መደብ መትከል እግሪ እንታይ ምኳኑ ዝገልጹ ፊልምታት ጌይሮም ኣሎዉ።

መደብ መትከል እግሪ እንታይ የጠቓልል?

እቲ ንዓኻ ዘድልየካ እዩ ኣብቲ ናትካ መደብ ኣየኖት ንጥፈታት ከም ዝኣትዉ ዝውስን። ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮታትካን ተገዳስነትን ተበጊስኩም ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ብሓባር መደብ ንጥፈታትካ ተውጽእ።

እዞም ዝስዕቡ ንጥፈታት ኵሉ ግዜ እቱዋት እዮም።

  • ሽወደንና ንወጻእተኛታት፡ ኤስኤፍኢ።
  • ልልይ ምስ ሕብረተ ሰብ። ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደን መሰረታዊ ፍልጠት ትረኽበሉ ትምህርቲ እዩ።
  • ንስራሕ ዝቐራርቡኻ ጻዕርታት። እዚ ንኣብነት ልምምድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ናይ ሞያ ፍልጠታትካን ትምህርቲታትካን ከተገምግሞም ክትክእል ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብቕዓት ምርግጋጽ ይብሃል።

እቶም ንጥፈታት ናይ መደብ መትከል እግሪ መዓስ እዮም ዝግበሩ?

እቶም ንጥፈታት ን40 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ይትግበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ን24 ኣዋርሕ ትሳተፍ።

ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ኣብቲ መትከል እግሪ ኣብ ሰሙን ዝወሓደ ሰዓታት ወይ ዝወሓደ ኣዋርሕ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣብነት፡

  • ኣብቲ ናይ መትከል እግሪ መደብ እንዳ ተሳተፍካ ናይ ከፊል ግዜ ስራሕ እንተ ረኺብካ።
  • ገለ መዓልታት ኣብ ሰሙን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ እንተ ወሲድካ ኣሎኻ ኾንካ።
  • ስንክልና እንተ'ላካ ኾይኑ።
  • ስለ ዝሓመምካ ኣብ ሰሙን ን40 ሰዓታት ክትሳተፍ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ

ኣብቲ ናይ መትከል እግሪ መደብ እንዳ ተሳተፍካ ብምሉእ ግዜ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ እንተ ወሲድካ፡ እቲ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ምስ ተወድኣ ተመሊስካ እንደገና ክትቅጽል ተኽእሎ ኣለካ።

Intensivår (ጽዑቕ-ዓመት)

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ እንተ ኾይንካን ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ድማ ምስ ትሳተፍን፡እዚ ጽዑቕ-ዓመት ዝበሃል ንዓኻ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይንካ ኣብ ሰዓታት ስራሕን ነጻ-ግዜን ክትመሃር ወይ ናይ ስራሕ ልምምድ(ፕራቲክ) ክትገብ ትኸእል።እቲ ዕላማ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ንኽትረክብ እዩ።

ክፍሊት መትከል እግሪ

ነቲ ኣብ መደብ እግሪ መትከሊ ዘሎ ውጥን እንተ ስዒብካዮ ገንዘብ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። እዚ ክፍሊት መትከል እግሪ ይብሃል።

ከምኡ'ውን ንዝተፈላለዩ መወሰኽታታት መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

  • ቈልዓ እንተ'ለካ ኾይኑ፡ መሰል ናይ መወሰኽታ መትከል እግሪ ክህልወካ ይኽእል እዩ።
  • በይንኻ እንተ ዄንካ ትቕመጥ፡ መሰል ናይ ክፍሊት ገዛ ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት እዮም ብዛዕባ ዝኾነ ክፍሊት ክኽፈለካ እንተ ኾይኑ ዝውስኑ። ከምኡ'ውን ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ ክንደይ መጠን ገንዘብ መሰል ከም ዘሎካ ይውስኑ።

ግዴታ ትምህርቲ

ግዴታዊ ትምህርቲ ንሓደ ሓደ ሓደሽቲ ሰባት ኣብ ሽወደን ይምልከቶም እዩ። ግዴታዊ ትምህርቲ ስራሕ ንምርካብ ዕድልካ ንከተዕብዮ ክትምሀር የድልየካ ማለት እዩ።