Hallands län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ብርክት ዝበለ መሐንበሲ-ቦታታትን ገመግም-ባሕርን ገለ ካብ ሕላገት ህቡብነትኣውራጃ ሃላንድ እዩ። ብዜካ’ዚ፡ እቲ ዞባ፡ ብጽዑቕ ኣግራብን ስንጭሮታትን ዝተኸበ ሩባታትን ጫካን ሃል ዝበለን ብባሕሪ ዝማዕረገ ህንጻታትን ውን ይርከቦ። እዚ ኣውራጃ’ዚ፡ 6 ከተማታት ወይ ምምሕዳር ከባቢታት ዘጠቓልል ኮይኑ ንሳተን ከኣ፡ ላሆልም፡ ሃልምስታድ፡ ሂልተ፡ ፋልከንበሪ፡ ቮርበሪን ኩንግስባካን እየን።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Hallands län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Hallands län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

እቲ ኣብ ዝሓለፈ 10ታት ዓመታት ዘጋጠመ ብዝሒ ህዝቢ ኣብዚ ዞባ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደስቲ ገዛውቲ ናይ ምህናጽ መደባት ኣይተራእየን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ካብ ዓመተ 2000 ንንዮው ኣብቲ ዞባ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ክርአ ግድን ኮይኑ። እዚ ሕጽረት'ዚ ብፍላይ ኣብ ማእከሎት ከተማታት ናይቲ ኣውራጃን፡ ኣብተን ኣብ ከባቢ ገማግም-ባሕሪ ዝርከባን ከተማታት'ዩ፡ ጎሊሑ ዝተራእየ። ብሓፈሻ እቲ ሕጽረት ከኣ፡ ኣብ ነኣሽቱ ገዛውቲ ምርካብ'ዩ ዝያዳ ኸሪሩ። ጸገም ምርካብ ገዛውቲ ብፍላይ ነተመሃሮ፡ መንእሰያት ካልኦት ፍሉይ ናይ መንበሪ-ገዛ ድልየታት ዘለዎም ኣካላትን እዩ፡ ገኒኑ ዝተራኣየ።

ህዝቢ-ተቐማጦ

​ዕብየት ቁጽሪ ህዝብን ዕድላት ስራሕን ኣብ ኣውራጃ ሃላንድ ካብ ማእከላይ ሃገር-ለኸ ደረጃ ቁሪብ ብልጽ ኢሉ ይርከብ። ቁጽሪ ህዝቢ ናይ'ዚ ኣውራጃ ኣብ ዝሓለፈ 10ታት ዓመታት'ዩ ክንህር ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ 2013 ቁጽሪ ህዝቢ ኣውራጃ ሃላንድ ናብ 306840 ደዪቡ። ኣብዚ ኣውራጃ፡ እታ ዝዓበየት ከተማ ሃልምስታድ ኮይና፡ ኣስታ 94000 ተቐማጦ ሃልይዋ፡ እታ ዝዓበየትን ብዙሕ ህዝቢ'ቲ ዞባ ዝርከበላን ከተማ እያ። ብጽሖት ወይ ቱሪስም ኣብዚ ዞባ'ዚ ህቡብ ኮይን፡ ኣብ እዋን ክራማት ኣብዚ ዝርከብ ቁጽሪ ህዝቢ ዕጽፊ ብምዃን ናብ ፍርቂ-ምልዮን ይበጽሕ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ቁጠባዊ ትሕተ-ባይታ ወይ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣውራጃ ሃላንድ፡ ኩሉ ጽላታት ዝትክንፍ ኮይኑ፡ ብምንቕስቓስ ነኣሽቱ ትካላት ይልለ። ቅርጺ ናይዘን ነኣሽቱ ትካላት ብዙሕ ኣውንታዊ ውጽኢታት የርኢ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣተባባዒ ሃዋህው ንምምስራት ሓደስቲ ትካላት፡ ጽቡቕ ኣታዊታት ምልክት ዕብየት ትካላት እዩ። ንቁጠባዊ ኩነታት ናይዚ ኣውራጃ ዝጸሉ ረቋሒ ከኣ፡ ኣብዚ ቦታ ብዙሓት ኣብ መዳይ ፍልጠት ዝነጥፋ ትካላት ዘይምህላወን ወይ ምውሓደን፡ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ነባሮ፡ ጽዑቕ ርክባት ምስ ሕብረተ-ሰብን ዩኒቨርስትን ምህላዉ እዩ። ኣብዚ ዞባ'ዚ እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ሃልምስታድ ኮይኑ 7800 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ብድሕሪኡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ዝሕዝ ከኣ፡ ምምሕዳር ኣውራጃ ኮይኑ 7200 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ንዜጋታት፡ ዕጋበትን ጥጡሕ ባይታን ንምፍጣር፡ ኣብ ኣውራጃ ሃላንድ ኩሎም መንግስታዊ ኣካላት፡ ትካላት፡ ማሕበራትን ምትእኽኻባትን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ሓቢሮም ይሰርሑ። ዓላማ ናይዚ ምውህሃድ ጻዕሪታት'ዚ ምቹእ ህወት ዜጋታትን ሓደስቲ ስደተኛታትን ንምጥጣሕን ንኣውፈርቲ ወይ ወይ ወነንቲ ትካላት ዝምእምእ ሃዋህም ንምፍጣርን ዝዓለመ እዩ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

እታ ኣብ ከተማ ሃልምስታድ እትርከብ ዩኒቨርስቲ፡ ናይ'ዚ ዞባ ብርክት ዝበላ ዓውዲታት ትምህርቲ ኣብ ምሃብ ትርከብ። እቲ ኣብዛ ዩኒቨርስቲ ዝካየድ ምርምር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎን ኣፍራይን ምርምር እዩ። እቲ ኣብ ቮርበሪ ዝርከብ ካምፓስ፡ ዝተፈላለየ ሞያዊ ዓውደ-ትምህርቲ ኣብ ምሃብ ዝነጥፍ መሓውር ናይዛ ዩኒቨርስቲ እዩ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ ኣውራጃ ሃላንድ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ዓበይቲ ሆስፒታላት ይርከብኦ። ንሳተን ከኣ፡ ኣብ ኩንግስባካ፡ ሃልምስታድ ከምኡን ውን ቮርበሪ ዝርከባ ኮይነን፡ ብጠቕላላ ኣስታት 3500 ሰራሕተኛታት፡ ሓባራዊ ምምሕዳርን መርሕነትን፡ ኣለውወን። ብዜካ እዘን ዝተጠቕሳ ሆፕሲታላታ ብርክት ዝበላ መንግስታውን ከምኡ ውን ናይ ግሊ ማእከላት-ጥዕና ውን ኣብ ምሉእ እቲ ኣዋራጃ ፋሕ-ኢለን ይርከባ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ነቶም ብባህሊ፡ ታሪኽ፡ ስፖርት፡ ስነ-ጠበብ፡ ሙዚቃን ትያርትን እትግደሱ ሰባት ኣብ ኣውራጃ ሃላንድ ብርክት ዝበለ ነዚ ዝድህስስ ንጥፈታት ኣለኩም። ተፈጥሮኣዊ ኣቃውማዊ ብዙሕነት ናይቲ ዞባ፡ ብርክት ዝበለ ዝብጻሕ ቦታታት ዝሓቆፈ እዩ። ኣብዚ ዞባ'ዚ፡ 160 ዝተሓዝአ ተፈጥሮኣዊ ቦታታትን 50 ትንታዊ ታሪኻዊ ቦታታትን ይርከብ።